ሚክያስ 5:1-15

  • ኣብ ኵላ ምድሪ ዓብዪ ዚኸውን ገዛኢ (1-6)

    • ገዛኢ ኻብ ቤት-ልሄም ኪወጽእ እዩ (2)

  • ተረፍ ከም ኣውልን ከም ኣንበሳን ኪኸውን እዩ (7-9)

  • እታ ምድሪ ኽትጸሪ እያ (10-15)

5  “ሕጂ፡ ኣቲ እትጥቅዒ ዘለኺ ጓል፡ገዛእ ርእስኺ ትበጥሒ ኣለኺ፣ተኸቢብና ኣለና።+ ብሻቦጥ ንፈራዲ እስራኤል ምዕጕርቱ ይወቕዕዎ።+   ኣቲ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፡+ኣቲ ኣብ መንጎ ኣሽሓት* ይሁዳ ንምዃን ዝነኣስኪ፡ካባኺ እቲ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዝዀነለይ፡+እቲ መበቈሉ ኻብ ጥንቲ፡ ካብ መዓልትታት ቀደም ዝዀነ ኺወጽእ እዩ።   ስለዚ፡ ክሳዕ እቲ እታ ወላዲት እትወልደሉ ግዜ፡ንሱ ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ ኸኣ ናብ ህዝቢ እስራኤል ኪምለሱ እዮም።   ተንሲኡ ድማ ብብርታዐ የሆዋ፡ብብልጫ ስም የሆዋ ኣምላኹ ኺጓሲ እዩ።+ ሽዑ፡ ዕቤቱ ኽሳብ ወሰናት ምድሪ ኺበጽሕ እዩ እሞ፡+ንሳቶም ብደሓን ኪነብሩ እዮም።+   ንሱ ኸኣ ሰላም ኬምጽእ እዩ።+ እቲ ኣሶራዊ ንምድርና እንተ ወሪሩን ንእተዓርደ ግምብታትና እንተ ረጊጹን፡+ኣንጻሩ ሸውዓተ ጓሶት፡ እወ፡ ሸሞንተ መሳፍንቲ* ሰብ ከነተንስእ ኢና።   ንሳቶም ንምድሪ ኣሶር ብሰይፊ፡+ንምድሪ ኒምሮድ+ ድማ ኣብ መእተዊታታ ኺጓስዩ እዮም። እቲ ኣሶራዊ ንምድርና ምስ ወረረን ኣብ ሃገርና ምስ ረገጸን፡ንሱ ኻብኡ ኼናግፈና እዩ።+   እቶም ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት፡ከምቲ ብሰብ ተስፋ ዘይገብር፡ንደቂ ሰብ ድማ ዘይጽበ፡ኣውሊ ኻብ የሆዋ፡ብርቱዕ ካፋ ኣብ ኣትክልቲ ኪዀኑ እዮም።   እቶም ተረፍ ያእቆብ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት፡ከምቲ ዚሓልፍን ዚጐብጥን ዚሰላልዕንኣብ መንጎ እንስሳታት ዱር ዘሎ ኣንበሳ፡ኣብ መንጎ መጓሰ ኣባጊዕ ዘሎ ሽደን ኣንበሳ ኪዀኑ እዮም፣ዜናግፍ ከኣ የልቦን።   ኢድካ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ኽትልዓል እያ፣ኵሎም ጸላእትኻ እውን ኪጠፍኡ እዮም።” 10  “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡“ኣፍራስካ ኻብ ማእከልካ ኸጽንት፡ ሰረገላታትካ እውን ከጥፍእ እየ። 11  ንኸተማታት ምድርኻ ኸጥፍአን፡ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ከፍርሶ እየ። 12  ንእትገብሮ* ኣስማት መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ስሒር ዚገብር ከኣ ኣብ መንጎኻ ኣይኪተርፍን እዩ።+ 13  ቅሩጽ ምስልታትካን ሓወልትታትካን ካብ ማእከልካ ኸጥፍእ እየ፣ንግብሪ ኣእዳውካ ድማ ደጊም ኣይክትሰግድን ኢኻ።+ 14  ኣዕኑድ ኣምልኾኻ* ኻብ ማእከልካ ኽምሑ፡+ከተማታትካ እውን ከጥፍእ እየ። 15  ኣብ ዘይተኣዘዙ ኣህዛብ፡ብቝጥዓን ብነድርን ሕነ ኽፈዲ እየ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እንዳታት።”
ወይ፡ “መራሕቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ኢድካ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።