ዮሃንስ 15:1-27

  • ምሳሌ እቲ ናይ ሓቂ ተኽሊ ወይኒ (1-10)

  • ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ፍቕሪ ኸነርኢ እተዋህበ ትእዛዝ (11-17)

    • ‘ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን’ (13)

  • ዓለም ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ትጸልኦም (18-27)

15  “ኣነ ናይ ሓቂ ተኽሊ ወይኒ እየ፣ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ።  ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ጨንፈር ይቘርጾ፣ ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዅሉ ግና፡ ብዝያዳ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ።+  ንስኻትኩም፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም።+  ምሳይ ብሓድነት ንበሩ፣ ኣነ እውን ምሳኻትኩም ብሓድነት ክነብር እየ። ከምቲ ጨንፈር ምስ ተኽሊ ወይኒ ጸኒዑ እንተ ዘይነቢሩ፡ ባዕሉ ኺፈሪ ዘይክእል፡ ንስኻትኩም እውን ምሳይ ብሓድነት እንተ ዘይነቢርኩም፡ ከምኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።+  እቲ ተኽሊ ወይኒ ኣነ እየ፣ እቲ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም። ብዘይካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳይ ብሓድነት ዚነብር፡ ኣነ እውን ምስኡ ብሓድነት ዝነብር፡ ንሱ ብዙሕ ፍረ ይፈሪ።+  ምሳይ ብሓድነት ዘይነብር እንተሎ፡ ከም ጨንፈር ንወጻኢ ይድርበን ይነቅጽን። ኣኪቦም ከኣ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።  ምሳይ ብሓድነት እንተ ነቢርኩም፡ ቃለይ እውን ኣባኻትኩም እንተ ሓዲሩ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።+  ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሪኹም፡ ደቀ መዛሙርተይ እውን እንተ ዄንኩም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር።+  ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ፡+ ኣነ እውን ንዓኻትኩም ኣፍቂረኩም ኣለኹ፣ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። 10  ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦ ዝሓለኹ እሞ ኣብ ፍቕሩ ጸኒዐ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም እውን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። 11  “ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸውን፡ ሓጐስኩም እውን ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝበልኩኹም።+ 12  ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ።+ 13  ንህይወቱ* ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን።+ 14  ንስኻትኩም፡ እዚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።+ 15  ባርያስ ነቲ ጐይታኡ ዚገብሮ ስለ ዘይፈልጥ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ግናኸ፡ ኵሉ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ስለ ዘፍለጥኩኹም፡ ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ። 16  ንኣቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ኣነ ደኣ እየ ሓርየኩም እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይሓረኹምንን፣ ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍረኹም ነባሪ ኪኸውንን እውን እየ ሸይመኩም።+ 17  “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም ኣለኹ።+ 18  ዓለም እንተ ጸሊኣትኩም፡ ንዓይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ።+ 19  ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ትፈትዎ እያ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፣+ ስለዚ፡ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።+ 20  ነቲ፡ ‘ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ’ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንዓይ እንተ ሰጒጎምኒ፡ ንዓኻትኩም እውን ኪሰጕጉኹም እዮም፣+ ቃለይ እንተ ሓልዮም፡ ቃልኩም እውን ኪሕልዉ እዮም። 21  ግናኸ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም።+ 22  ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን።+ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።+ 23  እቲ ንዓይ ዚጸልኣኒ፡ ንኣቦይ እውን ይጸልኦ እዩ።+ 24  ካልእ ዘይገበሮ ግብርታት ኣብ መንጎኦም እንተ ዘይገብር፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፣+ ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንዓይን ንኣቦይን ጸሊኦምና ኣለዉ። 25  እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፡ ‘ብዘይ ምኽንያት ጸሊኦምኒ’ ተባሂሉ ተጻሒፉ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+ 26  እቲ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም ሓጋዚ፡ እቲ ኻብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ+ ምስ መጸ፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ፣+ 27  ንስኻትኩም እውን ካብ መጀመርታ ኣትሒዝኩም ምሳይ ስለ ዝነበርኩም፡ ክትምስክሩለይ ኢኹም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍሱ።”