ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ሳራ

ኣምላኽ “ልዕልቲ” ኢሉ ጸውዓ

ኣምላኽ “ልዕልቲ” ኢሉ ጸውዓ

ሳራ ኻብቲ እትዓይዮ ዝነበረት ቅንዕ ኢላ ኣማዕድያ ጠመተት። ኣግራዳ ድማ ነቲ ብጥበብ እትህበን መምርሒ ስዒበን ብታሕጓስ ተጊሀን ይዓይያ ነበራ። እታ ትግህቲ ዝዀነት ሳራ እውን ግዲኣ ትገብር ነበረት። ኣእዳዋ ብምርብራቡ፡ ክትደራርዞ ኸላ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣላ። ምናልባት ንቐዳድ እቲ ዚቕመጡሉ ድንኳን ምእንቲ ኽትልግብ ኣብ ስፌት ተጸሚዳ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እቲ ሓርፋፍ ክፋል እቲ ብጸጕሪ ጤል እተኣልመ ዓለባ በቲ ንዓመታት ዝሃረሞ ጸሓይን ዝናምን ሃሲሱ ነበረ። እዚ ኸኣ ንሳራ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ዘላን ኰይኖም ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ኣዘኻኸራ። ግዜ እናመሰየ፡ ሰማይ ድማ ጓህሪ እናመሰለ ይኸይድ ነበረ። በታ ንግሆ እቲኣ፡ ኣብርሃም * ኪወፍር ከሎ ርእያቶ ነይራ እያ፣ ናብቲ ዝኸደሉ ኣንፈት ኣቢላ ኸኣ ብሃንቀውታ ጠመተት። እቲ እተለልዮ ምስሊ ሰብኣያ፡ በቲ ኣብ ማዕዶ ዝነበረ ዅርባ ኪቕልቀል ምስ ረኣየት ድማ ገጻ ብፍሽኽታ በርሀ።

ኣብርሃም ነቶም ብዙሓት ቤተ ሰቡ መሪሑ ስግር ፈለግ ኤፍራጥስ ናብ ዚርከብ ከነኣን ካብ ዚጐዓዝ ዓሰርተ ዓመት ሓሊፉ ነበረ። ሳራ ድማ፡ የሆዋ ዘርእን ህዝብን ኬቕውም ዕላማ ኸም ዘለዎ፡ ሰብኣያ ኸኣ ኣብ ምፍጻም እዚ ዕላማ እዚ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዚህልዎ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት፡ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ኣብ ዝገበርዎ ነዊሕ ጕዕዞ ብፍታዋ ንሰብኣያ ትድግፎ ነበረት። ግናኸ፡ ሳራ እንታይ ግደ እዩ ነይርዋ፧ ምሉእ ህይወታ መኻን እያ ነይራ፣ ሽዑ ድማ ጓል 75 ዓመት እያ ነይራ። ስለዚ፡ ‘ሰበይቲ ኣብርሃም ኣነ ኽሳዕ ዝዀንኩ፡ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸመይ ገይሩ ኺፍጸም ይኽእል፧’ ኢላ ትሓስብ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እዚ ኣተሓሳሲብዋን ዓቕላ ኣጽቢቡላን እንተ ዀይኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

ሓድሓደ ግዜ፡ ንሕና እውን ተስፋታት ኣምላኽ መዓስ ከም ዚፍጸም የተሓሳስበና ይኸውን። ብፍላይ ብሃንቀውታ እንጽበዮ ተስፋ ኺፍጸም ንጽበ እንተ ኣሊና፡ ክንዕገስ ቀሊል ኣይኰነን። እሞ፡ ካብ እምነት እዛ እተደንቕ ሰበይቲ፡ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

“የሆዋ ኸልኪሉኒ እዩ”

እዚ ዚስዕብ ፍጻመ፡ እቶም ቤተ ሰብ ካብ ግብጺ ድሕሪ ምምላሶም ነዊሕ ከይጸንሑ ዘጋጠመ እዩ። (ዘፍጥረት 13:1-4) ብሸነኽ ምብራቕ እታ ከነኣናውያን ሉዝ ኢሎም ዚጽውዕዋ ቤት-ኤል ኣብ ዚርከብ ኣኽራን ድማ ሰፊሮም ነበሩ። ሳራ ኣብዚ በሪኽ ቦታ ዀይና ንብዙሕ ክፋል ምድሪ ተስፋ ኽትርኢ ትኽእል ነይራ። ኣብኡ ኣቝሻት ከነኣናውያንን ናብ ርሑቕ ሃገራት ዜሕልፍ መገድታትን ነይሩ እዩ። ትርኢት እቲ ቦታ ግና ምስ ዓዲ ሳራ ዚወዳደር ኣይነበረን። ሳራ ኣብታ 1,900 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣብ መሶጶታምያ ዝነበረት ከተማ ኡር እያ ዓብያ። ኣብታ ዕዳጋታት ዝመልኣ ብልጽግቲ ኸተማ ድማ ብዙሓት ኣዝማዳን ጥጡሕ ህይወትን ጽኑዕ ናሕስን መናድቕን ምናልባት እውን ሻምብቆታት ማይ ዝነበሮ ምሹእ ቤትን ሓዲጋ እያ ወጺኣ። ግናኸ፡ ሳራ ነቲ ኣብ ዓዳ ዝነበራ ምሾት ካብ ምንፋቓ እተላዕለ ንምብራቕ ገጻ ብጓሂ ትጥምት ከም ዝነበረት ጌርና እንተ ሓሲብና፡ ነዛ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ኣይንፈልጣን ኢና ማለት እዩ።

ድሕሪ እዚ ኣስታት 2,000 ዓመት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ እንታይ ኢሉ ኸም ዝጸሓፈ ነስተብህል። ብዛዕባ እምነት ሳራን ኣብርሃምን ኪዛረብ ከሎ፡ “ነቲ ሓዲጎምዎ ዝወጹ ይዝክሩ ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ኪምለሱ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ” በለ። (እብራውያን 11:8, 11, 15) ሳራን ኣብርሃምን ንሕሉፍ ህይወቶም ኣይናፈቕዎን። እንተ ዚናፍቕዎ ነይሮም፡ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ምወሰኑ ነይሮም። ናብ ኡር እንተ ዚምለሱ ግና ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ፍሉይ መሰል ኣይምረኸብዎን። ልቢ ሚልዮናት ሰባት ዝተንከፉ ብሉጻት ኣብነት እምነት ኣብ ክንዲ ዚዀኑ ድማ፡ ካብ ተዘክሮ ደቂ ሰብ ምጠፍኡ ነይሮም።

ሳራ ንድሕሪት ኣብ ክንዲ እትጥምት፡ ንቕድሚት እያ ጠሚታ። ሰብኣያ ኣብታ ምድሪ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ ድንኳናት ኪጥርንፍ፡ መጓሰ ሒዙ ኺጕዓዝ፡ ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ካልእ ቦታ ኺሰፍር ትሕግዞ ነበረት። ተወሳኺ ብድሆታትን ለውጥታትን እውን ተጻዊራ እያ። የሆዋ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ተስፋ እኳ እንተ ኣሐደሶ፡ ሳራ ግና ገና ኣይተጠቕሰትን።—ዘፍጥረት 13:14-17፣ 15:5-7

ኣብ መወዳእታ፡ ሳራ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣእምሮኣ ኪቕረጽ ዝቐነየ ውጥን ንኣብርሃም ክትነግሮ ግዜኡ ኸም ዝኣኸለ ወሰነት። “በጃኻ ስምዓኒ! ከይወልድ የሆዋ ኸልኪሉኒ እዩ” ኽትብል ከላ ኣብ ገጻ ንዚንበብ ዝነበረ እተሓዋወሰ ስምዒት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ድሕርዚ፡ ንሰብኣያ በታ ኣጋር ዝስማ ገረዳ ኣቢሉ ውሉዳት ኪወልድ ሓተተቶ። ሳራ ንሰብኣያ ኸምዚ ኢላ ኽትሓትቶ ኸላ ንእተሰምዓ ጓሂ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ ሎሚ ንዓና፡ ጉዳም ሕቶ ዝሓተተት ኪመስለና ይኽእል እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ግና ሓደ ሰብኣይ ወራሲ ምእንቲ ኺወልድ ካልአይቲ ሰበይቲ ወይ ሰበይቲ ወሰን ኬእቱ ዘይልሙድ ኣይነበረን። * እሞኸ ሳራ፡ እቲ ኣምላኽ ብኣብርሃም ኣቢሉ ዘርእን ህዝብን ኬቕውም ዝነበሮ ዕላማ፡ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ ኸም ዚፍጽም ሓሲባዶ ትኸውን፧ በዚ ዀይኑ በቲ፡ ሳራ ኸቢድ መስዋእቲ ኽትከፍል ፍቓደኛ እያ ነይራ። ምላሽ ኣብርሃምከ እንታይ ነበረ፧ “ቃል [ሳራ] ሰምዐ” ዚብል ነንብብ።—ዘፍጥረት 16:1-3

እሞኸ፡ እቲ ጸብጻብ፡ ሳራ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ኸተቕርብ የሆዋ ኸም ዝደረኻ ድዩ ዚገልጽ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ሕቶኣ ነቲ ጕዳይ ብኣረኣእያ ሰብ ከም ዝረኣየቶ እዩ ዚገልጽ። በቲ ዘጋጠማ ጸገማት ተሓታቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ እያ ሓሲባ፣ ካልእ ፍታሕ ከም ዘለዎ ኽትሓስብ ኣይከኣለትን። ሳራ ዘምጽኣቶ መፍትሒ፡ ስቓይን ጸገማትን ዜስዕበላ እዩ ነይሩ። ግናኸ፡ ሕቶኣ ንጥቕሚ ርእሳ ጥራይ እትሓሊ ዘይምዃና እዩ ኣርእዩ። ኣብዛ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንብሕታዊ ባህግታቶም ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ነገር ዚሰርዑላ ዓለም፡ እቲ ሳራ ዘርኣየቶ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ዘይምድላይ መንፈስሲ ኣዝዩ ዜደንቕ ደይኰነን፧ ዕላማታት ኣምላኽ ቅድሚ ብሕታዊ ባህግታትና ኽንሰርዖ ፍቓደኛታት ምዃንና እንተ ኣርኢና፡ ኣስኣሰር እምነት ሳራ ኽንስዕብ ኢና።

“ስሒቕኪ እባ ደኣ”

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣጋር ካብ ኣብርሃም ጠነሰት። ብምጥናሳ ኸኣ ካብ ሳራ ኸም እትበልጽ ኰይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ንእመቤታ ነዓቐታ። እዚ ድማ ነታ መኻን ዝነበረት ሳራ ሕርር ኵምትር ኣቢልዋ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ ሳራ ፍቓድ ኣብርሃም ድሕሪ ምሕታታ፡ ብዘይተገልጸ መገዲ ንኣጋር ኣዋረደታ፣ ነዚ እውን ኣምላኽ ደጊፍዎ እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣጋር ንእስማኤል ወለደት፣ ዓመታት ድማ ሓለፈ። (ዘፍጥረት 16:4-9, 16) እቲ ዛንታ ቐጺሉ ብዛዕባ እቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ መልእኽቲ ኺገልጽ ከሎ፡ ሳራ ጓል 89 ዓመት፡ ሰብኣያ ኸኣ ወዲ 99 ዓመት እዩ ነይሩ። ሽዑ ድማ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ መልእኽቲ ዀን እዮም ተቐቢሎም!

የሆዋ ነቲ ፈታዊኡ ዝዀነ ኣብርሃም ንዘርኡ ኣዝዩ ኸም ዜብዝሖ እንደገና ኣተስፈዎ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንስም እዚ ፈታዊኡ ቐየሮ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ኣብራም ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። የሆዋ ግና “ኣቦ ብዙሓት” ዝትርጕሙ፡ ኣብርሃም ዚብል ስም ቀየረሉ። ንመጀመርታ ግዜ ኸኣ ሳራ እንታይ ግደ ኸም ዚህልዋ ገለጸ። ነቲ “ነግራም” ዝትርጕሙ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ሳራይ ዚብል ስማ ድማ ናብቲ ዅላትና እንፈልጦ ሳራ ዚብል ስም ቀየሮ። ሳራ እንታይ ማለት እዩ፧ “ልዕልቲ” ማለት እዩ። የሆዋ ነዛ ፍቕርቲ ሰበይቲ እዚኣ፡ እዚ ስም እዚ ዝመረጸላ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ክባርኻ፡ ካብኣ እውን ወዲ ኽህበካ እየ፣ ክባርኻ እየ፡ ኣህዛብ ከኣ ክትከውን እያ፣ ነገስታት ህዝብታት ካብኣ ኺወጹ እዮም” በለ።—ዘፍጥረት 17:5, 15, 16

የሆዋ ንዅላቶም ኣህዛብ ዚባርኽ ዘርኢ ኸም ዜቕውም ዝኣተዎ ኺዳን ብወዲ ሳራ ኣቢሉ ኸም ዚፍጸም ገለጸ። እቲ ኣምላኽ ነቲ ወዲ ዝመረጸሉ ይስሃቅ ዚብል ስም፡ “ሰሓቕ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዎ። ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ንሳራ ናይ ገዛእ ርእሳ ውሉድ ብምሃብ ኪባርኻ ዕላማኡ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ‘ብገጹ ተደፍአ፡ ሰሓቐ ድማ።’ (ዘፍጥረት 17:17) እወ፡ ኣዝዩ ተደነቐን ተሓጐሰን። (ሮሜ 4:19, 20) ሳራኸ እንታይ ኰን ተሰሚዕዋ ይኸውን፧

ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰለስተ ኣጋይሽ ናብ ድንኳን ኣብርሃም መጹ። መዓልቲ ድሂሩ እኳ እንተ ነበረ፡ እዞም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ነዞም ኣጋይሽ ንምቕባል ተቐላጠፉ። ኣብርሃም ድማ ንሳራ፡ “ቀልጥፊ! ሰለስተ ስፍሪ ድኹም ሓርጭ ለዊስኪ፡ ቅጫታት ሰንክቲ” በላ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጋሻ ምቕባል ብዙሕ ስራሕ ዚሓትት እዩ ነይሩ። ኣብርሃም ንዅሉ እቲ ስራሕ ንሳራ ኣይሓደጎን፣ ምራኽ ኪሓርድ፡ ተወሳኺ ምግብን መስተን ድማ ኬዳሉ ጐየየ። (ዘፍጥረት 18:1-8) እዞም “ሰብኡት፡” መላእኽቲ የሆዋ እዮም ነይሮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ገሊኦም ከይፈለጡ ንመላእኽቲ ኣአንጊዶም እዮም እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (እብራውያን 13:2) ነቲ ኣብርሃምን ሳራን ዝሓደግዎ ኣጋይሽ ናይ ምቕባል ዜደንቕ ኣብነትሲ ኽትቀድሖዶ ትኽእል፧

ሳራ ምቕባል ኣጋይሽ ትፈቱ ነበረት

ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ ነቲ ሳራ ወዲ ኸም እትወልድ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ንኣብርሃም ኪደግመሉ ኸሎ፡ ሳራ ኣብ ውሽጢ ድንኳና ዀይና ትሰምዕ ነበረት። ኣብ እርጋና ኽትወልድ ዚብልዎ ሓሳብ ግርምቢጥ ኰይኑ ስለ እተሰምዓ፡ ብልባ እናሰሓቐት፡ “ድሕሪ እርጋነይን ጐይታይ ምስ ኣረገንዶ እዚ ባህታ እዚ ኽረክብ እየ፧” በለት። እቲ መልኣኽ ከኣ ንሳራ፡ “ንየሆዋዶ ዚሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ፧” ብምባል ኣረማ። ሳራ ግና ከም ሰብ መጠን ስለ ዝፈርሀት ንርእሳ ኽትከላኸል ኢላ፡ “ኣይሰሓቕኩን!” በለት። እቲ መልኣኽ ድማ፡ “ኣይፋል፡ ስሒቕኪ እባ ደኣ” በላ።—ዘፍጥረት 18:9-15

ሳራ ምስሓቓ፡ እምነት ከም ዘይነበራ ዜርኢ ድዩ፧ ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሳራ እውን ዕድሚኣ እኳ ምስ ሓለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኺባ እያ” ይብል። (እብራውያን 11:11) ሳራ ንየሆዋ ትፈልጦ ነይራ እያ፣ ንዝዀነ ይኹን ዝሃቦ ተስፋ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል እውን ትፈልጥ ነይራ እያ። መን ካባና እዩ እሞ ኸምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ክትህልዎ ዘይደሊ፧ ነቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ሳራ ድልድልቲ እምነት ከተጥሪ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዝነበራ ኽንርኢ ኢና። የሆዋ ብሓቂ እሙን እዩ፣ ንዅሉ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ድማ ይፍጽሞ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ንተስፋታቱ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ስለ ዚፍጽሞ፡ ኣዚና ኻብ ምድናቕና እተላዕለ ኽንስሕቕ ንኽእል ኢና።

“ቃላ ስማዕ”

የሆዋ ንሳራ ስለታ ብልጽቲ እምነታ ባረኻ

ሳራ ኣብ 90 ዓመት ዕድሚኣ፡ ነቲ ጐርዞ ኻብ እትኸውን ኣትሒዛ ሃረር ዝበለቶ ህሞት ከተስተማቕሮ በቕዐት። ነቲ 100 ዓመት ዝገበረ ፍቑር ሰብኣያ ወዲ ወለደትሉ። ኣብርሃም ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ነቲ ሕጻን፡ “ሰሓቕ” ዝትርጕሙ ይስሃቅ ዚብል ስም ኣውጽኣሉ። ሳራ፡ “ኣምላኽ ኣስሒቑኒ፣ እዚ ዝሰምዐ ዘበለ ዅሉ ምሳይ ኪስሕቕ እዩ” ኽትብል ከላ ኣብ ገጻ ዚንበብ ዝነበረ ፍሽኽታ ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 21:6) እዚ ኻብ የሆዋ እተቐበለቶ ተኣምራዊ ውህበት፡ ክሳዕ መወዳእታ ህይወታ ኸም ዘሐጐሳ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ግናኸ፡ ዓብዪ ሓላፍነት እውን ኣሰኪምዋ እዩ።

ይስሃቅ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ነቲ ጡብ ዝሓደገሉ ኣጋጣሚ ንምኽባር፡ እቶም ቤተ ሰብ ድግስ ገይሮም ነበሩ። ኵሉ ነገር ግና ኣይኰነን ባህ ዜብል ነይሩ። ሳራ ሕማቕ ባህርይ ‘ረኣየት።’ እቲ ወዲ 19 ዓመት ዝነበረ ወዲ ኣጋር፡ ነቲ ቘልዓ ዝነበረ ይስሃቅ የላግጸሉ ነበረ። እዚ፡ ንጸወታ ዚግበር ላግጺ ኣይነበረን። ድሕሪ ግዜ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ፡ እቲ እስማኤል ዝገበሮ ነገር፡ መስጐጕቲ ኸም ዝነበረ ገሊጹ እዩ። ሳራ እዚ ድንደና እዚ ንድሕንነት ወዳ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኸም ዝዀነ ተገንዘበት። ሳራ፡ ይስሃቅ ወዳ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዕላማ የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ ምዃኑ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ እያ። ስለዚ፡ ንኣብርሃም ብትብዓትን ብግልጽን፡ ንኣጋርን ንእስማኤልን ኪሰጕጎም ነገረቶ።—ዘፍጥረት 21:8-10፣ ገላትያ 4:22, 23, 29

ኣብርሃም እንታይ ተሰሚዕዎ፧ “ኣብርሃም ግና፡ እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝበለቶ ነገር ብዙሕ ኣጕሃዮ” ዚብል ነንብብ። ንእስማኤል ይፈትዎ ስለ ዝነበረ፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኽንየው እቲ ኸም ኣቦ መጠን እተሰምዖ ስምዒት ክርኢ ኣይከኣለን። የሆዋ ግና ነቲ ጕዳይ ብንጹር እዩ ርእይዎ፣ ጣልቃ ኸኣ ኣተወ። ከምዚ ዚብል ድማ ነንብብ፦ “ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ ‘በቲ ሳራ ብዛዕባ እዚ ወድን ብዛዕባ እዛ ባርያኻን እትብለካ ዘላ ኣይትጕሀ። ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ እሞ፡ ቃላ ስማዕ።’” የሆዋ ንኣብርሃም፡ ኣጋርን እቲ ወድን ዜድልዮም ከም ዚማልኣሎም ኣረጋገጸሉ። እቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም ከኣ ተኣዘዘ።—ዘፍጥረት 21:11-14

ሳራ ንኣብርሃም ብሓቂ መመላእታ እትዀኖ ንፍዕቲ ሰበይቲ እያ ነይራ። ንሰብኣያ፡ ኪሰምዖ ዚደሊ ነገር ጥራይ ኣይኰነትን ነጊራቶ። ነታ ስድራ ቤትን ንመጻኢኣን ዚትንክፍ ነገር ምስ ረኣየት፡ ንሰብኣያ ብግልጺ ተዛሪባቶ እያ። ብግልጺ ምዝራባ፡ ከም ምጕዳል ኣኽብሮት ጌርካ ኺርአ የብሉን። እቲ ብዓል ሓዳር ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ንሰብኣያ ብዙሕ ኣኽብሮት እተርኢ ብልጽቲ ኣብነት እትኸውን ሰበይቲ ኸም ዝዀነት ገይሩ እዩ ገሊጽዋ። (1 ቈረንቶስ 9:5፣ 1 ጴጥሮስ 3:5, 6) ብሓቂ ኺርአ ኸሎ፡ ሳራ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ስቕ እንተ ትብል ነይራ፡ ንኣብርሃም ኣይመኽበረቶን። ከመይሲ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ዚኸፍልዎ ዋጋ ብሓቂ ዓብዪ ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እዩ። ሳራ ብፍቕሪ ተደሪኻ፡ ነቲ ኺብሃል ዝነበሮ ነገር በለቶ።

ብዙሓት ኣንስቲ ነቲ ሳራ ዝሓደገትለን ኣብነት ኣኽቢረን እየን ዚርእያኦ። ምስ ሰብኡተን ብግልጽን ብኣኽብሮትን ኪዘራረባ ኸም ዚግብአን ድማ ካብኣ ይምሃራ እየን። ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊአን ኣንስቲ፡ የሆዋ ኸምቲ ኣብ ጕዳይ ሳራ ዝገበሮ ጣልቃ እንተ ዚኣቱ ይምነያ ይዀና። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ሳራ ዘርኣየቶ ዜደንቕ እምነትን ፍቕርን ትዕግስትን እውን ይምሃራ እየን።

የሆዋ ንሳራ “ልዕልቲ” ኢሉ እኳ እንተ ጸውዓ፡ ከም ኣባል ንጉሳዊ ስድራ ቤት ጌርካ ኽትተሓዝ ኣይተጸበየትን

እዛ ፍቕርቲ ሰበይቲ እዚኣ፡ ብየሆዋ፡ “ልዕልቲ” ተባሂላ እኳ እንተ ተጸውዐት፡ ከም ኣባል ንጉሳዊ ስድራ ቤት ጌርካ ኽትተሓዝ ኣይተጸበየትን። ሳራ ኣብ 127 ዓመት ዕድሚኣ ምስ ሞተት፡ ኣብርሃም እንተ “ሓዘነላን በኸየላን” እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። * (ዘፍጥረት 23:1, 2) ነታ ዜፍቅራ “ልዕልቱ” ኣዝዩ እዩ ናፊቕዋ። የሆዋ ኣምላኽ እውን ነዛ እምንቲ ሰበይቲ እዚኣ ኸም ዚናፍቓ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኸኣ ካብ ሞት ኬተንስኣ እዩ። ንሳራ ሓጐስ ዝመልኦ ነባሪ መጻኢ ይጽበያ ኣሎ፣ ንዅሎም እቶም ኣስኣሰር እምነታ ዚስዕቡ እውን ከምኡ።—ዮሃንስ 5:28, 29

^ ሕ.ጽ. 3 እዞም ሰብ ሓዳር፡ ኣምላኽ ጸኒሑ ስሞም ክሳዕ ዚቕይሮ፡ ኣብራምን ሳራይን ተባሂሎም እዮም ዚጽውዑ ነይሮም። ነቲ ዛንታ ንምርዳኡ ምእንቲ ኪቐልለና ግና፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ዝያዳ ፍሉጥ ዝዀነ ስሞም ክንጥቀም ኢና።

^ ሕ.ጽ. 10 ኣምላኽ ንድርብ መውስቦን ሰበይቲ ወሰን ምእታውን ንግዜኡ እኳ ዕሽሽ እንተ በሎ፡ ጸኒሑ ግና ንየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ኤደን ዘውጽኦ ንንጽል መውስቦ ዚምልከት ናይ መጀመርታ ስርዓት ዳግም ኪተኽሎ ሓላፍነት ሂብዎ እዩ።—ዘፍጥረት 2:24፣ ማቴዎስ 19:3-9

^ ሕ.ጽ. 25 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተጠቕሳ ኣንስቲ፡ ክትመውት ከላ ዕድሚኣ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ጸብጻብ እተጠቓለለ ናይ ሳራ ጥራይ እዩ።