ገላትያ 3:1-29

  • ግብሪ ሕግን እምነትን (1-14)

    • ጻድቕ ብእምነት ይነብር (11)

  • ንኣብርሃም እተዋህበ ተስፋ ብሕጊ ኣይኰነን (15-18)

    • ዘርኢ ኣብርሃም፡ ክርስቶስ (16)

  • ምንጭን ዕላማን እቲ ሕጊ (19-25)

  • ብእምነት ደቂ ኣምላኽ (26-29)

    • ዘርኢ ኣብርሃም፡ እቶም ናይ ክርስቶስ (29)

3  ኣቱም ዓያሹ ሰብ ገላትያ፡ ኣቱም የሱስ ክርስቶስ ከም እተሰቕለ+ ዀይኑ ብንጹር እተሳእለልኩም፡ መን ደኣ ኣታሊሉኩም፧+  ካባኻትኩም እዚኣ ጥራይ ክፈልጥ እደሊ ኣለኹ፦ ብግብሪ ሕጊ ዲኹም መንፈስ ተቐቢልኩም፡ ወይስ በቲ ዝሰማዕኩምዎ ብምእማንኩም፧+  ክሳዕ ክንድዚዶ ዓያሹ ኢኹም፧ ብመንፈሳዊ መገዲ* ድሕሪ ምጅማርኩም፡ ብስጋዊ መገዲዶ* ትዛዝሙ ኣለኹም፧+  ክሳዕ ክንድዚ ዚኣክል መከራ ዘሕለፍኩምዶ ንኸንቱ እዩ፧ ንኸንቱ እኳ ኣይነበረን።  እሞኸ፡ እቲ መንፈስ ዝሃበኩምን ኣብ መንጎኹም ግብርታት ሓይሊ ዝገበረን፡+ ሕጊ ብምሕላውኩም ድዩ ገይርዎ፡ ወይስ በቲ ዝሰማዕኩምዎ ብምእማንኩም፧  ከምቲ ኣብርሃም “ብየሆዋ* ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ” እተባህለ እዩ።+  እቶም ንእምነት ጠቢቖም ዚስዕቡ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖምሲ ትፈልጡ ኢኹም።+  እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንዘበሉ ብእምነት ከም ዜጽድቖም ኣቐዲሙ ርእዩ፡ ንኣብርሃም፡ “ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም” ኢሉ ኣቐዲሙ ኣበሲርዎ እዩ።+  እምበኣር፡ እቶም ንእምነት ጠቢቖም ዚስዕቡ፡ ምስቲ እምነት ዝነበሮ ኣብርሃም ይባረኹ ኣለዉ።+ 10  “ኣብቲ ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ሕጊ እተጻሕፈ ዘበለ ንምግባሩ ዘይጸንዕ ርጉም ይኹን” ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ እሞ፡ እቶም ኣብ ግብርታት ሕጊ ዚምርኰሱ፡ ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም።+ 11  ኣብ ርእሲ እዚ፡ “ጻድቕ ብእምነት ይነብር”+ ስለ እተባህለ፡ ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚጸድቕ ዋላ ሓደ ኸም ዘየልቦ ርዱእ እዩ።+ 12  እቲ ሕጊ ኣብ እምነት እተመርኰሰ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ “ዚገብሮ ዘበለ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ።”+ 13  “ኣብ ጕንዲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡”+ ተባሂሉ ስለ እተጻሕፈ፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና መርገም ብምዃን፡ ካብ መርገም እቲ ሕጊ ዓዲጉ፡+ ሓራ ኣውጺኡና እዩ።+ 14  ከምኡ ዝዀነ ኸኣ፡ በረኸት ኣብርሃም ብክርስቶስ የሱስ ኣቢሉ ኣብ ኣህዛብ ምእንቲ ኺወርድ እሞ፡+ ንሕና ብእምነትና ነቲ እተተስፈወ መንፈስ ምእንቲ ኽንቅበል እዩ።+ 15  ኣሕዋተየ፡ ካብ ናብራ ሰብ ብእተወስደ ምሳሌ ገይረ ኽዛረበኩም፦ ሓደ ኺዳን ምስ ጸንዐ፡ ብሰብ እኳ እንተ ጸንዐ፡ ዋላ ሓደ ኣየፍርሶን ወይ ኣይውስኸሉን እዩ። 16  እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ፡+ ከም ንብዙሕ፡ “ንኣዝርእትኻ” ዘይኰነስ፡ ከም ንሓደ፡ “ንዘርእኻ” እዩ ዚብል፣ ንሱ ድማ ክርስቶስ እዩ።+ 17  ብተወሳኺ፡ እዚ እብል ኣለኹ፦ እቲ ድሕሪ 430 ዓመት+ ዝመጸ ሕጊ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብኣምላኽ ዝጸንዐ ኺዳን ኣየፍርሶን፡ ነቲ ተስፋ እውን ኣይስርዞን እዩ። 18  እቲ ርስቲ ኣብ ሕጊ እተመስረተ እንተ ዀይኑስ፡ ደጊም ኣብ ተስፋ ኣይኰነን ተመስሪቱ፣ ኣምላኽ ግና ብተስፋ ኣቢሉ ንኣብርሃም ብለውሃት ሂብዎ እዩ።+ 19  እቲ ሕጊ ደኣ ንምንታይ ተዋሂቡ፧ እቲ እተተስፈወ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ፡+ ኣበሳ ንምግሃድ እዩ ተወሲኹ፣+ ብኢድ መንጎኛ+ ድማ ብመላእኽቲ ተመሓላሊፉ።+ 20  ንሓደ በይኑ፡ መንጎኛ ኣየድልዮን እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ሓደ እዩ። 21  እሞ ደኣ እቲ ሕጊ ምስ ተስፋታት ኣምላኽ ዚጻረር ድዩ፧ ያእ ኣይፋሉን! ህያው ኪገብር ዚኽእል ሕጊ ተዋሂቡ እንተ ዚኸውን፡ ብሓቂ ጽድቂ ብሕጊ ምዀነ ነይሩ። 22  ግናኸ፡ እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዚርከብ ተስፋ ነቶም ዚኣምኑ ምእንቲ ኺውሃብ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ኣሲርዎ እዩ። 23  ይኹን እምበር፡ እምነት ቅድሚ ምምጻኣ፡ ነታ እትግለጽ እምነት እናተጸበና፡ ተኣሲርና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንሕሎ ኔርና።+ 24  ስለዚ፡ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕ፡+ እቲ ሕጊ ናብ ክርስቶስ ዜብጽሕ መጕዚ* ዀይኑና እዩ።+ 25  ሕጂ ግና፡ እምነት መጺኣ ስለ ዘላ፡+ ደጊም ኣብ ትሕቲ መጕዚ* ኣይኰንናን።+ 26  እምበኣር፡ ኵላትኩም በታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትኩም እምነት፡ ደቂ ኣምላኽ ኢኹም።+ 27  ከመይሲ፡ ኵላትኩም ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም፡ ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኹም።+ 28  ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡+ ኣይሁዳዊ ወይስ ግሪኻዊ የልቦን፡+ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡+ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ እውን የልቦን።+ 29  ብተወሳኺ፡ ናይ ክርስቶስ እንተ ዄንኩም፡ ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፣+ ብመሰረት እቲ ተስፋ+ ኸኣ ወረስቲ ኢኹም።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብመንፈስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብስጋዶ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ሓላዊ።”
ወይ፡ “ሓላዊ።”