ዮሃንስ 19:1-42

  • ንየሱስ ገረፍዎን ኣላገጹሉን (1-7)

  • ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ንየሱስ ሓተቶ (8-16ሀ)

  • የሱስ ኣብ ጐልጎታ ተሰቕለ (16ለ-24)

  • የሱስ ንኣዲኡ ዝገበረላ መሰናድዎ (25-27)

  • ሞት የሱስ (28-37)

  • የሱስ ተቐብረ (38-42)

19  ሽዑ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ወሲዱ ገረፎ።+  እቶም ወተሃደራት ከኣ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፣ ጁዅ ዝሕብሩ ወለል ዚብል ክዳን እውን ከደንዎ፣+  ናብኡ መመጺኦም ድማ፡ “ሰላም፡ ኦ ንጉስ ኣይሁድ” ይብልዎን ይጸፍዕዎን ነበሩ።+  ጲላጦስ ከኣ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ “ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ አውጽኣልኩም ኣለኹ” በሎም።+  ሽዑ፡ የሱስ ኣኽሊል እሾዅ ደፊኡን ጁዅ ዝሕብሩ ወለል ዚብል ክዳን ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፡ “እንሆ፡ እቲ ሰብኣይ!” በሎም።  ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣሕሉቕን ምስ ረኣይዎ ግና፡ “ስቐሎ! ስቐሎ!”+ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን እሞ፡ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ” በሎም።+  ኣይሁድ ድማ፡ “ንሕና ሕጊ ኣሎና፣ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝገበረ ኸኣ፡+ ብመሰረት እቲ ሕጊ ኺመውት ይግብኦ እዩ”+ ኢሎም መለሱሉ።  ጲላጦስ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብዝያዳ ፈርሀ፣  ከም ብሓድሽ ናብ ቤት ሹም ኣተወ እሞ፡ ንየሱስ፡ “ካበይ ኢኻ፧” በሎ። የሱስ ግና ኣይመለሰሉን።+ 10  ጲላጦስ ከኣ፡ “ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክፈትሓካ ስልጣን ከም ዘሎንን ክሰቕለካ ስልጣን ከም ዘሎንን ኣይትፈልጥን ዲኻ፧” በሎ። 11  የሱስ ድማ፡ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሃበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዚ እዩ እቲ ናባኻ ኣሕሊፉ ዝሃበኒ ሰብ፡ ዝዓበየ ሓጢኣት ዘለዎ” ኢሉ መለሰሉ። 12  ስለዚ፡ ጲላጦስ ኪፈትሖ መገዲ ይደሊ ነበረ። ኣይሁድ ግና፡ “ነዚ እንተ ፈቲሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዅሉ፡ ንቄሳር ይጻረሮ እዩ” ኢሎም ጨደሩ።+ 13  ጲላጦስ ነዚ ቓላት እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብታ እምኒ እተነጽፋ፡ ብእብራይስጢ ድማ ገበታ፡ እትብሃል ቦታ ኣብ ዚርከብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። 14  መዓልቲ ምድላው+ ፋስጋ ኸኣ ነበረ፣ ኣስታት ሻድሸይቲ ሰዓት* ኣቢላ ድማ ነበረት። ንኣይሁድ ከኣ፡ “እንሆ፡ ንጉስኩም!” በሎም። 15  ንሳቶም ግና፡ “ንየው በሎ! ንየው በሎ! ስቐሎ!” ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ “ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፧” በሎም። ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ፡ “ብዘይካ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን” ኢሎም መለሱ። 16  ሽዑ፡ ኪሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም።+ ንሳቶም ድማ ንየሱስ ወሰድዎ። 17  ጕንዲ ስቅያቱ ጾይሩ፡ ቦታ ቐረንቀራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ፡+ ናብ እትብሃል ቦታ ወጸ።+ 18  ኣብኣ ኸኣ ሰቐልዎ፣+ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ ሰቐሉ፣ ንየሱስ እውን ኣብ ማእከሎም ሰቐልዎ።+ 19  ጲላጦስ ድማ ጽሑፍ ጽሒፉ ኣብቲ ጕንዲ ስቅያት* ኣንበሮ። “የሱስ እቲ ናዝሬታዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ” ዚብል ተጻሒፉ ነበረ።+ 20  እታ የሱስ እተሰቕለላ ቦታ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ፣ ብእብራይስጥን ብላቲንን ብግሪኽኛን ድማ ተጻሒፉ ነበረ። 21  ግናኸ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፡ “ንሱ፡ ‘ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ’ ኸም ዝበለ እምበር፡ ‘ንጉስ ኣይሁድ’ ኢልካስ ኣይትጽሓፍ” በልዎ። 22  ጲላጦስ ከኣ፡ “ዝጸሓፍክዎ ጽሒፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ። 23  እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ክዳውንቱ ኣልዒሎም፡ ንነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ገግዲኡ ምእንቲ ኺበጽሖ፡ ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ፣ ነቲ ቐምሹ እውን ኣልዓልዎ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን። 24  ስለዚ፡ ንሓድሕዶም፡ “ንዝበጽሐ ኺበጽሖስ ዕጫ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ” ተባሃሃሉ።+ እዚ ኸኣ እቲ፡ “ንኽዳውንተይ ተማቒሎምዎ፡ ንቐምሸይ እውን ዕጫ ኣውዲቖምሉ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+ እቶም ወተሃደራት ከኣ እዚ ገበሩ። 25  ኣብ ጥቓ ጕንዲ ስቅያት* የሱስ ከኣ፡ ኣዲኡን+ ሓብቲ እኖኡን ማርያም ሰበይቲ ቀሌዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።+ 26  የሱስ ድማ ንኣዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርን+ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ምስ ረኣዮም፡ ንኣዲኡ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ” በላ። 27  ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፡ “እንሃ ኣዴኻ” በሎ። እቲ ወደ መዝሙር እውን፡ ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ። 28  ድሕርዚ፡ የሱስ ኵሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፡ “ጸሚአ” በለ።+ 29  ኣብኡ መጺጽ ወይኒ ዝመልአ ሳርማ ነበረ። ሽዑ፡ መጺጽ ወይኒ ዝመልአ ሰፍነግ ኣብ ቃንጫ ሃዛብ* ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።+ 30  የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ወይኒ ምስ ጠዓሞ፡ “ተፈጺሙ!” በለ፣+ ርእሱ ምስ ኣድነነ፡ መንፈሱ ኣሕሊፉ ሃበ።*+ 31  መዓልቲ ምድላው ስለ ዝነበረት፡+ (እታ መዓልቲ ሰንበት እቲኣ ኸኣ ዓባይ ስለ ዝነበረት፡)+ እቲ ሬሳታት ኣብ ጕንዲ ስቅያት ምእንቲ ኸይሓድር፡+ ኣእጋሮም ሰይሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። 32  ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራት መጺኦም ኣእጋር እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ። 33  ናብ የሱስ ምስ መጹ ግና፡ ድሮ ኸም ዝሞተ ርእዮም፡ ኣእጋሩ ኣይሰበርዎን። 34  ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ግና፡ ጐድኑ ብዂናት ወግኦ፣+ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ። 35  እቲ ነዚ ዝረኣየ ድማ መስከረ፣ ምስክሩ ኸኣ ሓቂ እዩ፣ ንስኻትኩም እውን ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ንሱ ሓቂ ኸም ዝነገረ ይፈልጥ እዩ።+ 36  እቲ፡ “ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪስበርን እዩ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ።+ 37  ካልእ ቅዱስ ጽሑፍ እውን፡ “ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምትዎ እዮም” ይብል።+ 38  ድሕርዚ፡ እቲ ንኣይሁድ ብምፍራሁ+ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ንጲላጦስ፡ ሬሳ የሱስ ኪወስድ ለመኖ፣ ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ፡ ከይዱ ነቲ ሬሳ ወሰዶ።+ 39  እቲ ቕድም ብለይቲ ዝመጸ ኒቆዲሞስ+ እውን ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ* ዚኣክል ሕዋስ* ከርበን ዓልወን ሒዙ መጸ።+ 40  ሬሳ የሱስ ወሲዶም ድማ፡ ከምቲ ኣይሁድ ንቐብሪ ንምድላው ዝነበሮም ልምዲ፡ ሽቱ ገይሮም ብበፍታ ገነዝዎ።+ 41  ብኣጋጣሚ፡ ኣብታ እተሰቕለላ ቦታ ስፍራ ኣታኽልቲ ነበረ፣ ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸኣ ሓደ እኳ ተቐቢሩሉ ዘይፈልጥ ሓድሽ መቓብር ነበረ።+ 42  መዓልቲ ምድላው+ ኣይሁድ ቀሪባ ስለ ዝነበረት፡ እቲ መቓብር ከኣ ቀረባ ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ።

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 12:00 ኣቢሉ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ትንፋሱ ሓለፈት።”
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ጥቕሉል” ኪኸውን ይኽእል።