ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

ዕልባት ተጠቐም—ዊንደውስ

ዕልባት ተጠቐም—ዊንደውስ

እቲ ኣብ JW Library እትረኽቦ ቡክማርክ ወይ ዕልባት፡ ከምቲ ብወረቐት ኣብ እተሓትመ ጽሑፍ እትጥቀሞ ዕልባት፡ ኣብቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ምልክት ክትገብረሉ የኽእለካ። ኵሉ እቲ ኣብ JW Library ዘሎ ጽሑፋት ዓዓሰርተ ዕልባት ኣለዎ።

ዕልባት ክትጥቀም እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ስዓብ፦

 ዕልባት ግበር

ንሓደ ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ዕልባት ክትገብረሉ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ወይ ፍቕዲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕልባት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ንሓደ ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ዕልባት ክትገብረሉ እንተ ደሊኻ፡ ነታ App Commands እትብል ምልክት ከፊትካ፡ Bookmark እትብል ምልክት ጠውቕ። ነቲ ኣብቲ ዝኸፈትካዮ ጽሑፍ እተገብረ ዕልባት ድማ ክትረኽቦ ኢኻ። ነቲ እተንብቦ ዘለኻ ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ዕልባት ክትገብረሉ እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ጥራዩ ዘሎ ዕልባት ጠውቕ።

ኣብ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ወይ ፍቕዲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕልባት ክትገብር እንተ ደሊኻ፡ ፈለማ ነቲ ጽሑፍ ጠውቆ፡ ደሓር ከኣ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ።

 ዕልባት ርኸብ

ነቲ ዝገበርካዮ ዕልባት ክትረኽቦ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ዕልባት ዝገበርካሉ ጽሑፍ ክፈቶ፡ ነታ App Commands እትብል ምልክት ከፊትካ ድማ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኽትርእዮ ዝደለኻ ዕልባት ጠውቕ።

 ዕልባት ኣተዓራሪ

ነቲ ዝገበርካዮ ዕልባት ከተጥፍኦ ወይ ብኻልእ ክትትክኦ ትኽእል ኢኻ።

  • ዕልባት ከተጥፍእ እንተ ደሊኻ፡ ነታ App Commands እትብል ምልክት ከፊትካ፡ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ። ደሓር ከኣ ነታ ኣብ ጥቓ እቲ ኸተጥፍኦ ዝደለኻ ዕልባት ዘላ ተወሳኺ ኣማራጺታት እተርኢ ምልክት ጠውቃ። ድሕሪኡ፡ ነታ Delete እትብል ምልክት ጠውቃ።

  • ነቲ ዝገበርካዮ ዕልባት ብኻልእ ክትትክኦ እንተ ደሊኻ፡ ነታ App Commands እትብል ምልክት ከፊትካ፡ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ። ደሓር ከኣ ነታ ኣብ ጥቓ እቲ ኽትትክኦ ዝደለኻ ዕልባት ዘላ ተወሳኺ ኣማራጺታት እተርኢ ምልክት ጠውቃ። ድሕሪኡ፡ ነታ Replace እትብል ምልክት ጠውቃ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ዝነበረ ዕልባት በቲ ኣብቲ ሕጂ ዝኸፈትካዮ ጽሑፍ እትገብሮ ካልእ ዕልባት ክትትክኦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዕልባታት እዚ፡ ነቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ምልክት ክትገብረሉ የኽእለካ እዩ። ንኣብነት፡ ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ካብ ነሓሰ 2014 ጀሚሩ ኣብ JW Library 1.3 ይርከብ እዩ፣ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ድማ፡ ኣብ Windows 8.0 ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ ዊንደውስ ይዓዪ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ኽትረኽቦ እንተ ዘይኽኢልካ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ “JW Library ተጠቐም—ዊንደውስ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።