ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

ነቲ ጽሑፍ ኣድምቆ—iOS

ነቲ ጽሑፍ ኣድምቆ—iOS

ኣብ JW Library ጽሑፋት ከተንብብን ከተጽንዕን ከለኻ፡ ቃላት ወይ ምሉእ ሓሳባት ከተድምቕ ትኽእል ኢኻ።

ጽሑፍ ከተድምቕ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ስዓብ፦

 ነቲ ጽሑፍ ኣድምቆ

ነቲ ጽሑፍ ከተድምቐሉ እትኽእል ክልተ መገዲ ኣሎ።

ነቲ ኸተድምቖ ዝደለኻ ቓል ጠዊቕካ ሒዝካ ኽትመርጾ ትኽእል ኢኻ። ነተን ኣብ ጫፋት ዘለዋ ምልክታት ሒዝካ እውን መጠን እቲ እተድምቖ ጽሑፍ ከተተዓራሪ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መምረጺ ዝርዝር ነታ ምልክት ኣድምቕ ጠውቃ፡ ደሓር ከኣ ነቲ ጽሑፍ ንምድማቕ ሕብሪ ምረጽ።

ቃል ወይ ሓረግ ከተድምቕ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ጽሑፍ ጠዊቕካ ሒዝካ ጕተቶ። ክትጐትቶ ኸለኻ፡ እቲ ጽሑፍ ኪደምቕ እዩ። ምስ ወዳእካ፡ እቲ መምረጺ ዝርዝር ንሓጺር ግዜ ኺርአ እዩ። በዚ ዝርዝር እዚ ጌርካ፡ ነቲ ዘድመቕካዮ ሕብሪ ኽትቅይሮ ወይ ክትድምስሶ ትኽእል ኢኻ።

 ነቲ ዘድመቕካዮ ቐይሮ

ሕብሪ እቲ ዘድመቕካዮ ኽትቅይሮ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ዘድመቕካዮ ጽሑፍ ጠውቆ፡ ድሕሪኡ፡ ካልእ ሕብሪ ምረጽ። ነቲ ዘድመቕካዮ ኽትድምስሶ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ዘድመቕካዮ ጽሑፍ ጠውቆ፡ ድሕሪኡ፡ ነታ ምልክት ደምስስ ጠውቃ።

እዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ካብ ሕዳር 2015 ጀሚሩ ኣብ JW Library 1.6 ይርከብ እዩ፣ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ድማ፡ ኣብ iOS 7.0 ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ iOS ይዓዪ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ኽትረኽቦ እንተ ዘይክኢልካ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ “JW Library ተጠቐም—iOS” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።