ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

ነቲ ጽሑፍ ኣድምቆ—ዊንደውስ

ነቲ ጽሑፍ ኣድምቆ—ዊንደውስ

ኣብ JW Library ጽሑፋት ከተንብብን ከተጽንዕን ከለኻ፡ ቃላት ወይ ምሉእ ሓሳባት ከተድምቕ ትኽእል ኢኻ።

ጽሑፍ ከተድምቕ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ስዓብ፦

 ነቲ ጽሑፍ ኣድምቆ

ነቲ ጽሑፍ ከተድምቐሉ እትኽእል ክልተ መገዲ ኣሎ።

ነቲ ኸተድምቖ ዝደለኻ ጠዊቕካ ኽትመርጾ ትኽእል ኢኻ። ነተን ኣብ ጫፋት ዘለዋ ምልክታት ሒዝካ እውን መጠን እቲ እተድምቖ ጽሑፍ ከተተዓራሪ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መምረጺ ዝርዝር ነታ ምልክት ኣድምቕ ጠውቃ፡ ደሓር ከኣ ነቲ ጽሑፍ ንምድማቕ ሕብሪ ምረጽ።

ቃል ወይ ሓረግ ንምድማቕ፡ ብርዒ እውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ስክሪን ከምቲ ኣብ እተሓትመ ወረቐት እተድምቖ ጌርካ ኸተድምቕ ትኽእል ኢኻ። ምስ ወዳእካ፡ እቲ መምረጺ ዝርዝር ንሓጺር ግዜ ኺርአ እዩ። በዚ ዝርዝር እዚ ጌርካ፡ ነቲ ዘድመቕካዮ ሕብሪ ኽትቅይሮ ወይ ክትድምስሶ ትኽእል ኢኻ።

 ነቲ ዘድመቕካዮ ቐይሮ

ሕብሪ እቲ ዘድመቕካዮ ኽትቅይሮ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ዘድመቕካዮ ጽሑፍ ጠውቆ፡ ድሕሪኡ፡ ካልእ ሕብሪ ምረጽ። ነቲ ዘድመቕካዮ ኽትድምስሶ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ዘድመቕካዮ ጽሑፍ ጠውቆ፡ ድሕሪኡ፡ ነታ ምልክት ደምስስ ጠውቃ።

እዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ካብ ሕዳር 2015 ጀሚሩ ኣብ JW Library 1.6 ይርከብ እዩ፣ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ድማ፡ ኣብ Windows 8.1 ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ ዊንደውስ ይዓዪ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ኽትረኽቦ እንተ ዘይኽኢልካ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ “JW Library ተጠቐም—ዊንደውስ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።