ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

ታሪኽ ተጠቐም—ኣንድሮይድ

ታሪኽ ተጠቐም—ኣንድሮይድ

JW Library ኣየኖት ዓንቀጻትን ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስን ከም ዘንበብካ ዜርኢ ታሪኽ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ጠቓሚ እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣብቲ ታሪኽ ጠዊቕካ ናብቲ ኣቐዲምካ ዘንበብካዮ ጥቕሲ ኽትምለስ ትኽእል ኢኻ።

ታሪኽ ክትጥቀም እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ስዓብ፦

 ናብ ታሪኽ ኪድ

ነታ ምልክት ታሪኽ ወይ History ጠዊቕካ፡ ዝርዝር እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘንበብካዮ ጥቕስታትን ዓንቀጻትን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብቲ ታሪኽ ዘሎ ጥቕሲ ወይ ዓንቀጽ ጠዊቕካ ድማ፡ ናብቲ ጥቕሲ ወይ ዓንቀጽ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

 ታሪኽ ኣጽሪ

ነቲ ዝርዝር ታሪኽ ክትከፍቶ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ምልክት ታሪኽ ጠውቃ። ነቲ ዝርዝር ከተጥፍኦ እንተ ደሊኻ ድማ፡ ነታ Clear እትብል ምልክት ጠውቃ።

እዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ካብ ለካቲት 2015 ጀሚሩ ኣብ JW Library 1.4 ይርከብ እዩ፣ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ድማ፡ ኣብ Android 2.3 ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ ኣንድሮይድ ይዓዪ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ኽትረኽቦ እንተ ዘይክኢልካ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ “JW Library ተጠቐም—ኣንድሮይድ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።