ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

JW Library ተጠቐም—ዊንደውስ

JW Library ተጠቐም—ዊንደውስ

JW Library ኽትጥቀም ምምራጽካ ዜሐጕስ እዩ። እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብበሉን ከተጽንዓሉን ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ነቲ ቐንዲ ትሕዝቶ እቲ ኣፕሊኬሽን፡ ኣብ ላዕለዋይ ሸነኽ ስክሪን ጠዊቕካ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ App Commands ዚብል ምልክት ሓበሬታ ኽትከፍቶ፡ ኣብ ማውዝ ኮምፕዩተርካ ብየማናይ ሸነኽ ጠውቕ ወይ ካብ ላዕለዋይ ኩርናዕ ስክሪን ናብ ታሕቲ ገጽካ ገንጽል።

 ቀንዲ ገጽ

እታ Home እትብል ምልክት፡ መጽሓፍ ቅዱስን መብዛሕትኡ እዋን እትጥቀመሉ ሕታማትን ብቐሊሉ ንኽትረክብ ትሕግዘካ። እዋናዊ ሕታማት ከተንብብን ናይታ መዓልቲ ዕለት ጥቕሲ ኽትርኢን ትኽእል ኢኻ።

 መጽሓፍ ቅዱስ

እታ Bible እትብል ምልክት፡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ክትጽዕንን ትሕግዘካ። መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ፡ ፈለማ ነታ እትደልያ መጽሓፍ፡ ደሓር ከኣ ነታ እትደልያ ምዕራፍ ጠውቃ። ከተንብብ ከለኻ፡ እግረ ጽሑፋት፡ ሕድጋታዊ መወከሲታት፡ ተመሳሳሊ ትርጉማት ኣብ መጽናዕታዊ ኽፋል ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ካልእ ጥቕሲ ኸተንብብ እንተ ደሊኻ፡ ነታ Bible እትብል ምልክት ጠውቃ፡ ነታ Books እትብል ምልክት ጠዊቕካ ድማ ናብ ዝርዝር መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመለስ።

 ሕታማት

እታ Publications እትብል ምልክት፡ ጽሑፋትን ኦውድዮን ቪድዮን ክትርኢ ትሕግዘካ። ጽሑፍ ንምንባብ፡ ፈለማ ነቲ እትደልዮ ጽሑፍ፡ ደሓር ከኣ ነታ እትደልያ ዓንቀጽ ጠውቃ። ነቲ ጽሑፍ ከተንብብ ከለኻ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ነታ እትደልያ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትጥውቕ፡ ነቲ ፍቕዲ ኣብቲ መጽናዕታዊ ኽፋል ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብ መጽናዕታዊ ኽፋል ዘሎ ሊንክ ጠዊቕካ ድማ፡ ናብ ምልእቲ ምዕራፍ እታ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ካልእ ጽሑፍ ክትከፍት እንተ ደሊኻ፡ ነታ Publications እትብል ምልክት ጠውቃ፡ ነታ By Type እትብል ምልክት ጠዊቕካ ድማ ናብቲ ዝርዝር ሕታማት ተመለስ።

 ጥቕሲ ዕለት

ጥቕሲ ዕለት ንምንባብ፡ ኣብ ላዕለዋይ ሸነኽ ስክሪን ነታ Daily Text እትብል ምልክት ጠውቃ።

 ኦንላይን

እቲ ላዕለዋይ ሸነኽ ስክሪን ዚርከብ Online ዚብል ምልክት፡ ናብ ወግዓዊ ወብ ሳይታትና ዚመርሓካ ሊንክ ኣለዎ።

 ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት

ነታ ታብለትካ፡ ሞባይልካ ወይ ኮምፕዩተርካ በብግዜኡ ኣፕዴት ምስ እትገብራ ወይ ምስ እተዘምና፡ ኣብ JW Library እተገብረ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ነታ ታብለትካ፡ ሞባይልካ ወይ ኮምፕዩተርካ ናይ ቀረባ ግዜ ዊንደውስ ጽዒንካ ኣዘምና። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነዞም ዚስዕቡ ሊንክ ርአ፦

ነታ ታብለትካ፡ ሞባይልካ ወይ ኮምፕዩተርካ ባዕላ ኸም እተዘምን ክትገብራ ትኽእል ኢኻ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሊንክ ርአ፦ http://windows.microsoft.com/ti-gb/windows-8/automatic-app-updates-help..