ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

JW Library ተጠቐም—iOS

JW Library ተጠቐም—iOS

JW Library ኽትጥቀም ምምራጽካ ዜሐጕስ እዩ። እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብበሉን ከተጽንዓሉን ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ነቲ ቐንዲ ትሕዝቶ እቲ ኣፕሊኬሽን፡ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እቲ ስክሪን ኣብ ዘሎ ምልክታት ዝሓዘ ሽራጥ ጠዊቕካ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

 መጽሓፍ ቅዱስ

እታ መጽሓፍ ቅዱስ (Bible) እትብል ምልክት፡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ክትጽዕንን ትሕግዘካ። መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ፡ ፈለማ ነታ እትደልያ መጽሓፍ፡ ደሓር ከኣ ነታ እትደልያ ምዕራፍ ጠውቃ። ከተንብብ ከለኻ፡ እግረ ጽሑፋት፡ ሕድጋታዊ መወከሲታት፡ ተመሳሳሊ ትርጉማት ኣብ መጽናዕታዊ ኽፋል ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ካልእ ጥቕሲ ኸተንብብ እንተ ደሊኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ (Bible) እትብል ምልክት ጠዊቕካ ናብ ዝርዝር መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመለስ።

 ሕታማት

እታ ሕታማት (Publications) እትብል ምልክት፡ ጽሑፋትን ኦውድዮን ቪድዮን ክትርኢ ትሕግዘካ። ጽሑፍ ንምንባብ፡ ፈለማ ነቲ እትደልዮ ጽሑፍ፡ ደሓር ከኣ ነታ እትደልያ ዓንቀጽ ጠውቃ። ነቲ ጽሑፍ ከተንብብ ከለኻ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ነታ እትደልያ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትጥውቕ፡ ነቲ ፍቕዲ ኣብቲ መጽናዕታዊ ኽፋል ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብ መጽናዕታዊ ኽፋል ዘሎ ሊንክ ጠዊቕካ ድማ፡ ናብ ምልእቲ ምዕራፍ እታ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ካልእ ጽሑፍ ክትከፍት እንተ ደሊኻ፡ ነታ ሕታማት (Publications) እትብል ምልክት ጠዊቕካ ናብቲ ዝርዝር መጻሕፍቲ ተመለስ።

 ጥቕሲ ዕለት

ጥቕሲ ዕለት ንምንባብ፡ ነታ ጥቕሲ ዕለት (Daily Text) እትብል ምልክት ጠውቃ።

 ኣኼባታት

እዋናዊ ጽሑፋት ኣኼባ ክትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣኼባታት (Meetings) እትብል ምልክት ጠውቃ።

 ኢንተርነት

ናብ ወግዓዊ ወብሳይታትና ኽትከይድ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኢንተርነት (Online) እትብል ምልክት ጠውቃ።

 ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት

ነታ ታብለትካ ወይ ሞባይልካ በብግዜኡ ኣፕዴት ምስ እትገብራ ወይ ምስ እተዘምና፡ ኣብ JW Library እተገብረ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ነታ ታብለትካ ወይ ሞባይልካ ናይ ቀረባ ግዜ iOS ጽዒንካ ኣዘምና። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሊንክ ርአ፦ https://support.apple.com/en-us/HT204204

ነታ ታብለትካ ወይ ሞባይልካ ባዕላ ኸም እተዘምን ክትገብራ ትኽእል ኢኻ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሊንክ ርአ፦ https://support.apple.com/en-us/HT202180