ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

ትርኢት ጽሑፋት ኣተዓራሪ—ዊንደውስ

ትርኢት ጽሑፋት ኣተዓራሪ—ዊንደውስ

ኣብ JW Library፡ ትርኢት እቲ እተንብቦ ጽሑፋት ከተተዓራርየሉ እትኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ንኽትረክብ፡ ኣብ ማውዝ ኮምፒዩተርካ ብየማናይ ሸነኽ ጠዊቕካ ወይ ካብ ላዕለዋይ ኩርናዕ ናብ ታሕቲ ገጽካ ገንጺልካ፡ ነቲ App Commands ዚብል ምልክት ሓበሬታ ኽፈቶ።

ገለ ኻብዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ነታ ተወሳኺ ኣማራጺታት እተርኢ ምልክት ጠዊቕካ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ትርኢት ጽሑፋት ከተተዓራሪ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ስዓብ፦

 ቋንቋ ቐይር

ቋንቋ እቲ እተንብቦ ዘለኻ ምዕራፍ ወይ ዓንቀጽ ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ።

  • እቲ እተንብቦ ዘለኻ ጽሑፍ በየናይ ቋንቋታት ከም ዚርከብ ንምፍላጥ፡ ነታ ምልክት ቋንቋታት ጠውቃ። ብዙሕ ሳዕ እትጥቀመሉ ቛንቋታት ኣብ ላዕሊ ተሰሪዑ ኺጸንሓካ እዩ። እቲ ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እተዳለወ ግምቢ ዘብዐኛ እውን ኣብዚ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ስም እቲ ዝደለኻዮ ቛንቋ ምስ እትጽሕፍ ድማ፡ ኣብቲ ዝርዝር ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

  • ዛጊት ዘየራገፍካዮ ቛንቋታት ምልክት ደበና ኣለዎ። ነቲ ቛንቋ ጠዊቕካ ዝደለኻዮ ሕታም ከተራግፍ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሕታም ምስ ተራገፈ፡ እቲ ምልክት ደበና ኺጠፍእ እዩ። ነቲ ቛንቋ ደጊምካ ምስ እትጥውቖ ድማ፡ ነቲ ሕታም ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

 መሳርዕ ጽሑፍ ቀይር

መጠን እቲ ጽሑፍ ንምንባብ ከም ዚጥዕመካ ጌርካ ኽትቀያይሮ ትኽእል ኢኻ።

ነታ Text Settings እትብል ምልክት መሳርዕ ጽሑፍ ጠዊቕካ፡ ነቲ ጽሑፍ ከተድቅቖ ወይ ከተፍርዮ ትኽእል ኢኻ። እዚ መተዓራረዪ መጠን እዚ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብቲ ኣፕሊኬሽን ዘሎ ጽሑፋት ይዓዪ እዩ።

 ምስሊ ወይ ጽሑፍ ርአ

ገሊኡ ዓንቀጻት ብትርኢት ምስሊ ወይ ጽሑፍ ኪኽፈት ይከኣል እዩ። ነቲ ምልክት ጠዊቕካ ድማ ክትቀያይሮ ትኽእል ኢኻ።

  • ምስሊ ርአ፦ እቲ ትርኢት ምስሊ ተባሂሉ ዘሎ፡ ከምቲ ብወረቐት እተሓትመ ጽሑፍ ዘለዎ ምስሊ የርኢ። ገሊኦም ኣብ ከም መጽሓፍ መዝሙር ዝኣመሰለ ጽሑፋት ነዚ ኺጥቀሙ ይደልዩ እዮም፣ ኣብኡ ምልክት ኖታ ዝሓዘ ጽሑፍ ኣሎ።

  • ጽሑፍ ርአ፦ እቲ ትርኢት ጽሑፍ ተባሂሉ ዘሎ፡ ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠዊቕካ ኸተንብብን መጠን እቲ ጽሑፍ ከተተዓራርን የኽእለካ።

 ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ክፈት

ነታ Open in Online Library እትብል ምልክት ጠዊቕካ፡ ነቲ እተንብቦ ዘለኻ ጽሑፍ ኣብ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ ኽትከፍቶ ትኽእል ኢኻ።

 እትርእዮ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣተዓራሪ

ኣብ ሓደ ጽሑፍ ዘሎ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ጠዊቕካ፡ ነቲ ፍቕድታት ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ነታ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍቕድታት ዘላ Customize እትብል ምልክት ጠዊቕካ፡ ካብቲ ዘራገፍካዮ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ዝርዝር ከተእቱ ትኽእል ኢኻ።

ነታ ምልክት ወስኽ ወይ ነኪ ጠዊቕካ፡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ከተእቱ ወይ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጠዊቕካ ሒዝካ መስርዑ ኽትቀያይሮ ትኽእል ኢኻ።

ተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትረክብ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “መጽሓፍ ቅዱሳት ኣራጊፍካ ተጠቐም—ዊንደውስ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

እዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ካብ መጋቢት 2015 ጀሚሩ ኣብ JW Library 1.4 ይርከብ እዩ፣ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ድማ፡ ኣብ Windows 8.1 ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ ዊንደውስ ይዓዪ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ኽትረኽቦ እንተ ዘይኽኢልካ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ “JW Library ተጠቐም—ዊንደውስ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።