ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

ዕልባት ተጠቐም—ኣንድሮይድ

ዕልባት ተጠቐም—ኣንድሮይድ

እቲ ኣብ JW Library እትረኽቦ ቡክማርክ ወይ ዕልባት፡ ከምቲ ብወረቐት ኣብ እተሓትመ ጽሑፍ እትጥቀሞ ዕልባት፡ ኣብቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ምልክት ክትገብረሉ የኽእለካ። ኵሉ እቲ ኣብ JW Library ዘሎ ጽሑፋት ዓዓሰርተ ዕልባት ኣለዎ።

ዕልባት ክትጥቀም እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ስዓብ፦

 ዕልባት ግበር

ንሓደ ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ዕልባት ክትገብረሉ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ወይ ፍቕዲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕልባት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ንሓደ ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ዕልባት ክትገብረሉ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ። ነቲ ኣብቲ ዝኸፈትካዮ ጽሑፍ እተገብረ ዕልባት ድማ ክትረኽቦ ኢኻ። ነቲ እተንብቦ ዘለኻ ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ዕልባት ክትገብረሉ እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ጥራዩ ዘሎ ዕልባት ጠውቕ።

ኣብ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ወይ ፍቕዲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕልባት ክትገብር እንተ ደሊኻ፡ ፈለማ ነቲ ጽሑፍ ጠውቆ፡ ደሓር ከኣ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ።

 ዕልባት ርኸብ

ነቲ ዝገበርካዮ ዕልባት ክትረኽቦ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ዕልባት ዝገበርካሉ ጽሑፍ ክፈቶ፡ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኽትርእዮ ዝደለኻ ዕልባት ጠውቕ።

 ዕልባት ኣተዓራሪ

ነቲ ዝገበርካዮ ዕልባት ከተጥፍኦ ወይ ብኻልእ ክትትክኦ ትኽእል ኢኻ።

ዕልባት ከተጥፍእ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ፣ ደሓር ከኣ ነታ ኣብ ጥቓ እቲ ኸተጥፍኦ ዝደለኻ ዕልባት ዘላ ተወሳኺ ኣማራጺታት እተርኢ ምልክት ጠውቃ። ድሕሪኡ፡ ነታ Delete እትብል ምልክት ጠውቃ።

ነቲ ዝገበርካዮ ዕልባት ብኻልእ ክትትክኦ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ፣ ደሓር ከኣ ነታ ኣብ ጥቓ እቲ ኽትትክኦ ዝደለኻ ዕልባት ዘላ ተወሳኺ ኣማራጺታት እተርኢ ምልክት ጠውቃ። ድሕሪኡ፡ ነታ Replace እትብል ምልክት ጠውቃ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ዝነበረ ዕልባት በቲ ኣብቲ ሕጂ ዝኸፈትካዮ ጽሑፍ እትገብሮ ካልእ ዕልባት ክትትክኦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዕልባታት እዚ፡ ነቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ምልክት ክትገብረሉ የኽእለካ እዩ። ንኣብነት፡ ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ካብ ለካቲት 2015 ጀሚሩ ኣብ JW Library 1.4 ይርከብ እዩ፣ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ድማ፡ ኣብ Android 2.3 ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ ኣንድሮይድ ይዓዪ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ኽትረኽቦ እንተ ዘይክኢልካ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ “JW Library ተጠቐም—ኣንድሮይድ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።