ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

JW Library ተጠቐም—ኣንድሮይድ

JW Library ተጠቐም—ኣንድሮይድ

JW Library ክትጥቀም ምምራጽካ ዜሐጕስ እዩ። እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብበሉን ከተጽንዓሉን ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ነቲ ቐንዲ ትሕዝቶ እቲ ኣፕሊኬሽን፡ ኣብቲ ተመዛዚ ሓበሬታ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ተመዛዚ ሓበሬታ ኽትከፍቶ፡ ካብ ጸጋማይ ጸግዒ ናብ የማን ገጽካ ገንጽል ወይ ነታ ብላዕሊ ኣብ ጸጋማይ ኵርናዕ ዘላ ምልክት ዝርዝር ጠውቃ።

 መጽሓፍ ቅዱስ

እታ Bible እትብል ምልክት፡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ክትጽዕንን ትሕግዘካ። መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ፡ ፈለማ ነታ እትደልያ መጽሓፍ፡ ደሓር ከኣ ነታ እትደልያ ምዕራፍ ጠውቕ። ከተንብብ ከለኻ፡ እግረ ጽሑፋት፡ ሕድጋታዊ መወከሲታት፡ ተመሳሳሊ ትርጉማት ኣብ መጽናዕታዊ ኽፋል ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ካልእ ጥቕሲ ኸተንብብ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ተመዛዚ ሓበሬታ ኽፈቶ፡ ነታ Bible እትብል ምልክት ጠዊቕካ ድማ ናብ ዝርዝር መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመለስ።

 ሕታማት

እታ Publications እትብል ምልክት፡ ጽሑፋትን ኦውድዮን ቪድዮን ክትርኢ ትሕግዘካ። ጽሑፍ ንምንባብ፡ ፈለማ ነቲ እትደልዮ ጽሑፍ፡ ደሓር ከኣ ነታ እትደልያ ዓንቀጽ ጠውቕ። ነቲ ጽሑፍ ከተንብብ ከለኻ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ነታ እትደልያ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትጥውቕ፡ ነቲ ፍቕዲ ኣብቲ መጽናዕታዊ ኽፋል ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብ መጽናዕታዊ ኽፋል ዘሎ ሊንክ ጠዊቕካ ድማ፡ ናብ ምልእቲ ምዕራፍ እታ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ካልእ ጽሑፍ ክትከፍት እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ተመዛዚ ሓበሬታ ኽፈቶ፡ ነታ Publications እትብል ምልክት ጠዊቕካ ድማ ናብቲ ዝርዝር መጻሕፍቲ ተመለስ።

 ጥቕሲ ዕለት

ጥቕሲ ዕለት ንምንባብ፡ ነቲ ተመዛዚ ሓበሬታ ኸፊትካ ነታ Daily Text እትብል ምልክት ጠውቃ።

 ኦንላይን

እቲ ኣብ ተመዛዚ ሓበሬታ እትረኽቦ ኽፋል Online ናብ ወግዓዊ ወብሳይታትና ዚመርሓካ ሊንክ ኣለዎ።

 ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት

ነታ ታብለትካ ወይ ሞባይልካ በብግዜኡ ኣፕዴት ምስ እትገብራ ወይ ምስ እተዘምና፡ ኣብ JW Library እተገብረ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ነታ ታብለትካ ወይ ሞባይልካ ናይ ቀረባ ግዜ ኣንድሮይድ ጽዒንካ ኣዘምና። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሊንክ ርአ፦ https://support.google.com/nexus/answer/4457705.