ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

ታሪኽ ተጠቐም—ዊንደውስ

ታሪኽ ተጠቐም—ዊንደውስ

JW Library ኣየኖት ዓንቀጻትን ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስን ከም ዘንበብካ ዜርኢ ታሪኽ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ጠቓሚ እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣብቲ ታሪኽ ጠዊቕካ ናብቲ ኣቐዲምካ ዘንበብካዮ ጥቕሲ ኽትምለስ ትኽእል ኢኻ።

ታሪኽ ክትጥቀም እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ስዓብ፦

 ናብ ታሪኽ ኪድ

ነታ App Commands እትብል ምልክት ከፊትካ፡ ነታ ምልክት ታሪኽ ወይ History ድማ ጠዊቕካ፡ ዝርዝር እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘንበብካዮ ጥቕስታትን ዓንቀጻትን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብቲ ታሪኽ ዘሎ ጥቕሲ ወይ ዓንቀጽ ጠዊቕካ ድማ፡ ናብቲ ጥቕሲ ወይ ዓንቀጽ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

 ታሪኽ ኣጽሪ

ነታ App Commands እትብል ምልክት ክትከፍታ፡ ኣብ ማውዝ ኮምፕዩተርካ ብየማናይ ሸነኽ ጠውቕ ወይ ካብ ላዕለዋይ ኩርናዕ ስክሪን ናብ ታሕቲ ገጽካ ገንጽል። ነቲ ዝርዝር ታሪኽ ክትከፍቶ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ምልክት ታሪኽ ጠውቃ። ነቲ ዝርዝር ከተጥፍኦ እንተ ደሊኻ ድማ፡ ነታ Clear እትብል ምልክት ጠውቃ።

እዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ካብ መጋቢት 2014 ጀሚሩ ኣብ JW Library 1.1 ይርከብ እዩ፣ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ድማ፡ ኣብ Windows 8.0 ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ ዊንደውስ ይዓዪ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ኽትረኽቦ እንተ ዘይኽኢልካ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ “JW Library ተጠቐም—ዊንደውስ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።