ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መሲሓዊ ትንቢታት፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ የረጋግጽ ድዩ፧

መሲሓዊ ትንቢታት፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ የረጋግጽ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ “እቲ መሲሕ፡ እቲ መራሒ” እተነግረ ሓያሎ ትንቢታት ፈጺሙ እዩ፣ እቲ መሲሕ እውን “መድሓን ዓለም” ከም ዚኸውን ተገሊጹ ኣሎ። (ዳንኤል 9:25፣ 1 ዮሃንስ 4:14) የሱስ ድሕሪ ሙማቱ እውን ከይተረፈ፡ መሲሓዊ ትንቢታት ፈጺሙ እዩ።—መዝሙር 110:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:34-36

 “መሲሕ” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

 እታ ማሺያሕ (መሲሕ) እትብል ቃል እብራይስጥን እታ ክሪስቶስ (ክርስቶስ) እትብል ቃል ግሪኽኛን “ቅቡእ” ዚብል ሕደ ትርጉም ኣለወን። ስለዚ፡ “የሱስ ክርስቶስ” ኪብሃል ከሎ፡ “የሱስ እቲ ቕቡእ” ወይ “የሱስ እቲ መሲሕ” ማለት እዩ።

 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ንፍሉይ ስልጣን ኪሽየም ከሎ፡ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ብምፍሳስ ይቕባእ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 8:12፣ 1 ሳሙኤል 16:13) ንየሱስ መሲሕ ኪኸውን ዝቐብኦ ድማ ኣምላኽ እዩ ነይሩ፣ መሲሕ ምዃን ከኣ ዓብዪ ስልጣን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:36) ግናኸ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ብዘይቲ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ቐቢእዎ።—ማቴዎስ 3:16

 ነቲ መሲሓዊ ትንቢታት ልዕሊ ሓደ ሰብ ኪፍጽሞ ይኽእል ድዩ፧

 ኣይፋልን። ከምቲ ሓደ ሰብ ብኣሰር ኣጻብዑ ዚልለ፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ናብ ሓደ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ፡ እንተ ተኻኢሉ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ምእንቲ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን እውን ኪገብሩ እዮም” ኢሉ የጠንቅቕ እዩ።—ማቴዎስ 24:24

 መሲሕ ኣብ መጻኢ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧

 ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ መሲሕ ካብ ዘርኢ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ከም ዚመጽእ ይንበ እዩ። (መዝሙር 89:3, 4) ይኹን እምበር፡ እቲ ኽሳዕ ዳዊት ዚዝርዝር መዛግብቲ ወለዶ ጠፊኡ እዩ፣ ሮማውያን ብ70 ድ.ክ. ንየሩሳሌም ኣብ ዝሰዓሩሉ እዋን ከኣ እዩ ጠፊኡ ኪኸውን ዚኽእል። a ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ካብ ወለዶ ነገስታት ዳዊት ከም ዝዀነ መርትዖ ኬቕርብ ዚኽእል ሰብ የልቦን። ብግዜ የሱስ ግና እቲ መዛግብቲ ወለዶ ነይሩ እዩ፣ የሱስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ምዃኑ ኣብ ዚገልጸሉ እዋን ከኣ ጸላእቱ ነዚ ኣይተቓወምዎን።—ማቴዎስ 22:41-46

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ መሲሓዊ ትንቢታት ኣሎ፧

 መሲሓዊ ትንቢታት ክንድዚ እዩ ኢልካ ውሱን ቍጽሪ ኺውሃቦ ኣይከኣልን እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብንጹር መሲሓዊ ዝዀነ ኽፋል እኳ፡ ክንደይ ትንቢታት ከም ዘሎ ብመሰረት እቲ እንጥቀመሉ ሜላ ኣቈጻጽራ ኺፈላለ ይኽእል እዩ። ኣብ ኢሳይያስ 53:2-7 ብዛዕባ መሲሕ ብዙሕ ትንቢታዊ ነጥብታት ተጠቒሱ ኣሎ። ገሊኦም ሰባት ነዚ ኣብዚ ዘሎ ብምሉኡ ኸም ሓደ ትንቢት ኪቘጽርዎ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ንዅሉ እቲ ነጥብታት በበይኑ ትንቢታት ከም ዝዀነ ገይሮም ይቘጽርዎ እዮም።

 ኣብ የሱስ እተፈጸመ ገለ ኻብ መሲሓዊ ትንቢታት

ትንቢት

ዚርከበሉ

ፍጻመ

ካብ ዘርኢ ኣብርሃም

ዘፍጥረት 22:17, 18

ማቴዎስ 1:1

ካብ ዘርኢ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም

ዘፍጥረት 17:19

ማቴዎስ 1:2

ካብ ወለዶ እቲ እስራኤላዊ ነገድ ይሁዳ

ዘፍጥረት 49:10

ማቴዎስ 1:1, 3

ካብ ወለዶ ንጉስ ዳዊት

ኢሳይያስ 9:7

ማቴዎስ 1:1

ካብ ድንግል ይውለድ

ኢሳይያስ 7:14

ማቴዎስ 1:18, 22, 23

ኣብ ቤት-ልሄም ይውለድ

ሚክያስ 5:2

ማቴዎስ 2:1, 5, 6

ኣማኑኤል b ተባሂሉ ይስመ

ኢሳይያስ 7:14

ማቴዎስ 1:21-23

ትሑት ጅመራ

ኢሳይያስ 53:2

ሉቃስ 2:7

ምስ ተወልደ፡ ሕጻናት ይቕተሉ

ኤርምያስ 31:15

ማቴዎስ 2:16-18

ካብ ግብጺ ይጽዋዕ

ሆሴእ 11:1

ማቴዎስ 2:13-15

ናዝሬታዊ c ይብሃል

ኢሳይያስ 11:1

ማቴዎስ 2:23

ልኡኽ ቀቅድሚኡ ይመጽእ

ሚልክያስ 3:1

ማቴዎስ 11:7-10

ብ29 ድ.ክ. መሲሕ ኰይኑ ይቕባእ d

ዳንኤል 9:25

ማቴዎስ 3:13-17

ኣምላኽ ንዕኡ፡ “ወደይ” ይብሎ

መዝሙር 2:7

ግብሪ ሃዋርያት 13:33, 34

ንቤት ኣምላኽ ቅንኣት ይህልዎ

መዝሙር 69:9

ዮሃንስ 2:13-17

ሰባኺ ብስራት

ኢሳይያስ 61:1

ሉቃስ 4:16-21

ኣብ ገሊላ ዚፍጽሞ ኣገልግሎት ዓብዪ ብርሃን

ኢሳይያስ 9:1, 2

ማቴዎስ 4:13-16

ከም ሙሴ ገባር ተኣምራት ይኸውን

ዘዳግም 18:15

ግብሪ ሃዋርያት 2:22

ከም ሙሴ፡ ሓሳባት ኣምላኽ ይዛረብ

ዘዳግም 18:18, 19

ዮሃንስ 12:49

ሕማም ብዙሓት የሕዊ

ኢሳይያስ 53:4

ማቴዎስ 8:16, 17

ናብ ርእሱ ቘላሕታ ኣይስሕብን

ኢሳይያስ 42:2

ማቴዎስ 12:17, 19

ንውጹዓት ይርሕርሓሎም

ኢሳይያስ 42:3

ማቴዎስ 12:9-20፣ ማርቆስ 6:34

ፍትሒ ኣምላኽ ይገልጽ

ኢሳይያስ 42:1, 4

ማቴዎስ 12:17-20

ግሩም መኻሪ

ኢሳይያስ 9:6, 7

ዮሃንስ 6:68

ስም የሆዋ ይነግር

መዝሙር 22:22

ዮሃንስ 17:6

ብምሳሌታት ይዛረብ

መዝሙር 78:2

ማቴዎስ 13:34, 35

መራሒ

ዳንኤል 9:25

ማቴዎስ 23:10

ብዙሓት ብእኡ ኣይኣመኑን

ኢሳይያስ 53:1

ዮሃንስ 12:37, 38

እምኒ መዐንቀፊ

ኢሳይያስ 8:14, 15

ማቴዎስ 21:42-44

ብሰባት ንዑቕ

መዝሙር 118:22, 23

ግብሪ ሃዋርያት 4:10, 11

ብዘይ ምኽንያት ይጽላእ

መዝሙር 69:4

ዮሃንስ 15:24, 25

ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ብዓጀባ ናብ የሩሳሌም ይኣቱ

ዘካርያስ 9:9

ማቴዎስ 21:4-9

ቈልዑ ይውድስዎ

መዝሙር 8:2

ማቴዎስ 21:15, 16

ብስም የሆዋ ይመጽእ

መዝሙር 118:26

ዮሃንስ 12:12, 13

ዚኣምኖ ብጻዩ ይጠልሞ

መዝሙር 41:9

ዮሃንስ 13:18

ብ30 ብሩር ኣሕሊፍካ ይውሃብ e

ዘካርያስ 11:12, 13

ማቴዎስ 26:14-16፣ 27:3-10

ፈተውቱ ይሓድግዎ

ዘካርያስ 13:7

ማቴዎስ 26:31, 56

ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣንጻሩ ይምስክሩ

መዝሙር 35:11

ማቴዎስ 26:59-61

ኣብ ቅድሚ ኸሰስቱ ስቕ ይብል

ኢሳይያስ 53:7

ማቴዎስ 27:12-14

ጡፍ ይብሉሉ

ኢሳይያስ 50:6

ማቴዎስ 26:67፣ 27:27, 30

ርእሱ ይወቕዕዎ

ሚክያስ 5:1

ማርቆስ 15:19

ይገርፍዎ

ኢሳይያስ 50:6

ዮሃንስ 19:1

ንዚወቕዕዎ ኣይጻረሮምን

ኢሳይያስ 50:6

ዮሃንስ 18:22, 23

መራሕቲ መንግስቲ ውዲት ይኣልሙሉ

መዝሙር 2:2

ሉቃስ 23:10-12

ኣእዳዉን ኣእጋሩን ይሽንክርዎ

መዝሙር 22:16

ማቴዎስ 27:35፣ ዮሃንስ 20:25

ንኽዳውንቱ ዕጫ የውድቑሉ

መዝሙር 22:18

ዮሃንስ 19:23, 24

ምስ ሓጥኣን ይቝጸር

ኢሳይያስ 53:12

ማቴዎስ 27:38

የላግጹሉ፡ ይጸርፍዎ

መዝሙር 22:7, 8

ማቴዎስ 27:39-43

ምእንቲ ሓጥኣን መከራ ይጸግብ

ኢሳይያስ 53:5, 6

1 ጴጥሮስ 2:23-25

ኣምላኽ ዝሓደጎ ይመስል

መዝሙር 22:1

ማርቆስ 15:34

ኪሰቲ መጺጽን ሓሞትን ይውሃቦ

መዝሙር 69:21

ማቴዎስ 27:34

ቀቅድሚ ሙማቱ ይጸምእ

መዝሙር 22:15

ዮሃንስ 19:28, 29

መንፈሱ ንኣምላኽ የማዕቍብ

መዝሙር 31:5

ሉቃስ 23:46

ህይወቱ ይህብ

ኢሳይያስ 53:12

ማርቆስ 15:37

ሓጢኣት ንምውጋድ በጃ ይኸፍል

ኢሳይያስ 53:12

ማቴዎስ 20:28

ኣዕጽምቱ ኣይስበርን

መዝሙር 34:20

ዮሃንስ 19:31-33, 36

ይውጋእ

ዘካርያስ 12:10

ዮሃንስ 19:33-35, 37

ምስ ሃብታማት ይቕበር

ኢሳይያስ 53:9

ማቴዎስ 27:57-60

ካብ ምዉታት ይትንስእ

መዝሙር 16:10

ግብሪ ሃዋርያት 2:29-31

ከዳዕ ብኻልእ ይትካእ

መዝሙር 109:8

ግብሪ ሃዋርያት 1:15-20

ኣብ የማን ኣምላኽ ይቕመጥ

መዝሙር 110:1

ግብሪ ሃዋርያት 2:34-36

a ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለውዎ ሳይክሎፔድያ፡ “እቲ መዛግብቲ ነገድን ዓሌትን ኣይሁድ፡ የሩሳሌም ቅድሚ ምጥፋኣ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዝጠፍኣትሉ ግዜ [ኣብ 70 ድ.ክ.] ከም ዝጠፍአ ኣየጠራጥርን እዩ” ይብል።

b እቲ “ኣምላኽ ምሳና እዩ” ዝትርጉሙ ኣማኑኤል ዚብል ናይ እብራይስጢ ስም፡ ነቲ የሱስ ከም መሲሕ ዘለዎ ግደ ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ እዩ። ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋንን ተግባሩን፡ ኣምላኽ ምስ ኣምለኽቱ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።—ሉቃስ 2:27-32፣ 7:12-16

c “ናዝሬታዊ” እትብል ስያመ፡ “ብቋል” ካብ ዝትርጉማ ነጸር እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ዝመጸት ክትከውን ትኽእል እያ።

d መሲሕ ብ29 ድ.ክ. ከም ዚመጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕብር ብዝርዝር ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ትንቢት ዳንኤል ንምምጻእ እቲ መሲሕ እተነበየሉ መገዲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

e እዚ ትንቢት እዚ ኣብ መጽሓፍ ዘካርያስ እዩ ዘሎ፣ ማቴዎስ ግና “ብነብዪ ኤርምያስ ከምዚ እተባህለ” ኢሉ እዩ ጠቒሱ ዘሎ። (ማቴዎስ 27:9) መጽሓፍ ኤርምያስ ኣብ ቅድሚት እቲ “ነብያት” ዚብሃል ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነበረት እዩ ዚመስል። (ሉቃስ 24:44) ማቴዎስ ንብምሉኡ እቲ ንመጽሓፍ ዘካርያስ እውን ዜጠቓልል እተጠርነፈ መጻሕፍቲ ኼመልክት ኢሉ እዩ “ኤርምያስ” ኢሉ ኪኸውን ዘለዎ።