1 ጴጥሮስ 2:1-25

  • ነቲ ቓል ብሃግዎ (1-3)

  • መንፈሳዊ ቤት ንምዃን ዚህነጹ ህያዋን ኣእማን (4-10)

  • ኣብ ዓለም ከም ጓና ዄንካ ምንባር (11, 12)

  • ግቡእ ተገዛእነት (13-25)

    • ክርስቶስ፡ ኣርኣያና (21)

2  እምበኣር፡ ኵሉ ኽፍኣትን+ ተንኰልን ግብዝናን ቅንእን ሕሜትን ኣርሕቑ።  ሕጂ ኸም እተወልዱ ሕጻናት፡+ ብእኡ ንድሕነት ምእንቲ ኽትዓብዩ፡+ ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ* ጸባ እቲ ቓል ብሃግዎ፣  ጐይታ ለዋህ ምዃኑስ ጥዒምኩም ኢኹም።  ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡+ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡+  ንስኻትኩም እውን ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ+ ብየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኸተቕርቡ፡+ ከም ህያዋን ኣእማን ንቕዱስ ክህነት መንፈሳዊ ቤት ንምዃን ትህነጹ ኣለኹም።+  ምኽንያቱ፡ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ፡ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይ እምኒ፡ ክቡር እምኒ መኣዝን መሰረት አንብር ኣለኹ፣ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሓፍርን እዩ” ዚብል ኣሎ።+  እምበኣር፡ ንዓኻትኩም ንእትኣምኑ እዩ ኽቡር፣ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡+ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ፣”+  “እምኒ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን” እውን እዩ።+ ነቲ ቓል ስለ ዘይተኣዘዙ፡ ይዕንቀፉ ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ እዩ ዚጽበዮም።  ንስኻትኩም ግና ናይቲ ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም+ “ብሉጽነት* ምእንቲ ኽትእውጁ፡+ ሕሩይ ዓሌት፡ ንጉሳዊ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡+ ፍሉይ ጥሪት ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።”+ 10  ሓደ እዋን ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፣+ ሓደ እዋን ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ተማሒርኩም ኢኹም።+ 11  ፍቑራተየ፡ ከም ጓኖትን ከም ኣጋይሽን፡+ ካብቲ ምሳኻትኩም* ዚዋጋእ+ ትምኒት ስጋ ኽትርሕቁ እምዕደኩም ኣለኹ።+ 12  ከም ገበርቲ ኽፉእ ገይሮም ኪነቕፉኹም ከለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም+ በታ መዓልቲ መርመራ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼሞግስዎ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።+ 13  ምእንቲ ጐይታ ኢልኩም፡ ንዅሉ እቲ ሰብ ዝፈጠሮ* ተገዝኡ፣+ ነቲ ልዑል ዝዀነ ንጉስ+ 14  ወይስ ነቶም ንገበርቲ ኽፉእ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ግና ኪንእዱ ብእኡ እተላእኩ ሹማምንቲ ተገዝኡ።+ 15  ከመይሲ፡ ሰናይ ብምግባር፡ ነቲ እቶም ዓያሹ ብድንቍርና ዚዛረብዎ ኽትዓብሱ፡* ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።+ 16  ከም ሓራ ሰባት፡+ ከም ባሮት ኣምላኽ ኩኑ እምበር፡+ ንሓርነትኩም ከም መጐልበቢ ኽፍኣት ኣይትግበርዎ።*+ 17  ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ፡+ ንዅሎም ኣሕዋት* ኣፍቅሩ፡+ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡+ ንንጉስ ኣኽብርዎ።+ 18  ገላዉ ነቶም ሕያዎትን ልዙባትን* ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ብቐሊሉ ዘይሕጐሱ ጐይተቶም እውን ብግቡእ ፍርሃት ይገዝእዎም።+ 19  ከመይሲ፡ ሓደ ሰብ ስለቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ሕልና ኢሉ፡ ጸገም* እንተ ተጻዊሩን እንተ ተዓሚጹን፡ ባህ ዜብል እዩ።+ 20  ብምሕጣእኩም መውቃዕቲ እንተ ተጻዊርኩምሲ፡ እንታይ ዚንኣድ ነገር ኣለዎ፧+ ሰናይ ብምግባርኩም መከራ እንተ ተጻዊርኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ።+ 21  ነዚ ኸኣ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ እኳ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ ኣርኣያ እናሓደገልኩም+ ምእንታኹም መከራ ጸጊቡ እዩ።+ 22  ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡+ ኣብ ኣፉ እውን ምትላል ኣይተረኽበን።+ 23  ምስ ተጸርፈ፡+ መሊሱ ኣይጸረፈን።+ መከራ ኺጸግብ ከሎ ድማ፡+ ነቲ ብጽድቂ ዚፈርድ+ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር፡ ኣየፈራርሀን። 24  ንሓጢኣት ሞይትና፡* ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ሰብነቱ ኣብ ጕንዲ*+ ጾይርዎ እዩ።+ “ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።”+ 25  ከመይሲ፡ ከም ብራርያ ኣባጊዕ ኢኹም ዝነበርኩም፣+ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳን+ ሓላውን ነፍሳትኩም* ተመሊስኩም ኣለኹም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጽሩይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእሲ መኣዝን።”
ወይ፡ “ሕያውነት፡” ማለት፡ ዚንኣድ ባህርያትን ተግባራትን።
ወይ፡ “ምስ ነፍሲ።”
ወይ፡ “ዝሰርዖ፣ ዝተኸሎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኽትለጕሙ።”
ወይ፡ “ንሓርነትኩም ክፉእ ንምግባር ከም መመኽነይታ ኣይትጠቐሙሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕውነት።”
ወይ፡ “ሚዛናውያንን።”
ወይ፡ “ጓሂ፣ ስቓይ።”
ወይ፡ “ሓጢኣት ሓዲግና።”
ወይ፡ “ኦም።”
ወይ፡ “ህይወትኩም።”