ሉቃስ 7:1-50

  • እምነት ሓደ ሓለቓ ሚእቲ (1-10)

  • የሱስ ኣብ ናይን ወዲ መበለት ኣተንስአ (11-17)

  • ዮሃንስ መጥምቕ ተወደሰ (18-30)

  • ዘይሰምዕ ወለዶ ተዀነነ (31-35)

  • ሓጥእ ሰበይቲ ይቕረ ተባህለላ (36-50)

    • ምሳሌ እቶም ሰብ ዕዳ (41-43)

7  ነቶም ህዝቢ ዚብሎም ኵሉ ዘረባ ምስ ወድአ፡ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ።  ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ዜኽብሮ ባርያኡ ሓሚሙ፡ ኪመውት ቀሪቡ ነበረ።+  ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዐ፡ መጺኡ ንባርያኡ ምእንቲ ኼሕውየሉ፡ ኪልምንዎ ኢሉ ዓበይቲ ኣይሁድ ለኣኸሉ።  እቶም ናብ የሱስ ዝመጹ፡ ከምዚ እናበሉ ኣጽኒዖም ለመንዎ፦ “እዚ ኽትገብረሉ ይግብኦ እዩ፣  ከመይሲ፡ ንህዝብና ይፈቱ፡ ምኵራብ እውን ሃኒጹልና እዩ።”  የሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ግና፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኹ ልኢኹ፡ ከምዚ በሎ፦ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ፡ ኣነ ብቑዕ ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣይትድከም።+  ስለዚ ድማ እየ ናባኻ ንምምጻእ፡ ንርእሰይ ብቕዕቲ ገይረ ዘይቈጸርክዋ። ሓንቲ ቓል በል እምበር፡ ጊልያይ ኪሓዊ እዩ።  ከመይሲ፡ ኣነ እውን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዝመሓደር ሰብ እየ፡ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣለዉኒ እሞ፡ ነዚ፡ ‘ኪድ!’ እብሎ፡ ይኸይድ፣ ንኻልእ ከኣ፡ ‘ንዓ!’ እብሎ፡ ይመጽእ፣ ንባርያይ እውን፡ ‘እዚ ግበር!’ እብሎ፡ ንሱ ኸኣ ይገብር።”  የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብእኡ ተገረመ፣ ናብቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ህዝቢ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ “ከምዚኣ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ፡ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።+ 10  እቶም እተላእኩ ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ፡ እቲ ባርያ ጥዕዩ ረኸብዎ።+ 11  ደድሕርዚ፡ ናይን ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፣ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከኣ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። 12  ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፡ እንሆ፡ ምዉት ተጾይሩ ወጸ፣ ንሱ ንኣዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ።+ ንሳ ኸኣ መበለት ነበረት። ካብታ ኸተማ እውን ብዙሓት ሰባት ምስኣ ነበሩ። 13  ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ፡+ “ደጊም ኣይትብከዪ” እውን በላ።+ 14  ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲ እውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣለኹ!” በሎ።+ 15  እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብ እውን ጀመረ፡ የሱስ ከኣ ንኣዲኡ ሃባ።+ 16  ንዅላቶም ፍርሃት ሓዞም፡ “ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡”+ ከምኡ ድማ “ኣምላኽ፡ ቈላሕታኡ ናብ ህዝቡ ገይሩ”+ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣሞገስዎ። 17  እዚ ወሪኡ ድማ፡ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ኵሉ ጐደቦታታን ተዘርግሐ። 18  ንዮሃንስ ድማ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ዅሉ ነገርዎ።+ 19  ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡+ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ናብ ጐይታ ለኣኾም። 20  እቶም ሰባት ናብኡ ምስ መጹ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ፡ ‘እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧’ ኢሉ ናባኻ ልኢኹና” በልዎ። 21  በታ ሰዓት እቲኣ፡ ሕማምን ቃንዛን እኩያት መናፍስትን ዘለዎም ብዙሓት ኣሕወየ፡+ ንብዙሓት ዕዉራት እውን ከም ዚርእዩ ገበሮም። 22  ከምዚ ኢሉ ድማ መለሰሎም፦ “ኬድኩም፡ ዝረኣኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ፦ ዕዉራት ይርእዩ፡+ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ድዉያት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡+ ምዉታት ይትንስኡ፡ ድኻታት ድማ ይብሰሩ ኣለዉ።+ 23  እቲ ብኣይ ዘይዕንቀፍ፡ ሕጉስ እዩ።”+ 24  እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ከምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ኣብ በረኻ እንታይ ክትርእዩ ወጺእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆ፧+ 25  እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጺእኩም፧ ልስሉስ* ክዳውንቲ እተኸድነ ሰብ፧+ ብሉጽ ክዳን እተኸድኑን ዝሓንቀቑንሲ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት እዮም ዘለዉ። 26  እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጺእኩም፧ ነብዪ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ደኣ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 27  እቲ፡ ‘እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ* እልእኽ ኣለኹ’ ተባሂሉ እተጻሕፈሉ፡ ንሱ እዩ።+ 28  እብለኩም ኣለኹ፡ ካብቶም ካብ ኣንስቲ እተወልዱ፡ ካብ ዮሃንስ ዚዓቢ ሓደ እኳ የልቦን፣ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነኣሰ ግና፡ ካብኡ ዝዓበየ እዩ።”+ 29  (ኵሎም እቶም ህዝብን ኣከብቲ ቐረጽን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ነበሩ እሞ፡ ኣምላኽ ጻድቕ ምዃኑ ተኣመኑ።+ 30  ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና፡ ብእኡ ኣይተጠምቁን ነበሩ እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ምኽሪ* ነዓቕዎ።)+ 31  “እምበኣር፡ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብመን ክምስሎም እየ፧ ንመንከ ይመስሉ፧+ 32  ኣብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ፡ ንሓድሕዶም ተጸዋዊዖም፡ ‘ሻምብቆ ነፊሕናልኩም፡ ግናኸ ኣይሳዕሳዕኩምን፣ ኣልቂስናልኩም፡ ግናኸ ኣይበኸኹምን’ ዚብሉ ቘልዑ ይመስሉ። 33  ከምኡ ኸኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ እንጌራ ኸይበልዐን ወይኒ ኸይሰተየን ምስ መጸ፡+ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ትብሉ። 34  ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን ምስ መጸ ድማ፡ ‘እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን’ ትብሉ።+ 35  ዝዀነ ዀይኑ፡ ጥበብ ብዅሎም ደቃ* እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ።”*+ 36  ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ፡ ምስኡ ኺበልዕ ይልምኖ ነበረ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ ኸኣ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 37  እንሆ ድማ፡ ኣብታ ኸተማ ሓጥእ ብምዃና እተፈልጠት ሰበይቲ ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣብ መኣዲ ኸም እተቐመጠ ፈሊጣ፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልአ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ኣምጽአት።+ 38  ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ዀይና፡ እናበኸየት ብንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፣ ብጸጕሪ ርእሳ ኸኣ ደረዘቶ። ኣእጋሩ ድማ ኣጥቢቓ ሰዓመት፡ በቲ ቕዱይ ቅብኢ እውን ለኸየቶ። 39  እቲ ዝዓደሞ ፈሪሳዊ ነዚ ርእዩ፡ “እዚ፡ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ እትትንክዮ ዘላ ሓጥእ እያ እሞ፡ መን ምዃናን እንታይ ዓይነት ሰበይቲ ምዃናን ምፈለጠ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።+ 40  የሱስ ከኣ፡ “ስምኦን፡ ዝብለካ ኣሎኒ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ፡ “መምህር፡ ተዛረብ” በሎ። 41  “ንሓደ ኣለቃሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፣ እቲ ሓደ 500 ዲናር፡ እቲ ሓደ ድማ 50 ዲናር* ተዓድዮም ነበሩ። 42  ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካባታቶምሲ ዝያዳ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧” 43  ስምኦን ከኣ፡ “ንዓይሲ እቲ ዝያዳ እተሓድገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ። ንሱ ድማ፡ “ቅኑዕ ፈሪድካ” በሎ። 44  ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ንስምኦን ከምዚ በሎ፦ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣለኻ፧ ናብ ቤትካ ኣትየ፡ ንእግረይ ማይ ኣይሃብካንን። እዚኣ ግና ንኣእጋረይ ብንብዓታ ኣጠልቅያቶ፡ ብጸጕራ እውን ደሪዛቶ። 45  ንስኻ ኣይሰዓምካንን፣ እዚኣ ግና ካብታ ዝኣቶኹላ ሰዓት ኣትሒዛ፡ ኣእጋረይ ኣጥቢቓ ኻብ ምስዓም ኣየቋረጸትን። 46  ንስኻ ንርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኸኻንን፣ እዚኣ ግና ንኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኽያቶ። 47  ስለዚ፡ ሓጢኣታ ብዙሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ተሓዲጉላ፡+ እብለካ ኣለኹ። እቲ ሒደት እተሓድገሉ ግና፡ ሒደት እዩ ዜፍቅር።” 48  ንዕኣ ድማ፡ “ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ” በላ።+ 49  እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ፡ ብልቦም፡ “ሓጢኣት እኳ ዚሓድግሲ፡ እዚ መን እዩ፧” ኪብሉ ጀመሩ።+ 50  ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ “እምነትኪ ኣድሒናትኪ፣+ ብሰላም ኪዲ” በላ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብሉጽ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀቅድሚ ገጽካ።”
ወይ፡ “መምርሒ።”
ወይ፡ “ብፍሪኣ።”
ወይ፡ “ቅንዕቲ ምዃና ዚረጋገጽ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።