ዮሃንስ 18:1-40

  • ይሁዳ ንየሱስ ኣሕሊፉ ሃቦ (1-9)

  • ጴጥሮስ ብሰይፊ ወቕዐ (10, 11)

  • የሱስ ናብ ሃና ተወስደ (12-14)

  • ቀዳማይ ክሕደት ጴጥሮስ (15-18)

  • የሱስ ኣብ ቅድሚ ሃና (19-24)

  • ካልኣይን ሳልሳይን ክሕደት ጴጥሮስ (25-27)

  • የሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ (28-40)

    • “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” (36)

18  የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብታ ስፍራ ኣታኽልቲ ዘለዋ ኣብ ስግር ስንጭሮ* ቄድሮን+ እትርከብ ቦታ ኸደ፣ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ እውን ናብኣ ኣተወ።+  የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ሳዕ ኣብኣ ይራኸብ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይሁዳ እውን ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ።  ስለዚ፡ ይሁዳ፡ ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ዝሓዙ ጭፍራ ወተሃደራትን ገላዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መሪሑ መጸ።+  ሽዑ፡ የሱስ ንዅሉ እቲ ዚመጾ ፈሊጡ፡ ንቕድሚት ሰጒሙ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም።  ንሳቶም ከኣ፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ”+ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ እየ” በሎም። እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይሁዳ ኸኣ፡ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ።+  ግናኸ፡ የሱስ፡ “ኣነ እየ” ምስ በሎም፡ ኣድሓርሓሩ፡ ናብ ምድሪ እውን ወደቑ።+  ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ” በሉ።  የሱስ ድማ፡ “‘ኣነ እየ’ ኢለ እኮ ነጊረኩም እየ። ንዓይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” ኢሉ መለሰሎም።  እዚ ኸኣ እቲ፡ “ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+ 10  ሽዑ፡ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ።+ ስም እቲ ባርያ፡ ማልኮስ ነበረ። 11  የሱስ ግና ንጴጥሮስ፡ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኣ ምለሳ።+ ነታ ኣቦይ ዝሃበኒ ጽዋእሲ፡ ክሰትያዶ ኣይግብኣንን እዩ፧” በሎ።+ 12  ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራትን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። 13  ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ+ ሓሙኡ ነበረ እሞ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ።+ 14  ቀያፋ ኸኣ እቲ ንኣይሁድ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚጠቕሞም ዝመኸሮም እዩ።+ 15  ስምኦን ጴጥሮስን ካልእ ወደ መዝሙርን ድማ ንየሱስ ይስዕብዎ ነበሩ።+ እቲ ወደ መዝሙር ብሊቀ ኻህናት ይፍለጥ ስለ ዝነበረ፡ ምስ የሱስ ናብ ኣጸድ ሊቀ ኻህናት ኣተወ፣ 16  ጴጥሮስ ግና ኣብ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው ኢሉ ነበረ። ስለዚ፡ እቲ ብሊቀ ኻህናት ዚፍለጥ ዝነበረ ኻልእ ወደ መዝሙር ወጺኡ፡ ነታ ሓላዊት ማዕጾ ነጊሩ፡ ንጴጥሮስ ኣእተዎ። 17  ሽዑ፡ እታ ገረድ፡ ማለት እታ ሓላዊት ማዕጾ፡ ንጴጥሮስ፡ “ንስኻ እውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፧” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣይኰንኩን” በለ።+ 18  ቍሪ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ባሮትን እቶም ገላዉን ሓዊ ኣጕሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስ እውን ምሳታቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ። 19  ሽዑ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ብዛዕባ ትምህርቱን ሓተቶ። 20  የሱስ ከኣ፡ “ኣነ ንዓለም ብግህዶ እየ ተዛሪበያ። ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ዅሎም ኣይሁድ ዚእከቡሉ ምኵራብን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፣+ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን። 21  ስለምንታይ ንዓይ ትሓትተኒ ኣለኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም። እንሆ፡ ንሳቶም ነቲ ዝበልክዎ ይፈልጥዎ እዮም” ኢሉ መለሰሉ። 22  እዚ ምስ በለ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ገላዉ፡ “ንሊቀ ኻህናትሲ ኸምዚ ኢልካ ኽትምልሰሉ፧” ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖ።+ 23  የሱስ ከኣ፡ “ጌጋ እንተ ተዛሪበ፡ ጌጋ ምዃኑ መስክር፣ ቅኑዕ እንተ ተዛሪበ ግና፡ ስለምንታይ ትወቕዓኒ ኣለኻ፧” ኢሉ መለሰሉ። 24  ሽዑ፡ ሃና ናብ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ብእሱሩ ሰደዶ።+ 25  ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ደው ኢሉ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ሽዑ፡ ንሳቶም፡ “ንስኻ እውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኢኻ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይኰንኩን” ኢሉ ኸሓደ።+ 26  ሓደ ኻብቶም ባሮት ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ዘመድ እቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾ፡+ “ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲዶ ምስኡ ኣይረኣኹኻን፧” በሎ። 27  ጴጥሮስ ግና ከም ብሓድሽ ከሓደ፣ ብኡብኡ እውን ደርሆ ነቀወ።+ 28  ሽዑ፡ ንየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ ቤት እቲ ሹም ወሰድዎ።+ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስ፡ ከይረኽሱ፡+ ናብ ቤት እቲ ሹም ኣይኣተዉን። 29  ስለዚ፡ ጲላጦስ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ “ኣብዚ ሰብ እዚ እንታይ ክሲ ኣሎኩም፧” በሎም። 30  ንሳቶም ከኣ፡ “እዚ ገባር ክፉእ* እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣሕሊፍና ኣይምሃብናዮን” ኢሎም መለሱሉ። 31  ስለዚ፡ ጲላጦስ፡ “ንስኻትኩም ውሰድዎ፡ ከም ሕግኹም እውን ፍረድዎ” በሎም።+ ኣይሁድ ከኣ፡ “ንሓደ እኳ ኽንቀትል ኣይተፈቕደልናን” በልዎ።+ 32  እዚ ድማ፡ እቲ የሱስ ከመይ ዝበለ ሞት ከም ዚመውት ኬመልክት ኢሉ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+ 33  ጲላጦስ ከኣ ናብ ቤት ሹም ኣተወ፣ ንየሱስ ጸዊዑ ድማ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” በሎ።+ 34  የሱስ ከኣ፡ “ካብ ርእስኻ ዲኻ እዚ እትብል ዘለኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ ኢኻ፧” ኢሉ መለሰ። 35  ጲላጦስ ድማ፡ “ኣነዶ ኣይሁዳዊ እየ፧ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ኻህናትን እዮም ናባይ ኣሕሊፎም ሂቦምኻ። እንታይ ኢኻ ጌርካ፧” ኢሉ መለሰ። 36  የሱስ ከኣ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን።+ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ንኣይሁድ ከይውሃብ፡ ገላዎይ ምተጋደሉለይ ነይሮም።+ ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ መለሰ።+ 37  ጲላጦስ ድማ፡ “እምበኣር፡ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፧” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ።+ ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንቲ እዚ ተወሊደ፡ ምእንቲ እዚ እውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ።+ ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ፡ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰ። 38  ጲላጦስ ድማ፡ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” በሎ። እዚ ምስ በለ፡ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወጺኡ፡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን።+ 39  ብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም እውን ልምዲ ኣሎኩም።+ እምበኣርሲ፡ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧” በሎም። 40  ሽዑ፡ ከም ብሓድሽ ዓው ኢሎም፡ “ንበርባን ደኣ እምበር፡ ነዝስ ኣይፋልን!” በሉ። በርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ገበነኛ።”