ማቴዎስ 22:1-46

  • ምሳሌ እቲ መርዓ (1-14)

  • ኣምላኽን ቄሳርን (15-22)

  • ብዛዕባ ትንሳኤ ዝቐረበ ሕቶ (23-33)

  • ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት (34-40)

  • ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ድዩ፧ (41-46)

22  ከም ብሓድሽ፡ የሱስ ከምዚ ኢሉ ብምሳሌታት ተዛረቦም፦  “መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል።+  ነቶም ናብቲ መርዓ እተዓደሙ ኺጽውዑ ድማ፡ ባሮቱ ለኣኸ፣ ንሳቶም ግና ምምጻእ ኣበዩ።+  ከም ብሓድሽ፡ ‘ነቶም ዕዱማት፡ “እንሆ፡ ምሳሕ ኣዳልየ ኣለኹ፣ ኣብዑረይን ስቡሓተይን ተሓሪዶም፡ ኵሉ ኸኣ ተዳልዩ ኣሎ። ናብ መርዓ ንዑ” በልዎም’ ኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ።  ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ሓደ ናብ ግራቱ፡ ሓደ ኸኣ ናብ ንግዱ ኸዱ፣+  እቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ገፍዕዎምን ቀተልዎምን።  “እቲ ንጉስ ተቘጥዐ፣ ሰራዊቱ ልኢኹ ድማ፡ ነቶም ቀተልቲ ነፍሲ ቐተሎም፡ ከተማኦም እውን ኣንደደ።+  ሽዑ ንባሮቱ፡ ‘መርዓስ ተዳልዩ እዩ፣ እቶም ዕዱማት ግና ብቑዓት ኣይኰኑን።+  እምበኣር፡ ካብ ከተማ ናብ ዜውጽእ መገድታት ኬድኩም፡ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ዓድሙ’ በሎም።+ 10  እቶም ባሮት ከኣ፡ ናብ መገድታት ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንእኩያትን ንሕያዎትን ኣከብዎም፣ እቲ ኣዳራሽ መርዓ ድማ፡ በቶም ኣብ መኣዲ እተቐመጡ መልአ። 11  “እቲ ንጉስ ነቶም ኣጋይሽ ኪምርምር ምስ መጸ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብ ረኣየ። 12  ስለዚ፡ ‘ዓርከይ፡ ብዘይ ክዳን መርዓስ ከመይ ጌርካ ናብዚ ኣቲኻ፧’ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። 13  ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ንገላዉኡ፡ ‘ኢዱን እግሩን ኣሲርኩም ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ኸኣ ኪበክን ኣስናኑ ኺሕርቅምን እዩ’ በሎም። 14  “ዕዱማትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።” 15  ድሕርዚ፡ ፈሪሳውያን ከይዶም፡ ብዘረባኡ ምእንቲ ኺጠልፍዎ ውዲት ኣለሙ።+ 16  ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከኣ፡+ ከምዚ ኢሎም ለኣኹሉ፦ “መምህር፡ ሓቀኛ ምዃንካን መገዲ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም እትምህርን ንፈልጥ ኢና፣ ደጋዊ ትርኢት ሰብ ርኢኻ ስለ ዘይተዳሉ ድማ፡ ኣይዓጅበካን እዩ። 17  እምበኣር፡ እንታይ ይመስለካ፧ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ* ድዩ ወይስ ኣይፋልን፧ እስከ ንገረና።” 18  የሱስ ግና ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ “ኣቱም ግቡዛት፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም፧ 19  ሰልዲ ግብሪ እስከ ኣርእዩኒ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ዲናር* ኣምጽኡሉ። 20  ንሱ ድማ፡ “እዚ ምስልን ጽሕፈትን ናይ መን እዩ፧” በሎም። 21  ንሳቶም፡ “ናይ ቄሳር” በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ “እምበኣር፡ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” በሎም።+ 22  እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሓዲጎምዎ ድማ ከዱ። 23  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን+ ናብኡ መጺኦም ከምዚ ኢሎም ሓተትዎ፦+ 24  “መምህር፡ ሙሴ፡ ‘ሰብኣይ ውሉዳት ዘይብሉ እንተ ሞይቱ፡ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ይውረሳ እሞ፡ ንሓዉ ዘርኢ የተንስኣሉ’ ኢሉ እዩ።+ 25  እምበኣር፡ ምሳና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ምስ ተመርዓወ፡ ሞተ፣ ውሉድ ስለ ዘይነበሮ፡ ሰበይቱ ንሓዉ ሓደጋ። 26  እቲ ኻልኣይን እቲ ሳልሳይን፡ ክሳዕ እቲ ሻውዓይ እውን ከምኡ ኣጋጠሞም። 27  ድሕሪ ዅላቶም፡ እታ ሰበይቲ ሞተት። 28  እሞ ደኣ፡ ንዅላቶም ሰበይቲ ዀይናቶም ነይራ እያ እሞ፡ ብትንሳኤ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧” 29  የሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣለኹም፣+ 30  ብትንሳኤስ ኣብ ሰማይ ከም ዘለዉ መላእኽቲ ደኣ እዮም ዚዀኑ እምበር፡ ኣይምርዓዉ ኣየመርዕዉ።+ 31  ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ ኣምላኽ ከምዚ ኸም ዝበለኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ 32  ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ’ ኢሉ እዩ።+ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን።”+ 33  እቶም ህዝቢ፡ እዚ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተገረሙ።+ 34  ፈሪሳውያን፡ ንሱ ንሰዱቃውያን ኣፎም ከም ዘትሓዞም ምስ ሰምዑ፡ ብሓደ ተኣኪቦም መጹ። 35  ካባታቶም ሓደ ፈላጥ ሕጊ፡ ኪፍትኖ ኢሉ ኸምዚ ኢሉ ሓተቶ፦ 36  “መምህር፡ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ዝዓበየት፧”+ 37  ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን* ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።’+ 38  እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። 39  እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’+ 40  ብምሉኡ ሕግን ነብያትን ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚአን ተመስሪቱ ኣሎ።”+ 41  ፈሪሳውያን ተኣኪቦም ከለዉ፡ የሱስ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም፦+ 42  “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧” ንሳቶም፡ “ወዲ ዳዊት” በልዎ።+ 43  ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም፦ “ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ዳዊት ብመንፈስ ተመሪሑ፡+ ‘ጐይታይ’ ዚብሎ፧ 44  ከመይሲ፡ ከምዚ ኢሉ እዩ፦ ‘የሆዋ* ንጐይታይ፡ “ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።’+ 45  እሞ ደኣ፡ ዳዊት፡ ‘ጐይታይ’ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን፧”+ 46  ሓደ እኳ ኺምልሰሉ ኢሉ ሓንቲ ቓል ኪዛረብ ኣይከኣለን፣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር እውን፡ ሓደ እኳ ኺሓትቶ ዝደፈረ ኣይነበረን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቅኑዕ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።