ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ተፈጥሮኣዊ ስርዓታት

ስነ ጥበባዊ ኽእለት እንስሳታት—ተነዲፉ ድዩ፧

እንስሳታት ብስነ ጥበባዊ ኽእለቶም መስተንክር ጽባቐ ኼርእዩ ይኽእሉ እዮም።

ጽማረ ብርሃን—ተነዲፉ ድዩ፧

ጽማረ ብርሃን እንታይ እዩ፧ ንዓናኸ እንታይ እዩ ዚገብረልና፧

ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ኣጠቓቕማ ጸዓት—ተነዲፉ ድዩ፧

እቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ኣጠቓቕማ ጸዓት ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዚሕብረና ነገር ኣለዎዶ፧

ብርሃን ካብ ህይወት—ተነዲፉ ድዩ፧

ገሊኦም እንስሳታት ብርሃን ኣብ ርእሲ ምምንጫዎም፡ ብውጽኢታውነቱ ኻብቲ ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ መብራህቲ ዚበልጽ ብርሃን እዮም ዜብርሁ። ብኸመይ፧

ኣካላት ወዲ ሰብ

መጕዓዝያ ኦክስጅን—ተነዲፉ ድዩ፧

ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰብነትና ንኦክስጅን ንምብጽጻሕ ዜገልግል መስተንክር መስርሕ ፍለጥ።

ኣካል ደቂ ሰብ ቍስሊ ንምሕዋይ ዘለዎ ኽእለት

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ነዚ ኽእለት እዚ ብምቕዳሕ ኣብ ሓደስቲ ዓይነት ፕላስቲክ ዘተኣታትውዎ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧

እንስሳታት ምድሪ

ሓንጐል ምጹጹላይ ኣርክቲክ—ተነዲፉ ድዩ፧

ነቲ ኣብ ንውመት ድሕሪ ምጽናሑ ገዛእ ርእሱ ንምሕዳስ ዘለዎ መስተንክር ክእለት ርአ።

ጸምሪ ጣቝስታ ባሕሪ

ገሊኦም መጥበውቲ እንስሳታት፡ ኣብ ትሕቲ ቘርበቶም ሙቐት ኣካላቶም ኪዕቅቡ ዚሕግዞም ስብሒ ኣለዎም። ጣቝስታ ባሕሪ ኸኣ ሙቐት ኣካላቱ ዚዕቅበሉ ፍሉይ መገዲ ኣለዎ።

ጭሕሚ ድሙ ዘለዎ ጥቕሚ

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኢ-ዊስከርስ ዚብሃል ደቂቕ መሳርሒ ዚግጠመሎም ዚብሃሉ ሮቦት ዚነድፉ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

ከልቢ ዘለዎ ናይ ምሽታት ህዋስ-ተነዲፉ ድዩ፧

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ነቲ ኸልቢ ዘለዎ ናይ ምሽታት ክእለት ኪቐድሕዎ ዚጽዕሩ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

እግሪ ፈረስ

መሃንድሳት ንንድፊ እግሪ ፈረስ ኪቐድሕዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧

ማያዊ ህይወት

ክንፊ እቲ ሃምፕባክ ዚብሃል ዓሳ ኣንበሪ

ክንፊ እዚ ገዚፍ እንስሳ እዚ፡ ንገሊኡ መዳያት ህይወትካ ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ኣንብብ።

ገዛእ ርእሱ ዜጽሪ ቘርበት ዓሳ ኣንበሪ-ተነዲፉ ድዩ፧

ኩባንያታት መራኽብ ብፍሉይ ተውህቦ እዚ ዓሳ ኣንበሪ ዚግደሱ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

ሶናር ኣቡ ሰላማ-ተነዲፉ ድዩ፧

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንኸባቢኦም ንምድህሳስን ንምርዳእን ናይዞም ዓሳታት እዚኦም ዜደንቕ ክእለት ኪቐድሑ ይፍትኑ ኣለዉ።

ዙኪኒ ባሕሪ ዘለዎ ዜስተንክር ቈርበት

ንቘርበት እዚ እንስሳታት ባሕሪ እዚ፡ ኣመና ተዓጻጻፊ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

መዋቕር ኣስናን በጥለኒሞስ

ኣስናን በጥለኒሞስ ካብ ዓለባ ሳሬት ከም ዚብርትዕ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

መጣበቒ ባርናክል

መጣበቒ ባርናክላት፡ ሰብ ካብ ዝሰርሖ መጣበቒ ኣጸቢቑ ኸም ዚበልጽ ይንገረሉ እዩ። ባርናክላት ምስ ዝጠልቀየ ጽፍሒ ብኸመይ ከም ዚጣበቑ ግና ክሳዕ እዚ ቐረባ ግዜ ምስጢር ኰይኑ እዩ ጸኒሑ ነይሩ።

ዓለባ ማስል ባሕሪ

ማስል ባሕሪ፡ ዓለባ ተጠቒሞም ይጣበቑ እዮም። እዚ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ምርዳእ፡ ንገለ መሳርሒታት ምስ ህንጻታት ወይ ንጅማት ምስ ዓጽሚ ኣብ ምልጋብ፡ ሓድሽን ዝሓሸን መገዲ ንምርካብ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ቅርጺ ዛዕጐላት ባሕሪ

ቅርጽን መዋቕርን ዛዕጐላት ባሕሪ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዚነብር ሞሉስካ ዕቝባ ይዀኖ።

ካትልፍሽ ዘለዎ ሕብሪ ናይ ምልውዋጥ ክእለት

መሃንድሳት ነዚ ኽእለት እዚ ቐዲሖም ሓንቲ ኻልኢት ኣብ ዘይትመልእ ግዜ ሕብሪ ኪቕይር ዚኽእል ክዳን ኪሰርሑ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ኣብ ሃዋይ ዚርከብ ቦብተይል ስኲድ ዜመንጭዎ ብርሃን

እዚ እንስሳ እዚ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ብርሃን ኬመንጭው ይኽእል እዩ፣ ንኺርኢ ወይ ንኺርአ ኢሉ ግና ኣይኰነን።

ድንቂ መሓውር ኦክቶፑስ

መሃንድሳት ዜደንቕ ክእለት ዘለዎ ሮቦታዊ መሓውር ኣማዕቢሎም።

ኣዕጽምቲ ብሪትል ስታር ዘለዎ ናይ “ምርኣይ” ክእለት

ብዛዕባ እዚ ኣብ ባሕሪ ዚነብር ፍጥረት ዚገልጽ ዜደንቕ ሓቅታት ኣንብብ።

ኣዕዋፍ

ዘይሃስስ ሕብርታት ኣዕዋፍ

እቲ ዘይሃስስ ከነቲት ኣዕዋፍ ንዝሓሸ ቦያን ዓለባን መገዲ ዚጸርግ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

ክንፊ ጕንጓ—ተነዲፉ ድዩ፧

መዋቕር ክንፊ ጕንጓ ብዙሕ ደሃይ ንዘየውስእ ናይ ንፋስ ጀነሬተር ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ።

ጫፉ ንላዕሊ እተዓጽፈ ኣኽናፍ ኣዕዋፍ

መሃንድሳት ነፈርቲ ነዚ ንድፊ እዚ ብምቕዳሕ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓመት፡ 7,600 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ኪቝጥቡ ኽኢሎም እዮም።

ክንቲት ኢምፐረር ፐንጒን

ብዛዕባ ስነ ህይወት ባሕሪ መጽናዕቲ ዚገብሩ ሰባት፡ ብዛዕባ ኽንቲት እዚ ዑፍ እዚ እንታይ እዮም ፈሊጦም፧

እታ ነዊሕ ጕዕዞ እትጓዓዝ ኣልባጥሮስ ንጕልበታ እትቝጥበሉ መገዲ

እዛ ዑፍ እዚኣ፡ ሓንሳእ እውን ይኹን ኣኽናፋ ኸየንገብገበት ንነዊሕ ሰዓታት ክትዝምቢ እትኽእል ብኸመይ ምዃኑ ፍለጥ።

ባር-ተይልድ ጎድዊት እትብሃል ዑፍ ኣንፈታ እትፈልጠሉ መገዲ

ብዛዕባ እቲ እታ ባር-ተይልድ ጎድዊት እትብሃል ዑፍ ንሸሞንተ መዓልቲ እትገብሮ ዜደንቕ ፍልሰት ኣንብብ።

ለመምትን ምድረ ማያውያንን

ጠሊ ዚስሕብ ቈርበት ጠበቕ ቶርኒ ዴቭል

እዚ ጠበቕ እዚ፡ ንማይ ብኣእጋሩ ገይሩ ናብ ኣፉ ኺስሕቦ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ጭራ ኣጌማ ዚብሃል ጠበቕ

እዚ ጠበቕ እዚ ኻብ ባይታ ናብ መንደቕ ኪነጥር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ምንጋጋ ሓርገጽ

ናይ ምንካስ ሓይሉ፡ ካብ ኣንበሳ ወይ ነብሪ ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ይበልጽ፣ ኰይኑ ግና፡ ኪትንከፍ ከሎ፡ ካብ ኣጻብዕቲ ሰብ ንላዕሊ ብቕልጡፍ እዩ ዚስምዖ። ብኸመይ፧

ቈርበት ተመን

ገሊኦም ኣትማን ኣብ ሻሕካር ኦም ኪድይቡ፡ ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ኣመና ሓርፋፍ ሑጻ ዅዒቶም ኪኣትዉ ይኽእሉ እዮም፣ ቈርበቶም ድልዱል ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

ስርዓተ ምፍራይ እታ ንእንቋቝሖኣ ኣብ ከስዐኣ እትሓቝፎ እንቍርዖብ

ሓደ ኣብ ፍልቀት ዚኣምን ሰብ፡ እዛ እንቍርዖብ “ኣብቲ ምስ ስርዓተ ምፍራይ ዚተሓሓዝ ስነ ህይወት ቀስ ብቐስን በብደረጃኡን ለውጢ ኸም ዝገበረት ዚገልጽ ሓሳብ ዘይእመን እዩ” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

ሓሸራታት

ንህቢ ዚነፍረሉ መገዲ—ተነዲፉ ድዩ፧

እዚ ደቂቕ ፍጥረት እዚ፡ ካብ ምኩራት ፓይለት ብዝበለጸ መገዲ ኺነፍር ዜኽእሎ እንታይ እዩ፧

ሜላ ኣተዓላልባ ንህቢ

ሜላ ኣተዓላልባ ንህቢ ዚነፍሩ ሮቦት ዚምርሑሉ ስርዓት ንምትእትታዉ ዚጠቅም ብኸመይ እዩ፧

ጎጎ መዓር

ክኢላታት ሕሳብ ክሳዕ 1999 ብመርትዖ ኬቕርብዎ ዘይከኣሉ፡ ኣናህብ ግና ድሮ ዝፈለጥዎ ውጽኢታዊ ኣጠቓቕማ ቦታ።

ጻጸ መገዲ ኸይዕጾ ዚጥቀሙሉ ሜላ

ጻጸ መገዲ ኣይዓጽዉን እዮም። እንታይ ሜላ እዮም ዚጥቀሙ፧

ክሳድ ጻጸ

እዚ ሓሰኻ ኻብ ኣካላቱ ንላዕሊ ተዓጻጻፊ ኽብደት ንዘለዎ ነገር ኪስከም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ጸራባይ ጻጸ ዘለዎ መጽረዪ ኣንቴና

እዚ ደቂቕ ሓሸራ እዚ ብህይወት ንምንባር ገዛእ ርእሱ ኼጽሪ ኣለዎ። ነዚ መሰረታዊ ዕዮ እዚ ኸመይ ገይሩ ይገብሮ፧

ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት

እዚ ፍሉይ ጻጸ እዚ፡ ሓደ ኻብቶም በቲ ንሙቐት ዘለዎም ተጻዋርነት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዚስርዑ እንስሳታት እዩ። ብርቱዕ ሙቐት ኪጻወር ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

ዑደት ህይወት ፋንጣ

ዑደት ህይወት እዘን ማረኽቲ ሓሸራ ፍሉይ ዚገብሮ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 13 ወይ 17 ዓመት ንሒደት ሰሙናት ጥራይ ዚቕልቀላ ምዃነን እዩ።

ኣብ እግሪ ኢሰስ ሊፍሆፐር ዚርከብ ኣስናን

እዚ ኣስናን እዚ፡ እቲ ሓሸራ ብሓይሊ ግናኸ ቝጽጽር ብእተገብረሉ መገዲ ንኺነጥር ይሕግዞ።

ንምንቅስቓስ ኣንበጣ ብደቂቕ ዚቈጻጸሮ ኒውሮን

ዕስለ ኣንበጣ ንሓድሕዶም ከይተጋጨዉ ኺጓዓዙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ኬቲዲድ ዘለዋ ዜደንቕ ናይ ምስማዕ ክእለት

ኣእዛን እዛ ንእሽቶ ሓሸራ፡ ልክዕ ከም እዝኒ ሰብ እየን ዚዓይያ። ብዛዕባ እቲ ፍሉይ ናይ ምስማዕ ክእለታ እተገብረ ምርምር፡ ንዘመናዊ ስነ ፍልጠትን ምህንድስናን ዚጠቅም ብኸመይ እዩ፧

ፍልሰት እተን ሞናርክ ዚብሃላ ዓሌት ጽምብላሊዕ—ተነዲፉ ድዩ፧

እቲ እተሓላለኸ ፍልሰት እተን ሞናርክ ዚብሃላ ዓሌት ጽምብላሊዕ ከም እተነድፋ መርትዖ ይኸውን ድዩ፧

መንገብገብ ጽምብላሊዕ

መንገብገብ እታ ሞርፎ እትብሃል ጽምብላሊዕ ልሙጽ እኳ እንተ መሰለ፡ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ኪርአ ዚኽእል ቀጸላታት ኣለዎ። እዚ ንምንታይ ይጠቅም፧

ብርሃን ዚስሕብ መንገብገብ ጽምብላሊዕ

መንገብገብ ገሊአን ጽምብላሊዕ፡ ካብ ጸሊም ሕብሪ ንላዕሊ የጠቓለል።

ቃራና ዝቕርጹ ኣቃውማ ጻዕዳ ጽምብላሊዕ ካውሎ-ተነዲፉ ድዩ፧

መሃንድሳት እንታይ ካብ ጻዕዳ ጽምብላሊዕ ካውሎ ዝቐድሕዎ ነገር እዩ ዝሓሸ ሰሌዳታት ጸሓይ ኪነድፉ ኣኽኢልዎም፧

ዜደንቕ ናይ ምስማዕ ክእለት እታ ዝዓበየት ግዝዋ ስምዒ

በተን ደቀቕቲ ኣእዛና፡ ካብ ካልእ እንስሳ ዚበልጽ ነገር ክትገብር ትኽእል እያ።

ሕንዚዝ ዒባ ኣንፈቱ ዚፈልጠሉ ኽእለት

ሕንዚዝ ዒባ ኣንፈቱ ንምፍላጥ እንታይ እዩ ዚጥቀም፧ ሰባትከ ኻብኡ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

መብራህቲ ሓዊለይቶ

እዚ ደቂቕ ሓሸራ እዚ፡ ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ነቲ ኣብ ብዙሕ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዚግጠም ዝያዳ መብራህቲ ዜመንጭው ዳዮድ ንኺሰርሑ ዝደረኾም ብኸመይ እዩ፧

ሃመማ ፍረ ዘለዎ ኣብ በረራ ናይ ምጥውዋይ ክእለት

እዚ ሓሸራ እዚ ኸም ተዋጋእቲ ጀት ኪጠዋወ ይኽእል እዩ፣ ነዚ ግና ካብ ካልኢት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ እዩ ዚገብሮ።

ሳሬት

ጽልግልግ ዝበለ ርእየት ዘላሊት ሳሬት

እዛ ሳሬት እዚኣ፡ ነቲ ልክዕ ርሕቀት እትልክዖ ብኸመይ እያ፧ ተመራመርቲ ነቲ እታ ሳሬት እትጥቀመሉ ሜላ ኪቐድሕዎ ዚደልዩኸ ስለምንታይ እዮም፧

ምስጢር ዓለባ ሳሬት

ሓንቲ ሳሬት፡ ሓዲኡ ኣዝዩ ዚጣበቕ፡ ሓዲኡ ኸኣ ብቐሊሉ ዚብጠስ ዓለባ ኽትኣልም ትኽእል እያ። ብኸመይን ስለምንታይን ከምኡ ኸም እትገብር መርምር።

ኣትክልቲ

ውዕዉዕ ሰማያዊ ዝሕብሩ ፍረ ፖሊያ

እዚ ፍረ እዚ ባህርያዊ ሕብሪ ወይ ዚቕልሞ ነገር እኳ እንተ ዘይብሉ፡ ኣብ ካልእ ተኽሊ ዘየሎ ኣዝዩ ድሙቕ ሰማያዊ ሕብሪ ኣለዎ። እዚ ዜደንቕ ሕብሪ እዚ ኺህልዎ ዝኸኣለ ደኣ ኸመይ ኢሉ እዩ፧

ኣትክልቲ ዘለዎም ሕሳብ ናይ ምቕማር ክእለት

ተኽሊ ኣድሪ ዜደንቕ ክእለት ከም ዘለዎ ተመራመርቲ ፈሊጦም።

ብዓይኒ ዘይርአ ፍጥረታት

ዲ.ኤን.ኤ. ዘለዎ ሓበሬታ ናይ ምኽዛን ዓቕሚ

ዲ.ኤን.ኤ.፡ “እቲ ዝበለጸ መዋህለሊ ሓበሬታ (ወይ ሃርድ ድራይቭ)” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። ስለምንታይ ምዃኑ ፍለጥ።

ነዳዲ ዘይቲ ዜሕቅቑ ደቀቕቲ ተህዋስያን

ደቀቕቲ ተህዋስያን ካብ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ንላዕሊ ንዝፈሰሰ ነዳዲ ዘይቲ ብዝበለጸ መገዲ ኼጽርዩ ይኽእሉ ድዮም፧