ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ጭሕሚ ድሙ ዘለዎ ጥቕሚ

ጭሕሚ ድሙ ዘለዎ ጥቕሚ

ድሙ መብዛሕትኡ እዋን ብግዜ ለይቲ እውን ንቕሕቲ እያ። ብፍላይ ምስ መሰየ፡ ኣብ ጥቓኣ ንዘሎ ነገራት ከተለልዮን እትበልዖ ግዳይ ክትሃድንን እትኽእል፡ ሳላ ጭሕማ እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቲ ጭሕሚ ድሙ ዚበቝለሉ ኣካሊት (ቲሹ)፡ ብዙሕ መትኒ ኣለዎ። እቲ መትንታት፡ ኣብ ኣየር ንዜጋጥም ንእሽቶ ለውጢ እውን እንተ ዀነ ኼለልዮ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ድሙ፡ ዋላ እኳ ብዓይና እንተ ዘይረኣየቶ፡ ኣብ ጥቓኣ ገለ ነገር ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ትኽእል እያ፣ እዚ ኸኣ ብፍላይ ኣብ ጸልማት ከም ዚሕግዛ ፍሉጥ እዩ።

ጭሕሚ ድሙ ንዝዀነ ይኹን ምንቅስቓስ ኬለልዮ ስለ ዚኽእል፡ ድሙ፡ እቲ እትሃድኖ ግዳይ ኣበይ ሸነኽ ከም ዘሎን ነቲ ዚገብሮ ምንቅስቓስን ክትፈልጥ ትኽእል እያ። ብዘይካዚ፡ ድሙ ብሓገዝ እቲ ጭሕማ፡ ብሓደ ቐዳድ ሰሊዃ ቕድሚ ምሕላፋ፡ ስፍሓቱ ኽንደይ ምዃኑ ኽትዕቅን ትኽእል እያ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ “ጭሕሚ ድሙ ዘለዎ ጥቕሚ፡ ብእተወሰነ ጥራይ እዩ ዚፍለጥ፣ ይኹን እምበር፡ ሓንቲ ድሙ ጭሕማ እንተ ተቘሪጹ፡ ንግዜኡ ኸም እትሽገር ኪፍለጥ ተኻኢሉ እዩ” በለ።

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንጭሕሚ ድሙ ብምቕዳሕ፡ ነቲ ዜጋጥሞም ዕንቅፋት ኣለልዮም ንኺሰግርዎ ዚሕግዞም ደቂቕ መሳርሒ ዚግጠመሎም ሮቦት ይነድፉ ኣለዉ። እቲ ኣብቶም ሮቦት ዚግጠም ደቂቕ መሳርሒ፡ ኢ-ዊስከርስ እዩ ዚብሃል፣ ዓሊ ጃቪ ዝስሙ ኣብቲ ኣብ በርክሊ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ዚሰርሕ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት፡ እቲ ደቂቕ መሳርሒ፡ “እተራቐቐ ናይ ሮቦት ተክኖሎጂ ኣብ ምስራሕን እተፈላለዩ ሰባት ዚጥቀሙሎም ማሽናት ቀለልቲ ኣብ ምግባርን ኣብ ስነ ህይወታዊ ዕዮታት ኣገልግሎት ንምሃብን” ከም ዚጠቅም ገለጸ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ጭሕሚ ድሙ ዘለዎ ጥቕሚ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧