ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ባር-ተይልድ ጎድዊት እትብሃል ዑፍ ኣንፈታ እትፈልጠሉ መገዲ

ባር-ተይልድ ጎድዊት እትብሃል ዑፍ ኣንፈታ እትፈልጠሉ መገዲ

እታ ባር-ተይልድ ጎድዊት እትብሃል ዑፍ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እትገብሮ ፍልሰት፡ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። እቲ እታ ዑፍ እትገብሮ ናይ 11,000 ኪሎ ሜተር ጕዕዞ፡ ልዕሊ ሸሞንተ መዓልቲ እዩ ዚወስደላ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ገሊአን ዓይነት ኣዕዋፍ፡ ኣብ ሓንጎለን ኮምፓስ ከም እተገጥመለን ብዚመስል መገዲ፡ ብማግነታዊ ዓውዲ ምድሪ ተጠቒመን ኣንፈተን ከም ዚፈልጣ፡ ተመራመርቲ ይኣምኑ እዮም። እታ ጎድዊት እትብሃል ዑፍ፡ ኣብ ርእሲ እዚ እተጠቕሰ ማግነታዊ ዓውዲ ምድሪ፡ ኣብ እዋን ቀትሪ ብጸሓይ፡ ኣብ እዋን ለይቲ ኸኣ ብኸዋኽብቲ ገይራ ኣንፈታ ትፈልጥ እያ። ነቲ ኣብ ጕዕዞኣ ንቕድሚት እናደፍአ ዚሕግዛ ንፋስ እውን ኣቐዲማ ኸተለልዮ ትኽእል እያ። እቲ እዘን ኣዕዋፍ እዚአን ብኸመይ ብዜደንቕ መገዲ ኸም ዚጐዓዛ ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ንምሁራት ኣዝዩ እዩ ዜገርሞም። ብዛዕባ ስነ ህይወት ዜጽንዕ ቦብ ጊል፡ “ን20 ዓመት ብዛዕባአን እኳ እንተ ኣጽናዕኩ፡ ገና ግና ኣፈይ እየን ዜኽፍታኒ” በለ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ እታ ባር-ተይልድ ጎድዊት እትብሃል ዑፍ ኣንፈታ ንምፍላጥ እትጥቀመሉ መገዲ፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧