ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ሶናር ኣቡ ሰላማ

ሶናር ኣቡ ሰላማ

 ኣቡ ሰላማ (ዶልፊን) ኣብ ጕዕዞኡ ንኸባቢኡ ንምድህሳስ፡ በብዓይነቱ ቓዕታን ፋጻን የስምዕ እሞ ነቲ መቓልሑ ይሰምዕ እዩ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ካብቲ እቶም ኣፍንጫ ጥርሙዝ ዝዓይነቶም ኣቡ ሰላማ (ቱርሲኦፕስ ትሩንካቱስ) ዘለዎም ተፈጥሮኣዊ ሶናር ተለዓዒሎም፡ ካብ ህሉው ተክኖሎጂ ዚበልጽ ትሕተ ማያዊ ዜጋጥም ጸገማት ዚፈትሕ መሳርሒ የማዕብሉ ኣለዉ።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሶናር ኣቡ ሰላማ ኣብ ባይታ ባሕሪ፡ ኣብ ሑጻ እተሓብአ ዓሳ ኺረክብ፡ ኣብ መንጎ ዓሳን ከውሕን ድማ ኬለሊ የኽእሎ እዩ። ኣብቲ ኣብ ኤድንበራ፡ ስኮትላንድ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ሃሪዮት-ዋት ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኰይኑ ዚዓዪ ኪት ብራውን፡ ኣቡ ሰላማ “ጥዑም ማይን ማይ ጨውን ሓፊስ ጽማቝን ነዳዲ ዘይትን ዝሓዘ ኣቕሑ ኻብ ዓሰርተ ሜተር [ርሕቀት] ፈላልዩ ኼለልዮ ይኽእል” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ተመሳሳሊ ኽእለት ዘለዎ መሳርሒታት ኬማዕብሉ ይደልዩ እዮም።

ኣቡ ሰላማ ኻብ ዓሰርተ ሜተር ርሕቀት፡ ኣብ ውሽጢ ኣቕሑ ንዘሎ ትሕዝቶ ፈልዩ ኼለልዮ ይኽእል

 ተመራመርቲ ነቲ ኣቡ ሰላማ ዜውጽኦ ድምጽን ናይ ምስማዕ ክእለትን ድሕሪ ምምርማሮም፡ ኪቐድሕዎ ይፍትኑ ኣለዉ። ከም ውጽኢቱ፡ እተሓላለኸ ኤለክትሮኒካዊ ነገራት ዝመልኦ ኣቕሓ ሶናር ኣዳልዮም ኣለዉ፣ እቲ ኣቕሓ ድማ ሲልንደር ዝቕርጹ ዀይኑ፡ ንውሓቱ ኻብ ሓደ ሜተር ይሓጽር። ነዚ ድማ ምስ ሓደ ቶርፒዶ ዚመስል ትሕተ ማያዊ ሮቦታዊ መጕዓዝያ ኣተሓሒዞምዎ እዮም። እዚ መሳርሒ እዚ ንባይታ ባሕሪ ብምርማር፡ እተቐብረ ገመዳት ወይ ሻምብቆታት ኪረክብን ብቐጥታ ኸይተንከየ ኺምርምርን ይኽእል። እቶም ነዚ መሳርሒ እዚ ዘማዕበሉ ሰባት፡ ኣብ መጻኢ ነዚ መሳርሒ እዚ ኣብ ኢንዱስትሪ ነዳዲ ዘይትን ጋዝን ኪጥቀሙሉ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ። እቲ ኻብ ኣቡ ሰላማ እተቐድሐ ሶናር ነቲ ሕጂ ዘሎ መሳርሒ ሶናር ዚእክቦ ጸብጻብ ኬስፍሖ፡ ንተክኒከኛታት ኣብ ትሕተ ማይ ኣቕሑ ኪተኽሉ ኸለዉ ብሉጽ ቦታ ንምሕራይ ኪሕግዞም፡ ኣብቲ ዝተኸልዎ ኣቕሑ ጕድኣት ኬጋጥም ከሎ ድማ ኬለልዮ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እግሪ መውጽኢ ነዳዲ ዘይቲ ኽንዲ ጸጕሪ ርእሲ ዚኸውን ነቓዕ እንተ ኣልዩ፡ ወይ እቲ ሻምብቆታት እንተ ተዓቢሱ፡ ኪረኽቦ ይኽእል እዩ።

 እንታይ ይመስለካ፧ ሶናር እቲ ኣፍንጫ ጥርሙዝ ዝዓይነቱ ኣቡ ሰላማ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧