ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ዲ.ኤን.ኤ. ዘለዎ ሓበሬታ ናይ ምኽዛን ዓቕሚ

ዲ.ኤን.ኤ. ዘለዎ ሓበሬታ ናይ ምኽዛን ዓቕሚ

ተጠቀምቲ ኮምፕዩተር፡ ኬድልዮም ከሎ ዚጥቀሙሉ ማእለያ ዘይብሉ ዲጂታዊ ሓበሬታ ኣዳልዮም የቐምጡ እዮም። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ሓበሬታ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ኣብ ዲ.ኤን.ኤ. ንዚቕመጠሉ ዝበለጸ መገዲ ብምቕዳሕ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዲጂታዊ ሓበሬታ ዚኽዘነሉ መገዲ ኼመሓይሽዎ ይደልዩ እዮም።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቲ ኣብ ህያዋን ዋህዮታት ዚርከብ ዲ.ኤን.ኤ.፡ ብቢልዮናት ዚቝጸር ስነ ህይወታዊ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። እቲ ኣብ ትካል ባዮኢንፎርማቲክስ ኤውሮጳ ዚሰርሕ ኒክ ጎልድማን፡ ከምዚ በለ፦ “ነቲ ኣብ ኣዕጽምቲ እቶም . . . ብዕሙር ጸጕሪ እተሸፈኑ ማሞዝ ዚርከብ [ዲ.ኤን.ኤ.] ወሲድና፡ ሓደ ትርጕም ዘለዎ ሓበሬታ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ [ዲ.ኤን.ኤ.] ኣዝዩ ደቂቕን ጽዑቕን እዩ፣ ሓበሬታ ንምኽዛን ድማ ካልእ ምንጪ ሓይሊ ስለ ዘየድልዮ፡ ንዕኡ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝን ምቕማጥን ቀሊል እዩ።” እሞኸ ሰብ ዝሰርሖ ሓበሬታ ኣብ ዲ.ኤን.ኤ. ኪቕመጥ ይኽእልዶ፧ ተመራመርቲ፡ ‘እወ’ ዚብል መልሲ እዮም ዚህቡ።

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ልክዕ ከምቲ ዲጂታዊ ሓበሬታ ዚኽዘነሉ መገዲ ገይሮም፡ ጽሑፍን ስእልን ድምጽን ዘለዎ ፋይላት ኪሕዝ ዚኽእል ዲ.ኤን.ኤ. ኣዳልዮም እዮም። ድሕሪ እተወሰነ እዋን ነቲ እተኸዘነ ሓበሬታ ምስ ረኣይዎ፡ ዋላ ሓንቲ ኸይተለወጠ ብልክዕ ከምቲ ዝነበሮ ረኺቦምዎ እዮም። ካብዚ ተበጊሶም፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣብ ሓንቲ ግራም እትኸውን ኣርቲፊሻል ዲ.ኤን.ኤ.፡ ክንዲ እቲ 3,000,000 ሲዲ ዚሕዞ ሓበሬታ ኬቐምጡ ኸም ዚኽእሉ፡ እቲ ሓበሬታ ድማ ንኣማእታት ዓመታት፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንኣሽሓት ዓመታት ኪቕመጥ ከም ዚኽእል እዮም ደምዲሞም። በዚ ኣገባብ እዚ ተጠቒምካ፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ዲጂታዊ ሓበሬታ ኽትክዝኖ ይከኣል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ዲ.ኤን.ኤ.፡ “እቲ ዝበለጸ መዋህለሊ ሓበሬታ (ወይ ሃርድ ድራይቭ)” ተባሂሉ ዚጽዋዕ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ዲ.ኤን.ኤ. ዘለዎ ሓበሬታ ናይ ምኽዛን ዓቕሚ፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧