ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ካትልፍሽ ዘለዎ ሕብሪ ናይ ምልውዋጥ ክእለት

ካትልፍሽ ዘለዎ ሕብሪ ናይ ምልውዋጥ ክእለት

ካትልፍሽ ምስ ከባቢኡ ተመሳሲሉ ሕብሪ ብምልውዋጥ ከም ዘይርአ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ካትልፍሽ፡ ‘ንድፊ ኣሰራርዓ ኣካላቱ ኣዝዩ እተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ ብኡብኡ ኺለዋወጥ ይኽእል እዩ።’ ከምኡ ኺገብር ዚኽእል ግና ብኸመይ እዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ካትልፍሽ፡ ክሮማቶፎር ዚብሃል ፍሉይ ዓይነት ዋህዮ ኣብ ትሕቲ ቘርበቱ ስለ ዘለዎ እዩ ሕብሩ ኪቐያይር ዚኽእል። እቲ ክሮማቶፎር፡ ሕብሪ ዝሓዘ ኸረጺታት ኣለዎ፣ ብእተፈላለየ ንኣሽቱ ጭዋዳታት ድማ እተኸብበ እዩ። ካትልፍሽ ሕብሩ ኺለዋውጥ ኪደሊ ኸሎ፡ ኣእምሮኡ ኣብ ከባቢ እቲ ኸረጺታት ናብ ዘሎ ጭዋዳታት መልእኽቲ ይልእኽ። ድሕሪኡ፡ እቲ ኸረጺታትን እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሕብርታትን ይዝርጋሕ፣ እቲ ካትልፍሽ ድማ ቀልጢፉ ሕብሩን ቅርጹን ይለዋውጥ። ከምኡ ዚገብር፡ ከም ዘይርአ ንምዃን ጥራይ ዘይኰነስ፡ መጻምድቲ ንምስሓብን መልእኽቲ ንምምሕልላፍን እውን እዩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ብሪስቶል፡ ዓዲ እንግሊዝ ዚርከቡ መሃንድሳት፡ ምስ ናይ ካትልፍሽ ዚመሳሰል ቈርበት ሰሪሖም እዮም። ነዚ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኸም ጭዋዳታት ካትልፍሽ ኰይኑ ዚዓዪ መሳርያ፡ ጸፊሕ ዝቕርጹ ጸሊም ጎማ ብምእታው እዮም ሰሪሖምዎ። እቶም ተመራመርቲ ነቲ ቘርበት ኤሌክትሪክ ምስ ገበሩሉ፡ እቲ መሳርያ ነቲ ጸፊሕ ጸሊም ጎማ ኸም ዚዕጸፍን ከም ዚዝርጋሕን ብምግባር፡ ንሕብሪ እቲ ቘርበት ኣጸሊምዎን ለዋዊጥዎን እዩ።

ጆናታን ሮሲተር ዚብሃል መሃንድስ፡ ንጭዋዳታት ካትልፍሽ፡ “ተፈጥሮ ዝሰርሓቶ ዜደንቕ ልስሉስ ቅርጽታት” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ፣ ብዛዕባ እዚ ሰፊሕ ምርምር ምስ ተገበረ፡ ሓንቲ ኻልኢት ኣብ ዘይትመልእ ግዜ ሕብሪ ኪቕይር ዚኽእል ክዳን ኪስራሕ ይኽእል ይኸውን። ውዒሉ ሓዲሩ፡ ካብ ቈርበት ካትልፍሽ እተቐድሐ፡ ምስ ከባቢኡ ዚመሳሰል ወይ ፋሽን ዝዀነ ኽዳን ኪስራሕ ይኽእል እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ካትልፍሽ ዘለዎ ሕብሪ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧