ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

እግሪ ፈረስ

እግሪ ፈረስ

ፈረስ ኣብ ሰዓት 50 ኪሎ ሜተር ኪጋልብ ይኽእል እዩ። ከምኡ ምግባር ከቢድ ጕልበት ዜድልዮ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ፈረስ ዜውጽኦ ጕልበት ግና ብተዛማዲ ሒደት እዩ። እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧ እቲ ምስጢር፡ ኣብ እግሪ እቲ ፈረስ እዩ ዘሎ።

ፈረስ ኪጋልብ ከሎ እንታይ ከም ዚኸውን እስከ ንርአ። እቲ ልክዕ ከም ላስቲክ ዚምጠጥ ጭዋዳን ጅማትን እቲ ፈረስ፡ ኣእጋር እቲ ፈረስ ኣብ መሬት ኪረግጽ ከሎ፡ ሓይሊ ይእክብ፣ እቲ ፈረስ ብዝያዳ ንቕድሚት ምእንቲ ኺጋልብ ድማ፡ እቲ ጅማት መሊሱ ልክዕ ከም ሞላ ይነጥር።

ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ፈረስ ኪጋልብ ከሎ፡ ኣብ ኣእጋሩ ብልዑል መጠን ተዘዝታ ይስምዖ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንጅማቱ ኺጐድኦ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ኣእጋሩ ዘሎ ጭዋዳ ነቲ ተዘዝታ ኸም ዘይወጽእ ይገብሮ። ተመራመርቲ ንኣእጋር ፈረስ፡ “ኣዝዩ ፍሉይ ንድፊ ጭዋዳን ጅማትን” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎ፣ እዚ ኸኣ ንፈረስ፡ ቅልጣፈን ብርታዐን እዩ ዚውስኸሉ።

መሃንድሳት ነቲ እግሪ ፈረስ እተነድፈሉ መገዲ ብምቕዳሕ፡ ኣርባዕተ ኣእጋር ዘለዎ ሮቦት ኪሰርሑ ይፍትኑ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ትካል ተክኖሎጂ ማሳቹሰትስ ዚርከብ ኣብ ተፈጥሮ ተመርኲሱ ሮቦት ዚሰርሕ ቤተ ምከራ ኸም ዝገለጾ፡ እቲ እግሪ ፈረስ እተነድፈሉ መገዲ ኣዝዩ እተሓላለኸ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ኣብ ግዜና ዘሎ ናውትን ናይ ምህንድስና ፍልጠትን ተጠቒምካ ኽትቀድሖ ኸቢድ እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ እግሪ ፈረስ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧