ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ጫፉ ንላዕሊ እተዓጽፈ ኣኽናፍ ኣዕዋፍ

ጫፉ ንላዕሊ እተዓጽፈ ኣኽናፍ ኣዕዋፍ

ሓንቲ ነፋሪት ክትበርር ከላ፡ ካብ ጫፍ ኣኽናፋ፡ ብናህሪ ዚጠዋወ ኣየር ትፍኑ እያ። እዚ ኣየር እዚ ድማ፡ ነታ ነፋሪት ንድሕሪት ኪጐትታን ብዙሕ ነዳዲ ኸም እትጥቀም ኪገብራን ይኽእል እዩ። ነተን ደድሕሪኣ ዚስዕባ ነፈርቲ ኸኣ፡ ኪወቕዐን ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ካብ ሓደ መጕየ ነፋሪት ተኸታቲለን ዚብገሳ ኽልተ ነፈርቲ፡ እቲ ብናህሪ ዚጠዋወ ኣየር ክሳዕ ዚብተን ተጸብየን እየን ዚነቕላ።

መሃንድሳት ነፈርቲ ነቲ ጸገም ንኺንክይዎ ዜኽእሎም መገዲ ረኺቦም እዮም። እቲ ዝረኸብዎ መፍትሒ እንታይ እዩ፧ ንኣኽናፍ እቶም ኣብ ኣየር ዚንሳፈፉ ኸም ኣሞራን ንስርን ራዛን ዝኣመሰሉ ኣዕዋፍ ብምቕዳሕ፡ ኣብ ጫፉ ንላዕሊ እተዓጽፈ ኽንፊ ሰርሑ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቶም ዓበይቲ ኣዕዋፍ ኣብ ኣየር ኪንሳፈፉ ኸለዉ፡ ጫፍ ኣኽናፎም ዳርጋ ትኽ ኢሉ ንላዕሊ ይዕጸፍ እዩ። ኣኽናፍ እቶም ኣዕዋፍ ዋላ እውን ሓጺር ይኹን፡ ጫፍ ኣኽናፎም ንላዕሊ እተዓጽፈ ስለ ዝዀነ፡ ብዝያዳ ልዕል ኢሎም ኪንሳፈፉ ይኽእሉ እዮም። ብቐሊሉ ንኺነፍሩ ድማ ይሕግዞም። መሃንድሳት፡ ምስ ናይ ኣዕዋፍ ዚመሳሰል ክንፊ ነፈርቲ ነዲፎም እዮም። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምርምርን ፈተነን ምስ ኣካየዱ፡ ክንፊ ነፋሪት ኣብ ጫፉ ብልክዕ ንላዕሊ እተዓጽፈ እንተ ዀይኑ፡ ምስ ጸቕጢ ኣየር ብዚሰማማዕ መገዲ ድማ እንተ ተሰሪሑ፡ እታ ነፋሪት ብዝሓሸ መገዲ ኸም እትበርር ፈለጡ፣ ሎሚ እቲ ምምሕያሽ ብ10 ሚእታዊት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ወሲኹ ኣሎ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ጫፉ ንላዕሊ እተዓጽፈ ኽንፊ፡ ነቲ ኻብታ ነፋሪት ዚወጽእ ኣየር ስለ ዚንክዮ፡ ንድሕሪት ብዙሕ ኣይጐትታን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ፍላይት ከም ዝገለጾ፡ ክንፊ እታ ነፋሪት ንላዕሊ እተዓጽፈ እንተ ዀይኑ፡ “ነቲ መብዛሕትኡ እዋን ነታ ነፋሪት ዚጐትታ ነገር ኪንክዮ፡” ብዝያዳ ድማ ንቕድሚት ኪደፍኣ ይኽእል እዩ።

ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ጫፉ ንላዕሊ እተዓጽፈ ኽንፊ፡ ነታ ነፋሪት ዝያዳ ርሕቀት ንኽትጓዓዝን ዝያዳ ኽብደት ንኽትስከምን የኽእላ፣ ሓጺር ክንፊ ስለ ዚህልዋ ድማ፡ ክትዓርፍ ከላ ብዙሕ ቦታ ኣይትሕዝን እያ፣ ነዳዲ እውን ትቝጥብ እያ። ንኣብነት፡ ትካል ምርምር ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ከም ዝሓበሮ፡ ብ2010 እተፈላለያ መገድታት ኣየር፡ “ኣብ መላእ ዓለም 7,600 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ኪቝጥባ ኽኢለን እየን፣” እዚ ኸኣ ነቲ ነፈርቲ ዜውጽኣኦ በካሊ ጋዝ ኣዝዩ ነክይዎ እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ጫፉ ንላዕሊ እተዓጽፈ ኣኽናፍ ኣዕዋፍ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧