ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ኣብ እግሪ ኢሰስ ሊፍሆፐር ዚርከብ ኣስናን

ኣብ እግሪ ኢሰስ ሊፍሆፐር ዚርከብ ኣስናን

ንሓድሕዱ ዚገጣጠም ሰናን መንኰርኰር ንነዊሕ እዋን፡ ደቂ ሰብ ብምስትውዓሎም ዝመሃዝዎ ነገር ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚሕሰብ ነይሩ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ግና፡ ጌጋ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ። ንሓድሕዱ ዚገጣጠም ኣስናን፡ ኣብ እግሪ እቲ ንኹብኩብታ ዚመስል ኢሰስ ሊፍሆፐር ዚብሃል ውልዶ ፍጥረት ተረኺቡ እዩ፣ እዚ ሓሸራ እዚ፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኣታኽልቲ ይርከብ እዩ። *

እዚ ውልዶ ሓሸራ እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ኻልኢት፡ 3.9 ሜተር ኪነጥር ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኣካሉ ኻብ ሓይሊ ስሕበት ኣስታት 400 ሳዕ ንላዕሊ ጸቕጢ ብምግባር እዩ ዚነጥር ማለት እዩ። ብቕጽበት ድማ ካብ ዓይኒ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ። እቲ ሓሸራ ብኸምዚ ዓይነት ፍጥነት ኪነጥር እንተ ዀይኑ፡ ክልቲአን እተን ዳሕረዎት ኣእጋሩ ኣብ ሓደ እዋንን ብተመሳሳሊ ሓይልን ኪጥቀመለን ኣለዎ ማለት እዩ። ብልክዕ ከምኡ ኺገብር ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኣብ ዳሕረዎት ኣእጋር እቲ ሓሸራ ኣብ ሸነኽ ታሕቲ፡ ንሓድሕዱ ዚገጣጠም ኣስናን ረኺቦም እዮም። እቲ ሓሸራ ኺነጥር ከሎ፡ እቲ ኣስናን፡ ክልቲአን ኣእጋር እቲ ሓሸራ ብማዕረ ኸም ዚነጥራ ይገብር። ከምኡ እንተ ዘይከውን፡ እቲ ሓሸራ ናብ ዝዀነ ይኹን ኣንፈት ብምንጣር ኣብ ኣየር ሕምብሊል ምበለ ነይሩ።

ዓበይቲ ፍጥረታት ኪነጥሩ ኸለዉ፡ ኣእጋሮም ብማዕረ ምእንቲ ኻብ መሬት ኪልዓል፡ ኣብ ስርዓተ መትኖም እዮም ዚምርኰሱ። ስርዓተ መትኒ እቲ ሊፍሆፐር ዚብሃል ውልዶ ሓሸራ ግና፡ ኣዝዩ ደንጓዪ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ንሓድሕዱ ዚገጣጠም ኣስናን ዘለዎ። ግሪጎሪ ሱተን ዝስሙ ደራስን ተመራማርን፡ “ንሓድሕዱ ዚገጣጠም ሰናን መንኰርኰር፡ ደቂ ሰብ ኣብ ዝነደፍዎ ማሽናት ዚርአ ነገር ጌርና ኢና እንሓስቦ” በለ። ከምኡ ብዛዕባ ዝዀነሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ ድማ፡ “[ኣብ ካልእ] ኣጸቢቕና ስለ ዘይደለና እዩ” በለ።

እንታይ ይመስለካ፧ ኣብ እግሪ ኢሰስ ሊፍሆፐር ዚርከብ ንሓድሕዱ ዚገጣጠም ኣስናን፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

^ ሕ.ጽ. 3 እቲ ሓሸራ ኣብ ምሉእ ኣካላዊ ዕቤት ምስ በጽሐ፡ ነቲ ናይ ቀደም ኣካሉ ገፊፉ ስለ ዚድርብዮ፡ እቲ ኣብ እግሩ ዘሎ ንሓድሕዱ ዚገጣጠም ኣስናን እውን ተቐሪፉ ይወድቕ እዩ።