ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናት ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናት ድዮም፧

 እወ፡ ክርስትያናት ኢና። ከምኡ እንብለሉ ምኽንያታት ድማ እንሆ፦

  •   ንትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ጠቢቕና ንስዕብ፡ ንባህርያቱ ድማ ንቐድሖ ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:21

  •   የሱስ ቀንዲ መገዲ ድሕነት ምዃኑ ንኣምን ኢና። ከመይሲ፡ “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን።”—ግብሪ ሃዋርያት 4:12

  •   ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀኑ ኸለዉ፡ ብስም የሱስ እዮም ዚጥመቑ።—ማቴዎስ 28:18, 19

  •   ጸሎትና ብስም የሱስ ኢና እነቕርብ።—ዮሃንስ 15:16

  •   የሱስ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ስልጣን እተዋህቦ ርእሲ ኸም ዘለዎ ንኣምን ኢና።—1 ቈረንቶስ 11:3

 እንተዀነ ግና፡ ክርስትያን ካብ ዚብሃሉ ኻልኦት ሃይማኖታት ዚፈልየና ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ንኣብነት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ እምበር፡ ክፍሊ ስላሴ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይምህር ንኣምን ኢና። (ማርቆስ 12:29) ነፍሲ ኸም ዘይትመውት፡ እቲ ‘ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ሲኦል ንዘለኣለም የስቕዮም እዩ’ ዚብል ትምህርቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኸም ዝዀነ፡ ከምኡ እውን እቶም ንሃይማኖታዊ ንጥፈታት ዚመርሑ ሰባት፡ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኽብ ዜብሎም መዓርጋት ኪውሃቦም ከም ዘለዎ ኣይንኣምን ኢና።—መክ. 9:5፣ ህዝ. 18:4፣ ማቴ. 23:8-10