ህዝቅኤል 18:1-32

  • ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ተሓታቲ እዩ (1-32)

    • እታ እትሓጥእ ነፍሲ ኽትመውት እያ (4)

    • ወዲ ብሓጢኣት ኣቦኡ ኣይቅጻዕን (19, 20)

    • ብሞት እኩይ ባህ ኣይብሎን (23)

    • ንስሓ፡ ህይወት የምጽእ (27, 28)

18  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦  “እዚ ኣብ ምድሪ እስራኤል እትምስልዎ፡ ‘ኣቦታት መጺጽ ወይኒ በልዑ፣ ግናኸ፡ ኣስናን ደቂ ኰዀየ’ ዚብል ምስላ እንታይ ማለት እዩ፧+  “‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ነዚ ምስላ እዚ ድሕሪ ደጊም ኣብ እስራኤል ኣይክትምስልዎን ኢኹም።  እንሆ፡ ኵለን ነፍሳት* ናተይ እየን። ነፍሲ ኣቦን ነፍሲ ወድን ናተይ እየን። እታ እትሓጥእ ነፍሲ፡* ንሳ ኽትመውት እያ።  “‘ሓደ ሰብ ጻድቕ እንተ ዀይኑ፡ ፍትሕን ቅንዕናን ዚገብር፡  ኣብ ኣኽራን ንጣኦት ዝቐረበ መስዋእቲ ዘይበልዕ፡+ ናብቶም ጽዩፋት ጣኦታት* ቤት እስራኤል ዘይጥምት፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስ፡+ ብጻግኒኣ ናብ ዘላ ሰበይቲ ዘይኣቱ፡+  ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፡+ የግዳስ ነቲ ብዓል ዕዳ ዝሃቦ ትሕጃ ዚመልስ፡+ ንሓደ እኳ ዘይዘምት፡+ የግዳስ እንጌራኡ ንጥሙይ ዚህብን+ ንዕሩቕ ክዳን ዚኸድንን፡+  ወለድ ዘየኽፍል፡ ሓረጣ ዘየሕርጥ፡+ የግዳስ ካብ ዓመጻ ርእሱ ዚገትእ፡+ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ካልእን ፍትሒ ዜውጽእ፡+  ብሕግታተይ ዚመላለስ፡ ብተኣማንነት ምእንቲ ኺመላለስ ድማ ፍርድታተይ ዚሕሉ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ ጻድቕ እዩ፡ ብርግጽ ከኣ ብህይወት ኪነብር እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 10  “‘ግናኸ፡ ንሱ ዘማቲ+ ወይ ቀታል ነፍሲ*+ ወይ ሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ ዚገብር ወዲ እንተ ወሊዱ፡ 11  (እቲ ኣቦ ሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ እኳ እንተ ዘይገበረ፡)—ንሱ ኣብ ኣኽራን ንጣኦት ዝቐረበ መስዋእቲ ዚበልዕ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዜርክስ፡ 12  ንስኡንን ንድኻን ዚገፍዕ፡+ ዘሚቱ ዝወስድ፡ ትሕጃ ዘይመልስ፡ ናብ ጽዩፋት ጣኦታት ዚጥምት፡+ ፍንፉን ተግባራት ዚገብር፡+ 13  ሓረጣ ዜሕርጥ፡ ወለድ ድማ ዜኽፍል እንተ ዀይኑ፡+ እቲ ወዲ ብህይወት ኣይኪነብርን እዩ። ብሰሪ ዅሉ እዚ ዝገበሮ ፍንፉን ነገራት፡ ብርግጽ ኪቕተል እዩ። ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። 14  “‘ግናኸ፡ ሓደ ኣቦ ወዲ እንተ ወሊዱ እሞ፡ ንሱ ድማ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት ዚርኢ ኽነሱ፡ ከምኡ ዘይገብር እንተ ዀይኑ፡ 15  ኣብ ኣኽራን ንጣኦት ዝቐረበ መስዋእቲ ዘይበልዕ፡ ናብ ጽዩፋት ጣኦታት ቤት እስራኤል ዘይጥምት፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስ፡ 16  ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፡ ትሕጃ ዘይሕዝ፡ ዘሚቱ ዘይወስድ፡ እንጌራኡ ንጥሙይ ዚህብ፡ ንዕሩቕ ክዳን ዚኸድን፡ 17  ንድኻ ኻብ ምጭቋን ርእሱ ዚገትእ፡ ሓረጣ ዘየሕርጥ፡ ወለድ ዘየኽፍል፡ ፍርድታተይ ዚፍጽም፡ ብፍርድታተይ ድማ ዚመላለስ እንተ ዀይኑ፡ ብስሕተት ኣቦኡ ኣይኪመውትን እዩ። ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። 18  ኣቦኡ ግና ዓማጺ ስለ ዝዀነን ንሓዉ ስለ ዝዘመተን ኣብ መንጎ ህዝቡ ኽፉእ ስለ ዝገበረን፡ ንሱ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ። 19  “‘ንስኻትኩም ግና፡ “ስለምንታይ እዩ ወዲ ብስሕተት ኣቦኡ በደል ዘይጸውር፧” ትብሉ ኢኹም። እቲ ወዲ ፍትሕን ጽድቅን ስለ ዝገበረ፡ ኵሉ ሕግታተይ ድማ ስለ ዝሓለወን ስለ ዝገበረን፡ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ 20  እታ እትሓጥእ ነፍሲ፡* ንሳ ኽትመውት እያ።+ ወዲ ብስሕተት ኣቦኡ በደል ኣይኪጸውርን እዩ፣ ኣቦ ኸኣ ብስሕተት ወዱ በደል ኣይኪጸውርን እዩ። ጽድቂ ጻድቕ ንዕኡ ጥራይ እዩ ዚቝጸረሉ፣ እከይ እኩይ እውን ንዕኡ ጥራይ እዩ ዚቝጸረሉ።+ 21  “‘እኩይ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት እንተ ተመሊሱ እሞ፡ ሕግታተይ እንተ ሓልዩ፡ ፍትሕን ጽድቅን ድማ እንተ ገይሩ፡ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣይኪመውትን እዩ።+ 22  ካብቲ ዝገበሮ ኣበሳ ብሓደ እኳ ተሓታቲ ኣይኪኸውንን* እዩ።+ ጽድቂ ብምግባሩ ብህይወት ኪነብር እዩ።’+ 23  “‘ብሞት እኩይዶ ባህ ይብለኒ እዩ፧’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ካብ መገድታቱ ተመሊሱ ብህይወት ኪነብር ደይኰንኩን ዝመርጽ፧’+ 24  “‘ግናኸ፡ ጻድቕ ጽድቁ እንተ ሓዲጉን እንተ በዲሉን፡* እኩይ ዚገብሮ ዅሉ ፍንፉን ድማ እንተ ገይሩ፡ ብህይወትዶ ኺነብር እዩ፧ ካብቲ ጽድቁስ ሓደ እኳ ኣይኪዝከረሉን እዩ።+ ብዝጠለሞ ጥልመትን ብዝገበሮ ሓጢኣትን ኪመውት እዩ።+ 25  “‘ንስኻትኩም ግና፡ “መገዲ የሆዋ ኣይቅኑዕን እዩ” ትብሉ ኢኹም።+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በጃኹም ስምዑ! መገደይ ድዩ ዘይቅኑዕ፧+ መገድታትኩም ደይኰነን ዘይቅኑዕ፧+ 26  “‘ጻድቕ ጽድቁ እንተ ሓዲጉን እንተ በዲሉን ብሰሩ እንተ ሞይቱን፡ ብበደሉ እዩ ዚመውት። 27  “‘እኩይ ድማ ካብቲ ዝገበሮ እከይ እንተ ተመሊሱ እሞ ፍትሕን ጽድቅን እንተ ገይሩ፡ ንሱ ህይወቱ* ኼድሕን እዩ።+ 28  ኣስተውዒሉ ኻብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ኣበሳ እንተ ተመሊሱ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣይኪመውትን እዩ። 29  “‘ግናኸ፡ ቤት እስራኤል፡ “መገዲ የሆዋ ኣይቅኑዕን እዩ” ይብሉ እዮም። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ መገድታተይ ድዩ ዘይቅኑዕ፧+ መገድታትኩም ደይኰነን ዘይቅኑዕ፧’ 30  “‘ስለዚ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድታትኩም ክፈርደኩም እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ተመለሱ፣ እወ፡ በደልቲ ዚገብረኩም መዐንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፡ ካብ ኵሉ ኣበሳኹም ጠሪስኩም ተመለሱ። 31  ርእስኹም ካብ ኵሉ እቲ ዝኣበስኩምዎ ኣበሳ ኣርሕቑ፣+ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ኣጥርዩ።*+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይከ እትሞቱ፧’+ 32  “‘ብሞት ሓደ እኳ ባህ ኣይብለንን እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ስለዚ፡ ተመለሱ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።’”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኵሉ ህይወት።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “እቲ ዚሓጥእ ሰብ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍሳሲ ደም።”
ወይ፡ “እቲ ዚሓጥእ ሰብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣይኪዝከረሉን።”
ወይ፡ “እንተ ዓሚጹን።”
ወይ፡ “ነፍሱ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ግበሩ።”