ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብየሱስ ይኣምኑ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብየሱስ ይኣምኑ ድዮም፧

 እወ። ብየሱስ ንኣምን ኢና። ንሱ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:6) የሱስ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኸም ዝመጸን ፍጹም ህይወቱ ንሰባት መስዋእታዊ በጃ ገይሩ ኸም ዝሃበን ንኣምን ኢና። (ማቴዎስ 20:28) ሞቱን ትንሳኤኡን ነቶም ኣብኡ ዚኣምኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ሕጂ የሱስ፡ ንጉስ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ እውን ንኣምን ኢና፣ እዛ መንግስቲ እዚኣ ድማ፡ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ሰላም ከተስፍን እያ። (ራእይ 11:15) ግናኸ፡ ነቲ የሱስ፡ “ካባይ ኣቦ ይዓቢ እዩ” ዝበሎ ቓል ንኣምን ኢና። (ዮሃንስ 14:28) ስለዚ፡ የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይነምልኾን ኢና።