ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድንግል ማርያም—መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ እንታይ ይብል፧

ድንግል ማርያም—መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ እንታይ ይብል፧

 መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ማርያም ኣደ የሱስ ገና ድንግል ከላ ንየሱስ ናይ ምውላድ ፍሉይ ክብሪ ኸም ዝረኸበት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ተኣምር እዚ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ተነብይዎ ነይሩ እዩ፣ ፍጻመኡ ኸኣ ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ሉቃስን ተመዝጊቡ ኣሎ።

 ኢሳይያስ ኣብቲ ብዛዕባ ልደት መሲሕ ዚገልጽ ትንቢቱ፡ “እንሆ፡ ጓል ክትጠንስ፡ ወዲ እውን ክትወልድ እያ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 7:14) ማቴዎስ እቲ ጸሓፍ ወንጌል ከኣ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ትንቢት ኢሳይያስ ኣብቲ ማርያም ንየሱስ ዝጠነሰትሉ ኣጋጣሚ ኸም እተፈጸመ ገሊጹ ኣሎ። ማርያም ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዝጠነሰት ድሕሪ ምዝንታዉ ድማ፡ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “እዚ ዅሉ፡ እቲ የሆዋ ብነብይኡ ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ እተዛረቦ ምእንቲ ኺፍጸም ኰነ፦ ‘እንሆ፡ ድንግል a ክትጠንስ፡ ወዲ እውን ክትወልድ እያ፣ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡’ ትርጉሙ ድማ፡ ‘ኣምላኽ ምሳና እዩ’ ማለት እዩ።”—ማቴዎስ 1:22, 23

 ሉቃስ እቲ ጸሓፍ ወንጌል እውን ብዛዕባ ተኣምራዊ ጥንሲ ማርያም መዝጊቡ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ ኣምላኽ ንገብርኤል መልኣኽ ከም ዝለኣኾ ድሕሪ ምሕባሩ፡ “[ገብርኤል] ናብታ ኻብ ቤት ዳዊት፡ ንዮሴፍ ዝስሙ ሰብኣይ እተሓጽየት ድንግል ድማ እዩ እተላእከ፣ ስም እታ ድንግል ከኣ ማርያም ነበረ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ሉቃስ 1:26, 27) ሽዑ፡ ማርያም ድንግል ምዃና ገለጸት። ኣደ የሱስ፡ ማለት ኣደ መሲሕ ከም እትኸውን ምስ ሰምዐት፡ “ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ዘይገብር ክነሰይሲ፡ እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧” ኢላ ሓተተት።—ሉቃስ 1:34

 ድንግል ከላ ኽትወልድ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

 ማርያም ብመንፈስ ቅዱስ እያ ጠኒሳ፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብ ዕዮ ዚነጥፍ ዘሎ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። (ማቴዎስ 1:18) ንማርያም ድማ፡ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ፡ ሓይሊ እቲ ልዑል እውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ እቲ ዚውለድ፡ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ b ኪብሃል እዩ” ተባሂሉ ተነጊርዋ እዩ። (ሉቃስ 1:35) ኣምላኽ ንህይወት ወዱ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ናብ ማሕጸን ማርያም ብምምሕልላፍ፡ ከም እትጠንስ ገይሩ እዩ።

 የሱስ ካብ ድንግል እተወልደሉ ዕላማ እንታይ እዩ፧

 ኣምላኽ ንየሱስ ካብ ድንግል ከም ዚውለድ ብምግባር ፍጹም ሰብነት ሂብዎ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሱስ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ኬድሕኖም ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ እብራውያን 10:5) ኣምላኽ ንህይወት ወዱ ናብ ማሕጸን ማርያም ኣሰጋገሮ። ድሕሪኡ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ድቂ፡ ዘይፍጽምና ዚብሃል ከይወርስ ተኸላኸለሉ።—ሉቃስ 1:35

 በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ፍጹም ሰብ ኰይኑ፡ ማለት ምስቲ ኣዳም ቅድሚ ምሕጣኡ ዝነበሮ ደረጃ ማዕረ ዀይኑ ተወልደ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ፡ “ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን” ኢሉ ይገልጽ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:22) የሱስ ፍጹም ሰብ ብምንባሩ፡ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን በጃ ኪኸፍል ይኽእል ነይሩ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:21, 22፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6

 ማርያም ድንግል ኰይናዶ ቐጺላ እያ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማርያም ንሓዋሩ ድንግል ኰይና ኸም ዝቐጸለት ኣይምህርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካልኦት ደቂ ኸም ዝነበርዋ ይሕብር እዩ።—ማቴዎስ 12:46፣ ማርቆስ 6:3፣ ሉቃስ 2:7፣ ዮሃንስ 7:5

የሱስ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝነበርዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ

 ማርያም ካብ እትጥነስ ኣትሒዛ፡ ካብቲ ኻብ ኣዳም ዚውረስ ሓጢኣት ሓራ ድያ ነይራ፧

 ኣይፋልን። ኣብ ገሊኡ ሃይማኖታት ካብ ሓጢኣት ሓራ ምንባራ ይእመነሉ እዩ። ንኣብነት፡ ብመሰረት ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ድንግል ማርያም ካብ መጀመርታ ህይወታ፡ ማለት ካብ እትጥነስ ኣትሒዛ፡ ካብቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ሓራ እያ። ዝተረፉ ደቂ ሰብ ብሓጢኣት እተበከለ ሰብኣዊ ባህርይ እዮም ወሪሶም። . . . ማርያም ግና ብፍሉይ ጸጋ በቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ከይትትንከ ተዓቂባ እያ።” c

 ማርያም ካብቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ሓራ ኸም ዝነበረት ዚሕብር ትምህርቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ። (መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 5:12) መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ማርያም ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኻብ ኣዴታት ዚሕተት ሓጢኣት ዜተዓርቕ መስዋእቲ ኸተቕርብ ከላ፡ ሓጥእ ምዃና እያ ኣርእያ። (ዘሌዋውያን 12:2-8፣ ሉቃስ 2:21-24) ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እቲ ማርያም ነቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ከም ዘይወረሰት ዚገልጽ ትምህርቲ፡ “ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር የሎን። . . . ቤተ ክርስትያን ዝበጽሓቶ መደምደምታ እዩ” ኢሉ ኣሎ።

 ንማርያም ብኸመይ ክንርእያ ኣሎና፧

 ማርያም ብእምነታን ብተኣዛዝነታን ብትሕትናኣን በቲ ዓሚቝ መንፈሳውነታን ጽቡቕ ኣብነት ትዀነና እያ። ካብቶም ብእምነቶም ክንመስሎም ዘሎና ሰባት እውን እያ።—እብራውያን 6:12

 ማርያም ከም ኣደ የሱስ መጠን ፍሉይ ግደ እኳ እንተ ነበራ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ከነምልኻ ዀነ ናብኣ ኽንጽሊ ኣይምህርን እዩ። የሱስ ንኣዲኡ ኻብ ካልኦት ንበይና ፍሉይ ኣኽብሮት ኣይሃባን፣ ንሰዓብቱ እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣይኣዘዞምን። እኳ ደኣስ፡ ማርያም ካብቲ ኣብ ኣርባዕተ ወንጌላት ብተደጋጋምን ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ሓንሳእን እተጠቕሰትሉ ወጻኢ፡ ኣብ ዝተረፈ 22 መጻሕፍቲ እቲ ሓድሽ ኪዳን ኣይንረኽባን ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 1:14

 ማርያም ኣሽምባይ ኣምልኾስ፡ ፍሉይ ቈላሕታ እኳ ኸም ዝረኸበት ዚሕብር ነገር ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት የልቦን። ኣብ ክንዳኡስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ ንኣምላኽ ጥራይ ኬምልኹ እዩ ዚምህሮም።—ማቴዎስ 4:10

a እታ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ “ጓል” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ዓልማህ’ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ንድንግል ወይ ድንግል ንዘይኰነት ኬመልክት ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ማቴዎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ድንግል” ዝትርጕማ ፓራተኖስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እዩ ተጠቒሙ።

b ገሊኦም፡ እቲ “ወዲ ኣምላኽ” ዚብል መግለጺ፡ ኣምላኽ ምስ ሰበይቲ ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበረ ስለ ዚእምት፡ ይቃወምዎ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምኡ ዓይነት ሓሳብ ኣየመሓላልፍን እዩ። የሱስ ንበይኑ ብኣምላኽ ብቐጥታ እተፈጥረ ቐዳማይ ፍጡር ብምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ፡ “ወዲ ኣምላኽ”ን “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት”ን ኢሉ ይጽውዖ እዩ። (ቈሎሴ 1:13-15) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም እውን፡ “ወዲ ኣምላኽ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ። (ሉቃስ 3:38) ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣዳም ብኣምላኽ ስለ እተፈጥረ እዩ።

c ካልኣይ ሕታም፡ 7ይ ጥራዝ፡ ገጽ 331።