1 ጢሞቴዎስ 2:1-15

  • ምእንቲ ዅሉ ዓይነት ሰብ ጸልዩ (1-7)

    • ሓደ ኣምላኽ፡ ሓደ መንጎኛ (5)

    • ኣብ ክንዲ ዅሉ ዝዀነ ተመዓራራዪ በጃ (6)

  • ንሰብኡትን ንኣንስትን እተዋህበ ትእዛዝ (8-15)

    • ትሕትና ብዜርኢ ኽዳውንቲ ተሰለማ (9, 10)

2  ቅድሚ ዅሉ እምበኣር፡ ምህለላን ጸሎትን ማልዶትን ምስጋናን ምእንቲ ዅሉ ዓይነት ሰብ፡  ምእንቲ ነገስታትን ምእንቲ ዅሎም ሰበ ስልጣንን እውን ኪቐርብ እምዕድ ኣለኹ።+ ንኣምላኽ ብዘሎና ምሉእ ተወፋይነትን ብምሉእ ርዝነትን፡ ብህድኣትን ብርግኣትን ምእንቲ ኽንነብር ኢና ኸምኡ እንገብር።+  እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ኣምላኽ+ ሰናይን ቅቡልን እዩ፣  ንሱ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን+ ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።  ኣምላኽሲ ሓደ እዩ፣+ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰባትን ከኣ፡+ ሓደ መንጎኛ እዩ ዘሎ፣+ ንሱ ድማ እቲ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ እዩ።+  ኣብ ክንዲ ዅሉ* እውን ገዛእ ርእሱ ተመዓራራዪ በጃ ገይሩ ሂቡ እዩ፣+ ብዛዕባ እዚ ኸኣ እዩ ብግዜኡ ዚምስከር።  ምእንቲ እዚ ምስክር እዚ ድማ፡+—ሓቂ እብል ኣለኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡—ሰባኽን ሃዋርያን፡+ ማለት ብዛዕባ እምነትን ሓቅን መምህር ኣህዛብ+ ኰይነ ተሸይመ እየ።  እምበኣር፡ ሰብኡት ብዘይ ቍጥዓን+ ክትዕን+ እሙናት ኣእዳው ኣልዒሎም፡+ ኣብ ኵሉ ቦታ ብቐጻሊ ኺጽልዩ እደሊ ኣለኹ።  ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቝኖ፡ ብወርቂ፡ ብሉል፡ ወይስ ብኣዝዩ ኽቡር ክዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ትሕትናን ልብምናን* ብዜርኢ ግቡእ* ክዳውንቲ፡+ 10  ንኣምላኽ ተወፋይነት ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡+ ማለት ብሰናይ ግብሪ ይሰለማ። 11  ሰበይቲ ብዅሉ እናተገዝአት ብጸጥታ* ትመሃር።+ 12  ሰበይቲ ብጸጥታ* ኽትነብር እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ ኣይፈቅድን እየ።+ 13  ከመይሲ፡ ቅድም ኣዳም እዩ ተገይሩ፣ ደሓር ከኣ ሄዋን።+ 14  ኣዳም ኣይተታለለን፣ እታ ሰበይቲ ግና ኣጸቢቓ ተታሊላስ+ ኣቢሳ እያ። 15  ሰበይቲ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ልብምና*+ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ደሓን ክትከውን እያ።*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዅሉ ዓይነት ሰብ።”
ወይ፡ “ምምዝዛንን።”
ወይ፡ “ዘየሕፍር።”
ወይ፡ “ ብስቕታ፣ ብህድኣት።”
ወይ፡ “ብስቕታ፣ ብህድኣት።”
ወይ፡ “ምምዝዛን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኪዀና እየን።”