ዮሃንስ 3:1-36

  • የሱስን ኒቆዲሞስን (1-21)

    • ዳግም ምውላድ (3-8)

    • ኣምላኽ ንዓለም ኣፍቀራ (16)

  • ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ምስክርነት (22-30)

  • እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ (31-36)

3  ካብቶም ፈሪሳውያን፡ ኒቆዲሞስ+ ዝስሙ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።  ንሱ ብለይቲ ናብኡ መጺኡ፡+ “መምህር፡*+ ብዘይካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ፡+ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ትእምርትታት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ ኢና” በሎ።+  የሱስ ድማ፡ “ሰብ ዳግም እንተ ዘይተወሊዱ፡*+ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ኣይክእልን እዩ፡+ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።  ኒቆዲሞስ ከኣ፡ “ሰብ ምስ ኣረገኸ፡ ከመይ ኢሉ ኺውለድ ይኽእል፧ ካልኣይ ሳዕ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ፡ ኪውለድዶ ይኽእል እዩ፧” በሎ።  የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ሰብ ካብ ማይን+ ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወሊዱ፡+ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ኣይክእልን እዩ።  ካብ ስጋ እተወልደ፡ ስጋ እዩ፣ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ፡ መንፈስ እዩ።  ‘ዳግም ክትውለዱ ኣሎኩም’ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም።  ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፣ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፣ ካበይ ከም ዚመጽእን ናበይ ከም ዚኸይድን ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ” ኢሉ መለሰ።+  ኒቆዲሞስ ከኣ፡ “እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧” ኢሉ መለሰሉ። 10  የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ንስኻ መምህር እስራኤል ክነስኻስ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ 11  ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮ እውን ንምስክር ኢና፣ ነቲ እንምስክሮ ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። 12  ናይ ምድሪ ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ እንተ ነጊረኩም ደኣ ኸመይ ጌርኩም ክትኣምኑ ኢኹም፧ 13  ብዘይካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ+ ወዲ ሰብ ድማ፡ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን።+ 14  ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ ኸኣ፡+ ወዲ ሰብ ኪስቀል ኣለዎ፣+ 15  ከምኡ ዚኸውን ድማ፡ ብእኡ ዚኣምን ኵሉ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እዩ።+ 16  “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን* ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡+ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።+ 17  ኣምላኽ ንወዱ፡ ንዓለም ኪፈርዳ ዘይኰነስ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን ኢሉ እዩ ናብ ዓለም ዝለኣኾ።+ 18  እቲ ብእኡ ዚኣምን፡ ኣይፍረዶን።+ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ።+ 19  ንፍርዲ መሰረት ዚኸውን ከኣ እዚ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መጺኡ ኣሎ፣+ ሰባት ግና ግብሮም እኩይ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት እዮም ፈትዮም። 20  እቲ ኽፉእ ዚገብርሲ፡ ብርሃን ይጸልእ እዩ፣ ግብሩ ምእንቲ ኸይቅላዕ ከኣ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን እዩ። 21  እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ግብሩ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ኸም እተገብረ ምእንቲ ኺግሃድ፡ ናብ ብርሃን ይመጽእ እዩ።”+ 22  ድሕርዚ፡ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ገጠራት ይሁዳ ኸደ፣ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ጸንሐ፡ የጥምቕ እውን ነበረ።+ 23  ዮሃንስ ግና ኣብ ሄኖን፡ ኣብ ጥቓ ሳሊም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፣+ ሰባት ከኣ ይመጹን ይጥመቑን ነበሩ፣+ 24  ክሳዕ ሽዑ ዮሃንስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይተደርበየን ነበረ።+ 25  ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ድማ ምስ ሓደ ኣይሁዳዊ፡ ብዛዕባ ምንጻህ፡ ክርክር ኣልዓሉ። 26  ናብ ዮሃንስ መጺኦም ከኣ፡ “መምህር፡* እቲ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ፡ ንስኻ እውን ዝመስከርካሉ፡+ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ” በልዎ። 27  ዮሃንስ ከኣ፡ “ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋሂብዎስ፡ ሓንቲ እኳ ኪቕበል ኣይክእልን እዩ። 28  ‘ኣነ ቐቅድሚኡ እተለኣኽኩ እምበር፡+ ክርስቶስ ኣይኰንኩን’ ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም።+ 29  እቲ መርዓት ዘላቶ፡ መርዓዊ እዩ።+ ዓርኪ መርዓዊ ግና ደው ኢሉ ንዕኡ ምስ ዚሰምዖ፡ ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ እዩ። ስለዚ፡ ሓጐሰይ ምሉእ ኰይኑ ኣሎ። 30  ንሱ ኺውስኽ፡ ኣነ ግና ክንኪ ኣሎኒ” ኢሉ መለሰ። 31  እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ፡+ ልዕሊ ዅሉ እዩ። እቲ ኻብ ምድሪ ዝዀነ፡ ምድራዊ እዩ፣ ናይ ምድሪ እውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ፡ ልዕሊ ዅሉ እዩ።+ 32  ንምስክሩ ዚቕበሎ የልቦን እምበር፡+ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር።+ 33  እቲ ንምስክሩ እተቐበለ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሓተመ።*+ 34  ከመይሲ፡ ኣምላኽ መንፈሱ ቘጢቡ* ኣይህብን እዩ እሞ፡ እቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ቃል ኣምላኽ እዩ ዚነግር።+ 35  ኣቦ ንወዲ የፍቅሮ እዩ፡+ ኵሉ ድማ ኣብ ኢዱ ሃቦ።+ 36  እቲ ብወዲ ዚኣምን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣+ እቲ ንወዲ ዘይእዘዞ ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡+ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ረቢ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወሊዱ” ኪኸውን ይኽእል።
“ዚኣምን፡” ማለት ከይተጠራጠረ ብእኡ ዚመላለስ፡ ዚምራሕ።
ቃ.ቃ.፡ “ረቢ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኣረጋገጸ።”
ወይ፡ “ሰፊሩ።”