ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ተመርዕዩ ነይሩ ድዩ፧ ኣሕዋትን ኣሓትንከ ነይሮምዎዶ፧

የሱስ ተመርዕዩ ነይሩ ድዩ፧ ኣሕዋትን ኣሓትንከ ነይሮምዎዶ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት መርዓ የሱስ ፈልዩ ዚጠቅስ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ከም ዘይተመርዓወ ግና ብንጹር ይሕብር እዩ። a ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት እስከ ንርአ።

  1.   መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስድራ ቤት የሱስን ብዛዕባ እተን ኣብ ኣገልግሎቱ ዘሰነያኦን ኪቕተል ከሎ ኣብ ጥቓኡ ዝነበራን ኣንስቲ ብተደጋጋሚ ይጠቅስ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ሰበይቲ ኸም ዝነበረቶ ፈጺሙ ኣይጠቅስን እዩ። (ማቴዎስ 12:46, 47፣ ማርቆስ 3:31, 32፣ 15:40፣ ሉቃስ 8:2, 3, 19, 20፣ ዮሃንስ 19:25) ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ዘይተመርዓወ ስለ ዝነበረ ኪኸውን ኣለዎ።

  2.   የሱስ ብዛዕባ እቶም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ኢሎም ከይተመርዓዉ ዚነብሩ ሰባት ንደቀ መዛሙርቱ ኺዛረቦም ከሎ፡ “ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” ኢልዎም እዩ። (ማቴዎስ 19:10-12) ነቶም ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ውፉያት ኪዀኑ ኢሎም ከይተመርዓዉ ኺነብሩ ዚውስኑ ሰባት ኣርኣያ ሓዲጉሎም እዩ።—ዮሃንስ 13:15፣ 1 ቈረንቶስ 7:32-38

  3.   የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ንኣዲኡ ዚከናኸና ሰብ ኣዳልዩላ እዩ። (ዮሃንስ 19:25-27) ሰበይቲ ወይ ውሉዳት እንተ ዚህልውዎ ነይሮም፡ ንስድራ ቤቱ እውን ዜድልዮም ኪማልኣሎም ምድላዋት ምገበረ ነይሩ።

  4.   መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ ከም ኣብነት ሰብኡት ገይሩ እኳ እንተ ጠቐሶ፡ ሰበይቲ ኸም ዝነበረቶ እሞ ንዓኣ ብኸመይ ከም ዝሓዛ ግና ኣይጠቐሰን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣቱም ሰብኡት፡ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ጉባኤ ዘፍቀራን ርእሱ ምእንታኣ ኣሕሊፉ ዝሃበን፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” እዩ ዚብል። (ኤፌሶን 5:25) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምርዑው እንተ ዚነብር ነይሩ፡ እቲ ኸም ሰብኣይ መጠን ዝሓደጎ ፍጹም ኣብነትሲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣዶ ኣይምተጠቕሰን፧

ኣሕዋትን ኣሓትንከ ነይሮምዎዶ፧

 እወ፡ የሱስ ብውሕዱ ሽዱሽተ ኣሕዋትን ኣሓትን ነይሮምዎ። ካብዚኣቶም ከኣ ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን ዚብሃሉ ኣሕዋት ከም ዝነበርዎ፡ ብውሕዱ ድማ ክልተ ኣሓት ከም ዝነበራኦ ተጠቒሱ ይርከብ። (ማቴዎስ 13:54-56፣ ማርቆስ 6:3) እዞም ኣሕዋቱን ኣሓቱን ካብ ኣዲኡ ማርያምን ካብ ሰብኣያ ዮሴፍን እተወልዱ እዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 1:25) የሱስ “በዅሪ” ወዳ ንማርያም ከም ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ካልኦት ውሉዳት ከም ዝነበርዋ ይእምት እዩ።—ሉቃስ 2:7

ብዛዕባ ኣሕዋት የሱስ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ገሊኦም ሰባት፡ ‘ማርያም ምሉእ ህይወታ ድንግል እያ ነይራ’ ዚብል ሓሳብ ንምድጋፍ፡ ነታ “ኣሕዋት” እትብል ቃል እተፈላለየ ትርጉም ሂቦምዋ እዮም። ንኣብነት፡ እቶም ኣሕዋት የሱስ ተባሂሎም ዘለዉ፡ ዮሴፍ ካብ ዝቐደመ ሓዳሩ ዝወለዶም ደቁ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ይኣምኑ እዮም። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ናይቲ ንዳዊት እተተስፈወ ንግስነት ሕጋዊ ወራሲ ኸም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (2 ሳሙኤል 7:12, 13፣ ሉቃስ 1:32) ዮሴፍ ካብ የሱስ ዚዓብዩ ውሉዳት እንተ ዚነብርዎ ነይሮም፡ እቲ በዅሪ ሕጋዊ ወራሲ ምዀነ።

 እሞ ደኣ እታ ቓል ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ወይ ንመንፈሳውያን ኣሕዋቱ ኸተመልክት ትኽእል ድያ፧ እዚ ሓሳብ እዚ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩ” ዚብል ይጋጮ እዩ። (ዮሃንስ 7:5) መጽሓፍ ቅዱስ ንኣሕዋት የሱስን ንደቀ መዛሙርቱን ፈላልዩ እዩ ዚጠቕሶም።—ዮሃንስ 2:12

 ገሊኦም ከኣ እቶም ኣሕዋት የሱስ ተባሂሎም ዘለዉ፡ ከም ደቂ ሓው ኣቦ ዝኣመሰሉ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ከም ዝዀኑ ይኣምኑ እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ግና ነታ “ሓው” እትብል ቃልን ንኻልእ ዓይነት “ዘመድ”ን እተፈላለየ ቓላት እዩ ዚጥቀም። (ሉቃስ 21:16፣ ቈሎሴ 4:10) ብዙሓት ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንየሱስ ብስጋ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝነበርዎ ይኣምኑ እዮም። ንኣብነት፡ ዘ ኤክስፖዚቶርስ ባይብል ኮመንታሪ፡ “ነታ ‘ኣሕዋት’ . . . እትብል ቃል ክንርድኣሉ እንኽእል ልዕሊ ዅሉ ባህርያዊ መገዲ፡ እታ ቓል ንደቂ ማርያምን ዮሴፍን፡ ማለት ነቶም ንየሱስ ብኣደ ኣሕዋቱ ዝዀኑ ኸም እተመልክት እዩ” ይብል። b

a መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስቶስ ከም መርዓዊ ገይሩ ይጠቕሶ እዩ፣ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብ ግና እዚ ምሳልያዊ ምዃኑ ንጹር ይገብሮ እዩ።—ዮሃንስ 3:28, 29፣ 2 ቈረንቶስ 11:2

b ዘ ጎስፕል ኣኮርዲንግ ቱ ሰይንት ማርክ፡ ካልኣይ ሕታም፡ ብቪንሰንት ተይለር፡ ገጽ 249፡ ከምኡ ድማ ኤ ማርጂናል ጂው—ሪቲንኪንግ ዘ ሂስቶሪካል ጂሰስ፡ ብጆን ፖል ማየር፡ 1ይ ጥራይ፡ ገጽ 331-332 ርአ።