ሉቃስ 3:1-38

  • ዮሃንስ ዕዮኡ ዝጀመረሉ ግዜ (1, 2)

  • ዮሃንስ ጥምቀት ሰበኸ (3-20)

  • ጥምቀት የሱስ (21, 22)

  • ወለዶ የሱስ ክርስቶስ (23-38)

3  ኣብ መበል 15 ዓመት ንግስና ጢቤርዮስ ቄሳር፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ሹም ኰይኑ ኸሎ፡ ሄሮድስ*+ ድማ ገዛኢ ኣውራጃ* ገሊላ ኸሎ፡ ሓዉ ፊልጶስ ከኣ ገዛኢ ኣውራጃ ሃገረ ኢጡርያን ጥራኮኒቲስን ከሎ፡ ሊሳንያስ እውን ገዛኢ ኣውራጃ ኣቢለኔ ኸሎ፡  ሃናን ቀያፋን ሊቃውንቲ ኻህናት ከለዉ፡+ ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ+ ወዲ ዘካርያስ፡ ኣብ በረኻ መጸ።+  ንሱ ድማ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ፡ ኣብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስ ዞረ፣+  እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ቃል መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዚብል እተጻሕፈ እዩ፦ “ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ ‘መገዲ የሆዋ* ኣዳልዉ! ጽርግያታቱ ኣቕንዑ።+  ስንጭሮ ዘበለ ይመላእ፡ ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ለጥ ይበል፡ ጥውይዋይ ከኣ ትኽ ይበል፡ ድንጉር እውን እተመድመደ መገዲ ይኹን፣  ኵሉ ስጋ* ድማ፡ ድሕነት ኣምላኽ* ኪርኢ እዩ።’”+  ነቶም ብእኡ ኺጥመቑ ዝመጹ ህዝቢ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ውሉዳት ኣፍዑት፡* ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸተምልጡ ደኣ መን ኣጠንቂቑኩም፧+  እምበኣር፡ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረታት ፍረዩ። ብልብኹም፡ ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና’ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ኣምላኽሲ ንኣብርሃም፡ ካብዚ ኣእማን እዚ ውሉዳት ኬተንስኣሉ ይኽእል እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።  ድሮ እኳ ፋስ ኣብ ሱር እቲ ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ። እምበኣር፡ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ኦም ኪቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ኪድርበ እዩ።”+ 10  እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “እንታይ እሞ ንግበር፧” ኢሎም ይሓትትዎ ነበሩ። 11  ንሱ ድማ፡ “ክልተ ቐምሽ* ዘለዎ፡ ነቲ ዘይብሉ ይምቀሎ፣ ዚብላዕ ዘለዎ እውን፡ ከምኡ ይግበር” ኢሉ መለሰሎም።+ 12  ኣከብቲ ቐረጽ እውን ኪጥመቑ መጺኦም፡+ “መምህር፡ እንታይ ንግበር፧” በልዎ። 13  ንሱ ኸኣ፡ “ካብቲ እተመደበ ቐረጽ፡ ሕልፊ ኣይተኽፍሉ”* በሎም።+ 14  ወተሃደራት እውን፡ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡* ብሓሶት እውን ኣይትኽሰሱ፣+ ደሞዝኩም ይእከልኩም” በሎም። 15  እቶም ህዝቢ ይጽበዩ ነበሩ እሞ፡ ኵላቶም ብዛዕባ ዮሃንስ፡ “ክርስቶስ ደዀን ይኸውን፧” ኢሎም ብልቦም ይሓስቡ ነበሩ።+ 16  ዮሃንስ ከኣ ንዅላቶም ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣነስ ብማይ አጥምቐኩም ኣለኹ፣ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ።+ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።+ 17  ንዓውዱ ኣጸቢቑ ዜጽርየሉ፡ ንስርናዩ ኸኣ ኣብ ማዕከኑ ዚእክበሉ መዝረዊኡ ኣብ ኢዱ እዩ፣ ነቲ ብቝቡቝ ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።” 18  ነቶም ህዝቢ ብዙሕ ካልእ እናመዓዶም ድማ የበስሮም ነበረ። 19  ግናኸ፡ ዮሃንስ ንሄሮድስ እቲ ገዛኢ ኣውራጃ፡ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ሓዉን ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ዅሉ እከይን ምስ ገንሖ፡ 20  ንሱ እዚ ዅሉ ኸይኣኽሎ፡ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጐኖ።+ 21  ኵሉ እቲ ህዝቢ ምስ ተጠምቀ፡ የሱስ እውን ተጠምቀ።+ ኪጽሊ ኸሎ ድማ፡ ሰማይ ተኸፍተ፡+ 22  መንፈስ ቅዱስ እውን ከም ርግቢ ኣብኡ ወረደ፣ ካብ ሰማይ ከኣ፡ “ዝሰመርኩኻ፡ ፍቑር ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዚብል ድምጺ መጸ።+ 23  የሱስ+ ዕዮኡ ኺጅምር ከሎ፡ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ነበረ፣+ ወዲ ዮሴፍ+ ድማ ይመስሎም ነበረ፡ወዲ ሄሊ፡ 24  ወዲ ማጣት፡ወዲ ሌዊ፡ወዲ መልኪ፡ወዲ ያና፡ወዲ ዮሴፍ፡ 25  ወዲ ማጣትዩስ፡ወዲ ኣሞጽ፡ወዲ ናሆም፡ወዲ ኣስሊ፡ወዲ ናጌ፡ 26  ወዲ መኣት፡ወዲ ማጣትዩስ፡ወዲ ሴሜን፡ወዲ ዮሴኽ፡ወዲ ዮዳ፡ 27  ወዲ ዮናን፡ወዲ ሬሳ፡ወዲ ዘሩባቤል፡+ወዲ ሸኣልቲኤል፡+ወዲ ኔሪ፡ 28  ወዲ መልኪ፡ወዲ ኣዲ፡ወዲ ቆሳም፡ወዲ ኤልማዳም፡ወዲ ዔር፡ 29  ወዲ የሱስ፡ወዲ ኤልዔዘር፡ወዲ ዮሪም፡ወዲ ማጣት፡ወዲ ሌዊ፡ 30  ወዲ ስምኦን፡ወዲ ይሁዳ፡ወዲ ዮሴፍ፡ወዲ ዮናም፡ወዲ ኤልያቂም፡ 31  ወዲ ሜልያ፡ወዲ ሜና፡ወዲ ማጣታ፡ወዲ ናታን፡+ወዲ ዳዊት፡+ 32  ወዲ እሴይ፡+ወዲ ዖቤድ፡+ወዲ ቦኣዝ፡+ወዲ ሰልሞን፡+ወዲ ነኣሶን፡+ 33  ወዲ ኣሚናዳብ፡ወዲ ኣርኒ፡ወዲ ሔጽሮን፡ወዲ ፋሬስ፡+ወዲ ይሁዳ፡+ 34  ወዲ ያእቆብ፡+ወዲ ይስሃቅ፡+ወዲ ኣብርሃም፡+ወዲ ታራ፡+ወዲ ናሆር፡+ 35  ወዲ ሴሩግ፡+ወዲ ረጉ፡+ወዲ ፌሌግ፡+ወዲ ዔበር፡+ወዲ ሸላሕ፡+ 36  ወዲ ቃይናን፡ወዲ ኣርፋክሳድ፡+ወዲ ሴም፡+ወዲ ኖህ፡+ወዲ ላሜክ፡+ 37  ወዲ ማቱሳላ፡+ወዲ ሄኖክ፡ወዲ ያሬድ፡+ወዲ መላልኤል፡+ወዲ ቃይናን፡+ 38  ወዲ ሄኖስ፡+ወዲ ሴት፡+ወዲ ኣዳም፡+ወዲ ኣምላኽ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብዓል ርባዕ ሽመት።”
ማለት፡ ሄሮድስ ኣንቲጳስ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ሰብ።”
ወይ፡ “ኣምላኽ ዜድሕነሉ መገዲ።”
መርዛም ዓይነት ተመን።
ወይ፡ “ቅያር ቀምሽ።”
ወይ፡ “ኣይትኣክቡ።”
ወይ፡ “ካብ ዋላ ሓደ እኳ ኣይትመንዝዑ።”