ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሪኢንካርነሽን ከም ዘሎ ይምህር ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሪኢንካርነሽን ከም ዘሎ ይምህር ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣይፋልን። እታ “ሪኢንካርነሽን” እትብል ቃል ኰነ፡ እቲ ንሳ እተመሓላልፎ ሓሳባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ። እምነት ሪኢንካርነሽን፡ ኣብቲ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ዚገልጽ ትምህርቲ እተመስረተ እዩ። a መጽሓፍ ቅዱስ ግና ነፍሲ ንዅለንትና ሓደ ሰብ ከም እተመልክትን ከም እትመውትን እዩ ዚምህር። (ዘፍጥረት 2:7፡ እግረ ጽሑፍ፣ ህዝቅኤል 18:4) ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ ካብ ህልውና የቋርጽ።—ዘፍጥረት 3:19፣ መክብብ 9:5, 6

ኣብ መንጎ ሪኢንካርነሽንን ትንሳኤን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚምህሮ ትምህርቲ፡ ኣብቲ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ዚገልጽ ትምህርቲ እተመስረተ ኣይኰነን። ኣብ ትንሳኤ፡ እቶም ሞይቶም ዘለዉ ሰባት ብሓይሊ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ህያዋን ኪዀኑ እዮም። (ማቴዎስ 22:23, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ትንሳኤ ንሰባት ናብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺትንስኡን ኣብኣ ንዘለኣለም ኪነብሩን ዜደንቕ ተስፋ ይህቦም እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:3, 4

ብዛዕባ ሪኢንካርነሽንን መጽሓፍ ቅዱስን ዘሎ ግጉይ ምርዳእ

 ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነብዪ ኤልያስ ብሪኢንካርነሽን ኣቢሉ ዮሃንስ መጥምቕ ኰይኑ ዳግም ከም እተወልደ ይገልጽ እዩ።

 ሓቂ፦ ኣምላኽ፡ “ነብዪ ኤልያስ እልእከልኩም ኣለኹ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ፣ የሱስ ከኣ ዮሃንስ መጥምቕ ነዚ ትንቢት እዚ ኸም ዝፈጸሞ ገሊጹ እዩ። (ሚልክያስ 4:5, 6፣ ማቴዎስ 11:13, 14) እዚ ግና፡ ኤልያስ ብሪኢንካርነሽን ኣቢሉ ዮሃንስ መጥምቕ ኰይኑ ዳግም ተወሊዱ ማለት ኣይኰነን። ዮሃንስ ባዕሉ እኳ ኤልያስ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 1:21) የግዳስ፡ ዮሃንስ ንንስሓ ዚጽውዕ መልእኽቲ ኣምላኽ ብምእዋጅ ከም ናይ ኤልያስ ዝበለ ዕዮ እዩ ዓይዩ። (1 ነገስት 18:36, 37፣ ማቴዎስ 3:1) ብዘይካዚ፡ ዮሃንስ ከም ናይ ነብዪ ኤልያስ ዝበለ ቕንኣትን ሓይልን ነይርዎ እዩ።—ሉቃስ 1:13-17

 ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳግም ምውላድ’ ኪዛረብ ከሎ ንሪኢንካርነሽን እዩ ዜመልክት።

 ሓቂ፦ ዳግም ምውላድ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ገና ብህይወቱ ኸሎ ዜጋጥም መንፈሳዊ ዳግመ ውልደት ከም ዜመልክት እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ። (ዮሃንስ 1:12, 13) እዚ ዳግመ ውልደት እዚ፡ ዘይተርፍ ሳዕቤን እቲ ሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸሞ ተግባር ዘይኰነስ፡ በረኸት ኣምላኽ እዩ፣ እቶም ነዚ በረኸት እዚ ዚረኽቡ ድማ ንመጻኢ ዜደንቕ ተስፋ ኣለዎም።—ዮሃንስ 3:3፣ 1 ጴጥሮስ 1:3, 4

a እቲ ኣብ ዘይትመውት ነፍስን ሪኢንካርነሽንን ዘሎ እምነት ካብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝመንጨወ እዩ። ጸኒሖም ህንዳውያን ፈላስፋታት፡ ሰረተ እምነት ካርማ መሃዙ። ብመሰረት ብሪታኒካ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ዎርልድ ረሊጅንስ፡ ካርማ “ሕጊ ጠንቅን ሳዕቤንን ኰይኑ፡ እቲ ሓደ ሰብ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዚገብሮ ነገራት፡ ነቲ ኣብ ዚቕጽል ህይወት ዜጋጥሞ ነገራት ከም ዚጸልዎ ይገልጽ።”—ገጽ 913።