ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዳግም ምውላድ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ዳግም ምውላድ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እታ ‘ዳግም ተወሊዱ’ እትብል ሓረግ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን እቲ ዳግም እተወልደ ሰብን ዚህሉ ሓድሽ ርክብ እያ እተመልክት። (ዮሃንስ 3:3, 7) ኣምላኽ ነቶም ዳግም እተወልዱ ዘበሉ፡ ከም ደቁ ገይሩ ውሉድነት ይህቦም እዩ። (ሮሜ 8:15, 16፣ ገላትያ 4:5፣ 1 ዮሃንስ 3:1) ከም ውሉዳት ኪዀኑ ብሕጋዊ መገዲ ተቐባልነት ብምርካቦም ድማ ኵነታቶም ይልወጥ እዩ፣ ማለት ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ እዮም ዚዀኑ።—2 ቈረንቶስ 6:18

ሓደ ሰብ ዳግም ዚውለድ ስለምንታይ እዩ፧

 የሱስ፡ “ሰብ ዳግም እንተ ዘይተወሊዱ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ኣይክእልን እዩ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 3:3) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ዳግም ዚውለድ፡ ምስ ክርስቶስ ኰይኑ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምግዛእ ምእንቲ ኺዳሎ እዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ኣብ ሰማይ ኰይና ስለ እትገዝእ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሰብ ‘ከም ብሓድሽ ዚውለደሉ’ ዅነት ኣብ ‘ሰማያት እተዓቝረ’ ርስቲ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። (1 ጴጥሮስ 1:3, 4) እቶም ዳግም እተወልዱ፡ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ከም ‘ዚነግሱ’ ውሕስነት ተዋሂብዎም እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 2:12፣ 2 ቈረንቶስ 1:21, 22

ሓደ ሰብ ዳግም ዚውለድ ብኸመይ እዩ፧

 የሱስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ እቶም ዳግም ዚውለዱ ‘ኻብ ማይን ካብ መንፈስን ኪውለዱ’ ኸም ዜድልዮም ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 3:5) እዚ መግለጺ እዚ፡ ፈለማ ብማይ ኪጥመቑ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ብመንፈስ ቅዱስ ኪጥመቑ ኸም ዜድልዮም የመልክት።—ግብሪ ሃዋርያት 1:5፣ 2:1-4

 እቲ ፈለማ ዳግም እተወልደ ሰብ፡ የሱስ እዩ። ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተጠምቀ፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ቐቢእዎ (ወይ፡ ኣጥሚቕዎ) እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሱስ ናብ ሰማያዊ ህይወት ናይ ምምላስ ተስፋ ብምሓዝ፡ ከም ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ ብመንፈስ ቅዱስ ዳግም ተወሊዱ እዩ። (ማርቆስ 1:9-11) ኣምላኽ ንየሱስ ከም መንፈሳዊ ፍጡር ገይሩ ብምትንሳእ ነዚ ተስፋ እዚ ፈጺምዎ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 13:33

 ዳግም ዚውለዱ ኻልኦት እውን፡ መንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ምቕባሎም፡ ብማይ ይጥመቑ እዮም። a (ግብሪ ሃዋርያት 2:38, 41) ድሕሪኡ፡ ኣብ ሰማይ ናይ ምንባር ርግጽ ተስፋ ይህልዎም፣ ኣምላኽ ድማ ነዚ ብትንሳኤ ኣቢሉ ኺፍጽሞ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:42-49

ብዛዕባ ዳግም ምውላድ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ሓደ ሰብ ድሕነት ኪረክብ ወይ ክርስትያን ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ዳግም ኪውለድ ኣለዎ።

 ሓቂ፦ እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ኣብ ሰማይ ንምግዛእ ዳግም ዚውለዱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ምድራውያን ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ድሕነት ይህብ እዩ። (1 ዮሃንስ 2:1, 2፣ ራእይ 5:9, 10) እዞም ካልኣይ ጕጅለ ክርስትያናት፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም።—መዝሙር 37:29፣ ማቴዎስ 6:9, 10፣ ራእይ 21:1-5

 ግጉይ ርድኢት፦ ሓደ ሰብ ዳግም ዚውለድ ብምርጫኡ እዩ።

 ሓቂ፦ ምስ ኣምላኽ ርክብ ናይ ምምስራትን ድሕነት ናይ ምርካብን ኣጋጣሚ ንዅሉ ኽፉት እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4፣ ያእቆብ 4:8) ኰይኑ ግና፡ ነቶም ዳግም ዚውለዱ፡ ወይ ብመንፈስ ቅዱስ ዚቕብኡ ዚሓርዮም ኣምላኽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ዳግም ምውላድ፡ “ኣብቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ኣብ ድሌት ወይ ጻዕሪ ሰብ ኣይኰነን ዚምርኰስ።” (ሮሜ 9:16) እታ ‘ዳግም ተወሊዱ’ እትብል ሓረግ፡ ‘ካብ ላዕሊ ተወሊዱ’ ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ፣ እዚ ኸኣ ምሕራይ እቶም ዳግም ዚውለዱ፡ “ኻብ ላዕሊ፡” ወይ ካብ ኣምላኽ ከም ዚመጽእ የረጋግጽ።—ዮሃንስ 3:3፣ እግረ ጽሑፍ።

a ቆርኔሌዎስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ዳግም እተወልዱሉ ኣገባብ ግና ካብቲ እተለምደ እተፈልየ እዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:44-48