ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንሳኤ እንታይ እዩ፧

ትንሳኤ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ትንሳኤ ተባሂላ እተተርጐመት፡ ኣናስታሲስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል “ምትንሳእ” ማለት እያ። ትንሳኤ ዚብሃል፡ ሓደ ሰብ ካብ ሞት ተንሲኡ ዳግም ህያው ኪኸውን ከሎ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:12, 13

 እታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል፡ ኣብቲ መብዛሕትኡ እዋን ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘየላ እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ ትምህርቲ ግና ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ብነብዪ ሆሴእ ኣቢሉ፡ “ካብ ሓይሊ መቓብር ክብጀዎም እየ፣ ካብ ሞት ክመልሶም እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩ እዩ።—ሆሴእ 13:14፣ እዮብ 14:13-15፣ ኢሳይያስ 26:19፣ ዳንኤል 12:2, 13

 ሰባት ኣበይ እዮም ኪትንስኡ፧ ገሊኦም ሰባት ምስ ክርስቶስ ነገስታት ኰይኖም ምእንቲ ኺገዝኡ፡ ሰማያዊ ትንሳኤ ኺረኽቡ እዮም። (2 ቈረንቶስ 5:1፣ ራእይ 5:9, 10) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ፡ “ቀዳማይ ትንሳኤ”ን “ዝቐደመ ትንሳኤ”ን ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። እዚ መግለጺታት እዚ፡ ቀጺሉ ኻልእ ትንሳኤ ኸም ዚህሉ ዚሕብር እዩ። (ራእይ 20:6፣ ፊልጲ 3:11) እቲ ብዙሓት ሰባት ዚትንስኡሉ ዳሕረዋይ ትንሳኤ ኣብ ምድሪ እዩ ኪኸውን።—መዝሙር 37:29

 ሰባት ብኸመይ እዮም ኪትንስኡ፧ ኣምላኽ ንየሱስ ምዉታት ኬተንስእ ሓይሊ ሂብዎ እዩ። (ዮሃንስ 11:25) የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም፡” ፍሉይ መንነቶምን ባህርያቶምን ተዘክሮታቶምን ሒዞም ናብ ህይወት ከም ዚምለሱ ኺገብር እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ነቶም ሰማያዊ ትንሳኤ ዚረኽቡ መንፈሳዊ ኣካል፡ ነቶም ምድራዊ ትንሳኤ ዚረኽቡ ኸኣ፡ ጥዑይን ፍጹምን ሰብኣዊ ኣካል ኪውሃቦም እዩ።—ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6፣ 1 ቈረንቶስ 15:42-44, 50

 መን እዮም ኪትንስኡ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን እዩ’ ይብል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቶም ጻድቃን እተባህሉ ኸም ኖህን ሳራን ኣብርሃምን ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት እዮም። (ዘፍጥረት 6:9፣ እብራውያን 11:11፣ ያእቆብ 2:21) እቶም ሓጥኣን እተባህሉ ኸኣ ነቶም ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ ንኺምሃሩን ንኺእዘዙን ኣጋጣሚ ብዘይ ምርካቦም ስርዓታት ኣምላኽ ዘይሓለዉ ሰባት የጠቓልል።

 እቶም ኣዝዮም እኩያት ካብ ምዃኖም እተላዕለ ኪቕየሩ ዘይክእሉ ሰባት ግና፡ ኣይትንስኡን እዮም። ሞት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉን ዘለኣለማዊ ጥፍኣትን እዩ።—ማቴዎስ 23:33፣ እብራውያን 10:26, 27

 ትንሳኤ መዓስ እዩ ኪኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰማያዊ ትንሳኤ ኣብቲ ብ1914 ዝጀመረ፡ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ከም ዚኸውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:21-23) እቲ ምድራዊ ትንሳኤ ኸኣ ኣብቲ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ገነት እትዀነሉ፡ ኣብ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ እዩ ኪኸውን።—ሉቃስ 23:43፣ ራእይ 20:6, 12, 13

 ብትንሳኤ ምእማን ርትዓዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ዝመስከሩሉ፡ ብዛዕባ ትሸዓተ ትንሳኤ ዝርዝር ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ። (1 ነገስት 17:17-24፣ 2 ነገስት 4:32-37፣ 13:20, 21፣ ሉቃስ 7:11-17፣ 8:40-56፣ ዮሃንስ 11:38-44፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:36-42፣ 20:7-12፣ 1 ቈረንቶስ 15:3-6) የሱስ ንኣልኣዛር ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ስለ ዜተንስኦን ነቲ ተኣምር ድማ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝፈጸሞን ትንሳኤ ኣልኣዛር፡ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ዮሃንስ 11:39, 42) እቶም ንየሱስ ዚቃወምዎ ዝነበሩ፡ ነዚ ኪኽሕድዎ ስለ ዘይከኣሉ፡ ንየሱስን ንኣልኣዛርን ኪቐትልዎም ውዲት ኣለሙ።—ዮሃንስ 11:47, 53፣ 12:9-11

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ምዉታት ኬተንስእ ክእለትን ድሌትን ከም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እቶም በቲ ዅሉ ዚኽእል ሓይሉ ተጠቒሙ ዘተንስኦም ሰባት፡ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ኣብቲ ደረት ኣልቦ ተዘክሮኡ የቐምጦ እዩ። (እዮብ 37:23፣ ማቴዎስ 10:30፣ ሉቃስ 20:37, 38) ኣምላኽ ነቶም ዚሞቱ፡ ህያዋን ኪገብሮም ይኽእል እዩ። ከምኡ ኺገብር እውን ይደሊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ትንሳኤ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንተግባር ኣእዳውካ ኽትናፍቕ ኢኻ” ብምባል ብዛዕባ ኣምላኽ ይዛረብ እዩ።—እዮብ 14:15

ብዛዕባ ትንሳኤ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ትንሳኤ ንነፍስን ንስጋን እንደገና ዜራኽብ እዩ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ እቲ ሰብ ባዕሉ እምበር፡ ድሕሪ ሞት እትቕጽል ገለ ኽፋሉ ኸም ዝዀነት ኣይምህርን እዩ። (ዘፍጥረት 2:7፡ እግረ ጽሑፍ፣ ህዝቅኤል 18:4) እምበኣር፡ ሓደ ዚትንስእ ሰብ ምስ ነፍሱ ይራኸብ ዘይኰነስ፡ ዳግም ህያው ነፍሲ እዩ ዚኸውን።

 ግጉይ ርድኢት፦ ገሊኦም ሰባት ካብ ሞት ምስ ተንስኡ ብኡብኡ ኺጠፍኡ እዮም።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቶም ክፉእ ዝገበሩ . . . ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም።” ይብል እዩ። (ዮሃንስ 5:29) ይኹን እምበር፡ እዚ ፍርዲ እዚ ዚፍረዶም፡ ድሕሪ ምትንሳኦም ብዚገብርዎ እምበር፡ ቅድሚኡ ብዝገበርዎ ኣይኰነን። የሱስ፡ “ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ . . . እቶም ዝሰምዕዎ ድማ ብህይወት ኪነብሩ እዮም” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 5:25) እቶም ነቲ ድሕሪ ትንሳኤኦም እተማህርዎ ነገራት ዚሰምዑ ወይ ዚእዘዙ ሰባት፡ ስሞም ኣብ “ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት” ኪጸሓፍ እዩ።—ራእይ 20:12, 13

 ግጉይ ርድኢት፦ ሓደ ሰብ ኪትንስእ ከሎ ነቲ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበሮ ሰብነት ሒዙ እዩ ዚትንስእ።

 ሓቂ፦ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ ሰብነቱ ይፈርስን ይምሽምሽን እዩ።—መክብብ 3:19, 20