ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዝባዕ ኵነታት ኣየር—መጽሓፍ ቅዱስ ይሕግዝ ድዩ፧

ምዝባዕ ኵነታት ኣየር—መጽሓፍ ቅዱስ ይሕግዝ ድዩ፧

 ሓደ ኻብቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ብምዝባዕ ኵነታት ኣየር እተጸልዉ ግዳያት ዲኻ፧ ሓደገኛ ኵነታት ኣየርን ጐዳኢ ሳዕቤናቱን ብእተፈላለየ መልክዕ እዩ ዜጋጥም። እዚ ኸኣ፡ ምዕልቕላቕን ኣዕናዊ ንፋስን ኬስዕብ ዚኽእል፡ ከም ህቦብላ፡ መሸምቦባ፡ ብርቱዕ ማዕበል፡ ሓያል ዘራጊቶ ዝኣመሰለ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። ብርቱዕ ዝናም፡ ምህማም መሬት የስዕብ። ንፋስን በርቅን እተሓወሶ ዝናም ከኣ ከቢድ ባርዕ መሮር የስዕብ። ድርቅን ክቱር ዋዕን ዛሕልን እንተ ዀነ እውን ከቢድ ዕንወት የምጽእ እዩ።

 ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ዓለም፡ ኣዕናዊ ዅነታት ኣየር ብመጠንን ብሓይልን እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን፡ “ቍጽሪ እቶም ብባህርያዊ ሓደጋታት ዚጕድኡ ዘለዉ ሰባት እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “ምዕልቕላቕ ማይን ዝናም እተሓወሶ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስን ድርቅን እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ብዙሓት ሰባት ይሞቱ፡ ሓያሎ ኻብ መነባብሮኦም ይከላበቱ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኸኣ ኣባይቶም ይስእኑ ኣለዉ” ብምባል ገለጸ።

 እዚ ነገራት እዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ሰባት ኣካላውን ስምዒታውን ማህሰይቲ የጋጥሞም እዩ። ንብረቶምን ኣባይቶምን ስለ ዝዓነወ፡ ወይ ከኣ ሰቦም ስለ ዝሞቶም ይሳቐዩ እዮም።

 ግዳይ እተዛብዐ ዅነታት ኣየር እንተ ደኣ ኴንካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ሓያሎ ግዳያት እተዛብዐ ዅነታት ኣየር ዝዀኑ ሰባት፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽንናዕን ተስፋን ግብራዊ ምኽርን ረኺቦም እዮም። (ሮሜ 15:4) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣምላኽ ስለምንታይ እዩ ነዚ ፈቒድዎ፧ ይቐጽዓኒ ድዩ ዘሎ፧’ ኢሎም ንዚሓትቱ ሰባት ይምልሰሎም እዩ።

ሎሚ ዘሎ ምዝባዕ ኵነታት ኣየር፡ ኣምላኽ ዜውርዶ መቕጻዕቲ ኣይኰነን

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስቓይ ደቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ እዩ ዚምህረና። “ኣምላኽሲ ብእከይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ እውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን” ብምባል የረጋግጸልና እዩ። (ያእቆብ 1:13) ስለዚ፡ እቲ ሎሚ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ምዝባዕ ኵነታት ኣየር፡ ኣምላኽ ዜምጽኦ ኣይኰነን።

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ንምቕጻዕ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ባህርያዊ ሓይሊ ኸም እተጠቕመ ይሕብር እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣምላኽ ዚጥቀመሉ ባህርያዊ ሓይሊ፡ ካብቲ ብዘይ መጠንቀቕታ ንሰናያትን ንእኩያትን ብሓንሳእ ዚድምስስ እተዛብዐ ዅነታት ኣየር ኣጸቢቑ እተፈለየ እዩ። ብኣንጻሩ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንቕኑዓት ሰባት ከም ዘዕቈቦም፡ እቲ ጥፍኣት ቅድሚ ምምጽኡ መጠንቀቕታ ከም ዝሃቦም፡ ከምኡ እውን እቲ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ከም ዝገለጸሎም ይሕብር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ግዜ ኖህ፡ ኣምላኽ ማይ ኣይሂ ስለምንታይ ኬምጽእ ምዃኑ ገሊጹ፡ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ሂቡ፡ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ከኣ ኣዕቚብዎም እዩ።—ዘፍጥረት 6:13፣ 2 ጴጥሮስ 2:5

 እዚ ሎሚ ዜጋጥም ዘሎ ባህርያዊ ሓደጋታት ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መቕጻዕቲ ኸም ዘይኰነ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋ እንታይ ይብል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ኣምላኽ ንግዳያት እተዛብዐ ዅነታት ኣየር ይሓልየሎም

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ a ርሕሩሕን ሓላይን ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጽ እዩ።

  •   ኢሳይያስ 63:9 “[ኣምላኽ] ኣብ ኵሉ ጭንቆም ጨነቖ።”

     ትርጉሙ፦ የሆዋ፡ ሰባት ኪሳቐዩ ኪርእዮም ከሎ፡ ኣዝዩ እዩ ዚጕሂ።

  •   1 ጴጥሮስ 5:7 “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ።”

     ትርጉሙ፦ የሆዋ ብዛዕባ ድሕንነትካ ይግደስ እዩ።

 የሆዋ ብሓልዮትን ብርሕራሐን ተደሪኹ፡ ስጉምቲ ይወስድ እዩ። ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ግብራዊ ምኽርን ካብ እተዛብዐ ዅነታት ኣየር ናጻ ዝዀነ ዜተኣማምን ተስፋን ብምሃብ የጸናንዕ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4

እተዛብዐ ዅነታት ኣየር ዘይህልወሉ እዋን

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ፡ “ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም [እየ]” ብምባል ከም ዘተስፈወ ይገልጽ እዩ። (ኤርምያስ 29:11) ኣምላኽ፡ ሰባት ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ብዘይ ገለ ስግኣት ብሓጐስ ኪነብሩ እዩ ዕላማኡ።—ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15፣ ኢሳይያስ 32:18

 ኣምላኽ ነዚ ዜደንቕ ተስፋ እዚ፡ በታ የሱስ ዝንጉሳ ሰማያዊት መንግስቲ ኣቢሉ ኺፍጽሞ እዩ። (ማቴዎስ 6:10) የሱስ ባህርያዊ ሓደጋታት ንምቍጽጻር ዜኽእል ጥበብን ሓይልን ኣለዎ። ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ንዅነታት ኣየር ኺቈጻጸር ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። (ማርቆስ 4:37-41) ብጥበብን ኣእምሮን ኪገዝእ፡ ንሰባት ድማ ከባቢኦም ብኸመይ ከም ዚከናኸኑን ምስ ተፈጥሮ ተሰማሚዖም ብኸመይ ከም ዚነብሩን ኪምህሮም እዩ። (ኢሳይያስ 11:2) ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ፡ ሰባት ብእተዛብዐ ዅነታት ኣየር ጕድኣት ኣይኬጋጥሞምን እዩ።

 ምናልባት፡ ‘መዓስ ኰን እዩ የሱስ ኵነታት ኣየር ንምቍጽጻር ሓይሉ ዚጥቀም፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ “መዓስ እያ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እትገዝኣ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ንእተዛብዐ ዅነታት ኣየር እትሰግረሉ መገዲ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተዛብዐ ዅነታት ኣየር ከየጋጠመ ኸሎን ኣብ ዜጋጥመሉ እዋንን ምስ ሓለፈን እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ዚሕግዝ ምኽሪ ይህብ እዩ።

  •   ከየጋጠመ ኸሎ፦ ቅልጡፍ ስጕምቲ ንምውሳድ ተዳሎ።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣ ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ ይጕድኡ።”—ምሳሌ 22:3

     ትርጉሙ፦ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ምእንቲ ኽትወስድን ንስድራ ቤትካ ኸኣ ምእንቲ ኸተዕቍብን ኣብ ከባቢኻ እንታይ ሓደጋ ኼጋጥም ከም ዚኽእል ኣቐዲምካ ሕሰብ።

     ተመኵሮ፦ “ካብቲ ባርዕ መሮር ዝሃደምናላ መዓልቲ ድልዋት ኢና ኔርና። ንህጹጽ እዋን ዜድልየና ሳንጣታት ሒዝና ስለ ዝነበርና፡ መድሃኒትን ክዳውንትን ነይሩና እዩ። ኣብ ከባቢና ዝነበሩ ሰባት ዚገብርዎ ጠፊእዎም፡ ተረቢሾም ነይሮም። ንሕና ግና ዘድለየና ዘበለ ዅሉ ሒዝና ስለ ዝነበርና፡ ኣዝየ እየ ዘመስግን።”—ታምራ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ.።

  •   ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፦ ኣብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ነገራት ኣተኵር።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ።”—ሉቃስ 12:15

     ትርጉሙ፦ ካብ ንብረት ህይወት ይበልጽ።

     ተመኵሮ፦ “ዝናም እተሓወሶ ህቦብላ ላዊን b ቤትና ምስ ኣዕነዎ፡ ዝገብሮ እዩ ጠፊኡኒ። እታ ሓንቲ ዝገበርክዋ ነገር ግና፡ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ምጽላየይ እዩ። ንብረትና ደኣ እምበር፡ ህይወትና ኸም ዘይጠፍአ ተገንዚበ።”—ለስሊ፡ ፊሊፒንስ።

  •   ምስ ሓለፈ፦ ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ሕሰብ።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ።”—ማቴዎስ 6:34

     ትርጉሙ፦ ኣብ ዚመጽእ ብዛዕባ ኼጋጥም ዚኽእል ጸገማት እምብዛ ኣይትጨነቕ።

     ተመኵሮ፦ “ብሰንኪ እቲ ዝናም እተሓወሶ ህቦብላ ኢርማ፡ ቤትና ብማይ ምስ ኣዕለቕለቐት፡ ብዙሕ ዝውስኖ ነገራት ስለ ዝነበረኒ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ እየ ተጨኒቐ ነይረ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ክንሓስብ ዝሃበና ምኽሪ፡ ክትግብሮ ጽዒረ እየ። ብሓገዝ የሆዋ ኻብቲ ኽግምቶ ዝኽእል ንላዕሊ ኽጻወር ከም ዝኽእል ፈሊጠ እየ።”—ሳሊ፡ ፍሎሪዳ፡ ሕ.መ.ኣ.።

 ተወሳኺ ግብራዊ ምኽሪ ንምርካብ፡ “ሓደጋ ምስ ዜጋጥም—ህይወት ኬድሕን ዚኽእል ስጕምትታት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18

b ህቦብላ ሃይማ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ እዩ።