መክብብ 8:1-17
8 ከም ጥበበኛ ዝዀነ መን እዩ፧ ፍታሕ ሽግር* ዚፈልጥከ መን እዩ፧ ጥበብ ሰብ ንገጹ ተብርሆ፣ ነቲ ጸዋግ ትርኢቱ እውን ተፈሽሕዎ።
2 ኣነስ እዚ እብል ኣለኹ፦ “ስለቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝመሓልካዮ ማሕላ ኢልካ፡+ ትእዛዛት ንጉስ ሓሉ።+
3 ካብ ቅድሚኡ ኽትከይድ ኣይትተሃወኽ።+ ኣብ ክፉእ ነገር ኣይትቑም፣+ ንሱስ ባህ ዝበሎ ኺገብር ይኽእል እዩ፣
4 ቃል ንጉስሲ ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ እዩ፣+ ‘እንታይ ትገብር ኣለኻ፧’ ኪብሎ ዚኽእል መን እዩ፧”
5 ትእዛዝ ዚሕሉ፡ ጕድኣት ኣይረኽቦን፣+ ጥበበኛ ዝልቡ ኸኣ፡ ግቡእ ግዜን ስርዓትን* ይፈልጥ።+
6 ሽግራት ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ገግዜኡን ሰስርዓቱን* ኣለዎ።+
7 እንታይ ከም ዚኸውን ዚፈልጥ ስለ ዘየልቦ፡ ከመይ ከም ዚኸውን መን ኪነግሮ ይኽእል፧
8 ከምቲ ሰብ ኣብ ልዕሊ መንፈስ* ሓይሊ ዘይብሉ ወይ ንመንፈስ ኪገትኦ ዘይክእል፡ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞት ሓይሊ ዘለዎ እውን የልቦን።+ ከምቲ ብግዜ ውግእ ሓደ እኳ ዘይሰናበት፡ እከይ እውን ንገበርቱ፡ ኬምልጡ ኣይፈቕደሎምን እዩ።*
9 እዚ ዅሉ ረኣኹ፣ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ኵሉ ግብሪ፡ ናብቲ ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ዚገዝኣሉ ግዜ ኸኣ ልበይ ኣቕለብኩ።+
10 እቶም ናብታ ቕድስቲ ቦታ ዚኣትዉን ካብኣ ዚወጹን ዝነበሩ እኩያት ኪቕበሩ ኸለዉ ረኣኹ፣ ኣብታ ኸምኡ ዚገብሩላ ዝነበሩ ኸተማ ግና ነዊሕ ከይጸንሑ ተረስዑ።+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ።
11 ኣብ ልዕሊ ኽፉእ ተግባር እተፈርደ ፍርዲ ቐልጢፉ ምስ ዘይፍጸም፡+ ልቢ ሰብ ክፉእ ንምግባር ይደፍር እዩ።+
12 ሓጥእ ሚእቲ ሳዕ እኳ ኽፉእ እንተ ገበረ፡ ነዊሕ ግዜ እውን እንተ ነበረ፡ ነቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚፈርሁስ፡ ስለ ዚፈርህዎ፡ ጽቡቕ ከም ዚዀነሎም እፈልጥ እየ።+
13 ንእኩይ ግና፡ ንኣምላኽ ስለ ዘይፈርሆ፡ ጽቡቕ ኣይኰነሉን እዩ፣+ ነተን ከም ጽላሎት ዝዀና መዓልትታቱ እውን ኣየንውሕን እዩ።+
14 ኣብ ምድሪ ዚግበር ከንቱ* ነገር ኣሎ፦ እከይ ከም ዝገበሩ ጌርካ ዚትሓዙ ጻድቃን ኣለዉ፣+ ጽድቂ ኸም ዝገበሩ ጌርካ ዚትሓዙ እኩያት እውን ኣለዉ።+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ እብል ኣለኹ።
15 ንሰብሲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ካብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ዚሓይሽ ስለ ዘይብሉ፡ ታሕጓስ ጽቡቕ ምዃኑ መኸርኩ፣+ በተን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሃቦ መዓልትታት ህይወቱ ኺጽዕር ከሎ፡ እዚ የሰንዮ።+
16 ጥበብ ናብ ምጥራይን ኣብ ምድሪ ዚኸውን ዘሎ ዅሉ ተግባር* ናብ ምርኣይን ልበይ ኣቕለብኩ፣+ መዓልትን ለይትን እኳ ኣይደቀስኩን።*
17 ኵሉ ግብሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ረኣኹ፣ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን ኪርድኦ ኸም ዘይክእል ከኣ ተገንዘብኩ።+ ሰባት ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም። ኪፈልጡ ዜኽእሎም ጥበብ ኣሎና እኳ እንተ በሉ፡ ከም ሓቂ ግና ኺርድእዎ ኣይክእሉን እዮም።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ትርጉም ነገር።”
^ ወይ፡ “ፍርድን።”
^ ወይ፡ “ፈፍርዱን።”
^ ወይ፡ “ትንፋስ፣ ንፋስ።”
^ ወይ፡ “እከይ ንእኩያት ኬናግፎም ኣይክእልን እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ዜበሳጩ።”
^ ወይ፡ “ዕዮ።”
^ ወይ፡ “ሰባትሲ መዓልቲ ዀነ ለይቲ ኣይድቅሱን እዮም” ኪኸውን ይኽእል።