መክብብ 8:1-17

  • ኣብ ትሕቲ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ገዛኢ (1-17)

    • ትእዛዛት ንጉስ ሓሉ (2-4)

    • ግዝኣት ሰብ ጐዳኢ እዩ (9)

    • ፍርዲ ቐልጢፉ ምስ ዘይፍጸም (11)

    • ብላዕ፡ ስተ፡ ተሓጐስ (15)

8  ከም ጥበበኛ ዝዀነ መን እዩ፧ ፍታሕ ሽግር* ዚፈልጥከ መን እዩ፧ ጥበብ ሰብ ንገጹ ተብርሆ፣ ነቲ ጸዋግ ትርኢቱ እውን ተፈሽሕዎ።  ኣነስ እዚ እብል ኣለኹ፦ “ስለቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝመሓልካዮ ማሕላ ኢልካ፡+ ትእዛዛት ንጉስ ሓሉ።+  ካብ ቅድሚኡ ኽትከይድ ኣይትተሃወኽ።+ ኣብ ክፉእ ነገር ኣይትቑም፣+ ንሱስ ባህ ዝበሎ ኺገብር ይኽእል እዩ፣  ቃል ንጉስሲ ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ እዩ፣+ ‘እንታይ ትገብር ኣለኻ፧’ ኪብሎ ዚኽእል መን እዩ፧”  ትእዛዝ ዚሕሉ፡ ጕድኣት ኣይረኽቦን፣+ ጥበበኛ ዝልቡ ኸኣ፡ ግቡእ ግዜን ስርዓትን* ይፈልጥ።+  ሽግራት ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ገግዜኡን ሰስርዓቱን* ኣለዎ።+  እንታይ ከም ዚኸውን ዚፈልጥ ስለ ዘየልቦ፡ ከመይ ከም ዚኸውን መን ኪነግሮ ይኽእል፧  ከምቲ ሰብ ኣብ ልዕሊ መንፈስ* ሓይሊ ዘይብሉ ወይ ንመንፈስ ኪገትኦ ዘይክእል፡ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞት ሓይሊ ዘለዎ እውን የልቦን።+ ከምቲ ብግዜ ውግእ ሓደ እኳ ዘይሰናበት፡ እከይ እውን ንገበርቱ፡ ኬምልጡ ኣይፈቕደሎምን እዩ።*  እዚ ዅሉ ረኣኹ፣ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ኵሉ ግብሪ፡ ናብቲ ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ዚገዝኣሉ ግዜ ኸኣ ልበይ ኣቕለብኩ።+ 10  እቶም ናብታ ቕድስቲ ቦታ ዚኣትዉን ካብኣ ዚወጹን ዝነበሩ እኩያት ኪቕበሩ ኸለዉ ረኣኹ፣ ኣብታ ኸምኡ ዚገብሩላ ዝነበሩ ኸተማ ግና ነዊሕ ከይጸንሑ ተረስዑ።+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ። 11  ኣብ ልዕሊ ኽፉእ ተግባር እተፈርደ ፍርዲ ቐልጢፉ ምስ ዘይፍጸም፡+ ልቢ ሰብ ክፉእ ንምግባር ይደፍር እዩ።+ 12  ሓጥእ ሚእቲ ሳዕ እኳ ኽፉእ እንተ ገበረ፡ ነዊሕ ግዜ እውን እንተ ነበረ፡ ነቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚፈርሁስ፡ ስለ ዚፈርህዎ፡ ጽቡቕ ከም ዚዀነሎም እፈልጥ እየ።+ 13  ንእኩይ ግና፡ ንኣምላኽ ስለ ዘይፈርሆ፡ ጽቡቕ ኣይኰነሉን እዩ፣+ ነተን ከም ጽላሎት ዝዀና መዓልትታቱ እውን ኣየንውሕን እዩ።+ 14  ኣብ ምድሪ ዚግበር ከንቱ* ነገር ኣሎ፦ እከይ ከም ዝገበሩ ጌርካ ዚትሓዙ ጻድቃን ኣለዉ፣+ ጽድቂ ኸም ዝገበሩ ጌርካ ዚትሓዙ እኩያት እውን ኣለዉ።+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ እብል ኣለኹ። 15  ንሰብሲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ካብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ዚሓይሽ ስለ ዘይብሉ፡ ታሕጓስ ጽቡቕ ምዃኑ መኸርኩ፣+ በተን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሃቦ መዓልትታት ህይወቱ ኺጽዕር ከሎ፡ እዚ የሰንዮ።+ 16  ጥበብ ናብ ምጥራይን ኣብ ምድሪ ዚኸውን ዘሎ ዅሉ ተግባር* ናብ ምርኣይን ልበይ ኣቕለብኩ፣+ መዓልትን ለይትን እኳ ኣይደቀስኩን።* 17  ኵሉ ግብሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ረኣኹ፣ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን ኪርድኦ ኸም ዘይክእል ከኣ ተገንዘብኩ።+ ሰባት ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም። ኪፈልጡ ዜኽእሎም ጥበብ ኣሎና እኳ እንተ በሉ፡ ከም ሓቂ ግና ኺርድእዎ ኣይክእሉን እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ትርጉም ነገር።”
ወይ፡ “ፍርድን።”
ወይ፡ “ፈፍርዱን።”
ወይ፡ “ትንፋስ፣ ንፋስ።”
ወይ፡ “እከይ ንእኩያት ኬናግፎም ኣይክእልን እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዜበሳጩ።”
ወይ፡ “ዕዮ።”
ወይ፡ “ሰባትሲ መዓልቲ ዀነ ለይቲ ኣይድቅሱን እዮም” ኪኸውን ይኽእል።