ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

የሱስ ብሓቂዶ ነይሩ እዩ፧

የሱስ ብሓቂዶ ነይሩ እዩ፧

የሱስ ሃብታም ወይ ብዓል ስልጣን ኣይነበረን። ናተይ ዚብላ ቤት እውን ኣይነበረቶን። ኰይኑ ግና፡ ትምህርትታቱ ንሚልዮናት ሰባት ጸልዩ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ብሓቂዶ ነይሩ እዩ፧ ዘመናውያን ኰኑ ጥንታውያን ሊቃውንቲ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብሉ፧

  • ማይክል ግራንት ዚብሃል ጸሓፍ ታሪኽን ክኢላ ጥንታዊ ስልጣነን ከምዚ በለ፦ “ነቲ ኣብ ታሪኻዊ ሰነድ ዝሓዘ ጥንታዊ ጽሑፋት እንጥቀመሉ መለክዒ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እውን እንተ ተጠቒምናሉ፡ ልክዕ ከምቲ ነቶም ማእለያ ዘይብሎም ኣረማውያን ፍሉጣት ሰባት ኣብ ታሪኽ ከም ዝነበሩ ኣብ ሕቶ ዘይነእትዎ፡ የሱስ ከም ዝነበረ እውን ኣብ ሕቶ ኣይነእትዎን ኢና።”

  • ሩዶልፍ ቡልትማን ዚብሃል ፕሮፌሰር መጽናዕትታት ሓድሽ ኪዳን ከምዚ ብምባል ገለጸ፦ “የሱስ ብሓቂ እንተ ነይሩ ዘሎ ጥርጣረ፡ መሰረት ዘይብሉን መርትዖ ምቕራብ ዘየድልዮን እዩ። ዝዀነ ጥዑይ ሰብ፡ የሱስ መስራቲ እቲ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ዝጀመረ ታሪኻዊ ምንቅስቓስ ጥንታዊ ማሕበረ ሰብ [ክርስትና] ምዃኑ ኺጠራጠር ኣይክእልን እዩ።”

  • ዊል ዱራንት ዚብሃል ጸሓፍ ታሪኽን ደራስን ፈላስፋን ከምዚ ብምባል ጸሓፈ፦ “ሒደት ተራ ሰባት [ጸሓፍቲ ወንጌል] ከምዚ ዝበለ ብርቱዕን መሳጥን ሰብኣዊ መንነት፡ ክብ ዝበለ ስነ ምግባራዊ ስርዓት፡ ህያው ትርኢት ሰብኣዊ ሕውነት ኪምህዙስ፡ ካብቲ ኣብ ወንጌላት ተመዝጊቡ ዚርከብ ተኣምራት ንላዕሊ ንምእማኑ ዜሸግር ምዀነ።”

  • ኣልበርት ኣንስታይን ዚብሃል ኣብ ጀርመን እተወልደ ኣይሁዳዊ ናይ ፊዚክስ ሊቅ ከምዚ ብምባል ገለጸ፦ “ኣነ ኣይሁዳዊ እየ፣ እንተዀነ ግና፡ በቲ መሳጢ መንነት እቲ ናዝራዊ ተማሪኸ እየ።” ንየሱስ ከም ሓደ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ ገይሩ ዚርእዮ እንተ ዀይኑ ምስ ተሓትተ ድማ፡ “እሂናይ ደኣ! ዝዀነ ሰብ ንወንጌላት ኬንብቦ ኸሎ፡ ህልውና የሱስ ርግጽ እዩ ዚዀነሉ። ነፍሲ ወከፍ ቃል ንመንነቱ ጋህዲ ይገብረልካ እዩ። ዝዀነ ፈጠራ ኸምዚ ዝኣመሰለ ህያው ታሪኽ ኪህልዎ ኣይክእልን እዩ” ኢሉ መለሰ።

    “ዝዀነ ሰብ ንወንጌላት ኬንብቦ ኸሎ፡ ህልውና የሱስ ርግጽ እዩ ዚዀነሉ።”

    —ኣልበርት ኣንስታይን

ታሪኽ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

ዝርዝር ጸብጻብ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ኣብተን ወንጌላት ተባሂለን ዚፍለጣ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ይርከብ። እዘን መጻሕፍቲ ብስም እቶም ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ፡ ዮሃንስ ዚብሃሉ ጸሓፍተን ይጽውዓ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጥንቲ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘይኰኑ ብርክት ዝበሉ ምንጭታት ንየሱስ ይጠቕስዎ እዮም።

  • ታሲተስ

    (ከ. 56-120 ድ.ክ.፡ ወይ ድሕሪ ክርስቶስ) ታሲተስ ሓደ ኻብቶም ዓበይቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ ጥንታዊት ሮሜ ኸም ዝነበረ እዩ ዚፍለጥ። እቲ ብዛዕባ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝመዝገቦ ታሪኽ ካብ 14 ድ.ክ. ክሳዕ 68 ድ.ክ. ንዝነበረ ግዜ እዩ ዚሽፍን። (የሱስ ኣብ 33 ድ.ክ. እዩ ሞይቱ) ታሲተስ ከም ዝጸሓፎ፡ ብ64 ድ.ክ. ብርቱዕ ባርዕ ንሮሜ ምስ ኣዕነዋ፡ ሃጸይ ኔሮ ተሓታቲ ኸም ዝዀነ እዩ ዚውረ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኔሮ “ነቲ ወረ ንምዕባስ ኢሉ” ንክርስትያናት ከም ዝጠቀኖም ታሲተስ ጸሓፈ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “እቲ ምንጪ ስም እዞም ጕጅለ [ክርስትያናት] ዝዀነ ክርስቶስ ብዘመነ ጢበርዮስ ብሓደ ኻብቶም ተወከልቲ ዝዀነ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንሞት ተፈርዶ” በለ።—ኣናልስ፡ XV፡ 44።

  • ሱቶኒዮ

    (ከ. 69–ድ. 122 ድ.ክ.) እዚ ሮማዊ ጸሓፍ ታሪኽ እዚ፡ ኣብታ ላይቭስ ኦቭ ሲዛርስ ዘርእስታ ጽሑፉ፡ ብዘመን እቶም 11 ቐዳሞት ሃጸያት ሮሜ ንዘጋጠመ ፍጻመታት መዝጊቡ ኣሎ። ኣብቲ ንቅላውዴዎስ ዚገልጽ ክፋል፡ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ብእተገብረ ኽርክር ተላዒሉ ኪኸውን ዚኽእል ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድ ዘጋጠመ ናዕቢ ጠቒስዎ ይርከብ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:2) ሱቶኒዮ፡ “ኣይሁድ ብሰንኪ እቲ ክርስቶስ ዘለዓዓሎ ናዕቢ፡ ህውከት ይገብሩ ብምንባሮም፡ [ቅላውዴዎስ] ካብ ሮሜ ኣባረሮም” ብምባል ጸሓፈ። (ዘ ዲፋይድ ክላውድዩስ፡ XXV፡ 4) ሱቶኒዮ ንየሱስ ናዕቢ የለዓዕል ከም ዝነበረ ገይሩ ብጌጋ እኳ እንተ ኸሰሶ፡ ብሓቂ ኸም ዝነበረ ግና ኣይተጠራጠረን።

  • ፕሊኒ ንእሽቶ

    (ከ. 61-113 ድ.ክ.) እዚ ሮማዊ ደራስን ኣማሓዳሪ ቢታንያን (ዘመናዊት ቱርኪ) ዝነበረ ንሃጸይ ትራጃን፡ ነቶም ኣብቲ ኣውራጃ ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ ኪሕዞም ከም ዚኽእል ጸሓፈሉ። ፕሊኒ፡ ነቶም እምነቶም ምኽሓድ ዝኣበዩ ክርስትያናት ብምቕታል፡ ንኻልኦት እምነቶም ኪኽሕዱ ኼገድዶም ከም ዝፈተነ ገለጸ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “እቶም . . . ነቲ ኣነ ዝበልክዎ ብምድጋም ናብ [ኣረማውያን] ኣማልኽቲ እተማህለሉ፡ ናብ ምስልኻ ዕጣንን ወይንን ዘቕረቡ . . . ኣብ መወዳእታ እውን ንክርስቶስ ዝረገሙ . . . ናጻ ኺወጹ ግቡእ ኰይኑ ይስምዓኒ” ብምባል ጸሓፈሉ። —ፕሊኒ—ለተርስ፡ ቡክ X፡ XCVI።

  • ፍላቭየስ ጆሰፈስ

    (ከ. 37-100 ድ.ክ.) እዚ ኣይሁዳዊ ኻህንን ጸሓፍ ታሪኽን ከም ዝገለጾ፡ እቲ ኣብ ፖለቲካ ጽልዋ ዝነበሮ ሃና ዚብሃል ሊቀ ኻህናት “ንደያኑ ሳንሄድሪን [ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ] ኣኪቡ ንሓደ ያእቆብ ዚብሃል ሓው እቲ ክርስቶስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ የሱስ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረቦ።” —ጂውሽ ኣንቲኲቲስ፡ XX፡ 200።

  • ታልሙድ

    እዚ ኻብ ሳልሳይ ክሳዕ ሻድሻይ ዘመን ድ.ክ. እተጻሕፈ ጥርኑፍ ናይ ኣይሁድ ጽሑፋት ረቢ፡ ጸላእቲ የሱስ እኳ ኸይተረፉ ንሱ ብሓቂ ኸም ዝነበረ መረጋገጺ ኸም ዝሃቡ የርኢ። ሓደ ኽፋሉ ድማ፡ “ኣብ ፋስጋ፡ የሹ [የሱስ] እቲ ናዝሬታዊ ተሰቕለ” ይብል። እዚ ኸኣ ታሪኻዊ ልክዕነት ዘለዎ እዩ። (ባቢሎንያን ታልሙድ፡ ሳንሄድሪን 43a፡ ሙኒክ ኮዴክስ፣ ዮሃንስ 19:14-16 ርአ።) ኣብ ካልእ መወከሲ ድማ፡ “ከምቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ርእሱ ዘዋረደ ናዝሬታዊ ዝበለ ውሉድ ኣይሃበና” በለ። እቲ ‘ናዝሬታዊ’ ዚብል መጸውዒ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ የሱስ ዚውዕል እዩ ነይሩ።—ባቢሎንያን ታልሙድ፡ በራኮዝ 17b፡ እግረ ጽሑፍ፡ ሙኒክ ኮዴክስ፣ ሉቃስ 18:37 ርአ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መርትዖ

ወንጌላት፡ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ሰፊሕ ጸብጻብ ኬቕርብ ከሎ፡ ንሰባትን ቦታታትን ግዜያትን ብዚምልከት ዝርዝር መግለጺ ሂቡ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ መለለዪ ናይ ሓቂ ታሪኽ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ሉቃስ 3:1, 2 ዚርከብ ሓሳባት፡ ብዛዕባ እቲ ዮሃንስ መጥምቕ ዚብሃል ናብ የሱስ ዜብጽሕ ጸራጊ መገዲ፡ ዕዮኡ ዝጀመረሉ ልክዕ ዕለት ክንፈልጥ ይሕግዘና።

“ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ [እዩ]።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ሉቃስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣብ መበል 15 ዓመት ንግስና ጢቤርዮስ ቄሳር፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ሹም ኰይኑ ኸሎ፡ ሄሮድስ ድማ ገዛኢ ኣውራጃ ገሊላ ኸሎ፡ ሓዉ ፊልጶስ ከኣ ገዛኢ ኣውራጃ ሃገረ ኢጡርያን ጥራኮኒቲስን ከሎ፡ ሊሳንያስ እውን ገዛኢ ኣውራጃ ኣቢለኔ ኸሎ፡ ሃናን ቀያፋን ሊቃውንቲ ኻህናት ከለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ፡ ኣብ በረኻ መጸ።” እዚ ዝርዝርን ልክዕን መግለጺ እዚ፡ “ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ” ዝመጸሉ ዓመት፡ ኣብ 29 ድ.ክ. ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ የኽእለና።

ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ነዞም ሉቃስ ዝጠቐሶም ሸውዓተ ህቡባት ሰባት ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጥዎም እዮም። ገሊኦም ሃያስያን፡ ንህላወ ጶንጥዮስ ጲላጦስን ሊሳንያስን ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ ነበሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ስማት እዞም ክልተ ሰበ ስልጣን ዝሓዘ ጥንታዊ ጽሑፋት ብምርካቡ፡ ሉቃስ ልክዕ ምንባሩ ተረጋገጸ። *

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ንሰባት ብዛዕባ ዓለምለኻዊት መንግስቲ፡ ማለት መንግስቲ ኣምላኽ መሃሮም

የሱስ ብሓቂ ነይሩ እንተ ዀይኑ ምፍላጥ ዜገድስ፡ ትምህርትታቱ ስለ ዜገድስ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ንሰባት ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ብኸመይ ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ምሂርዎም እዩ። * ኣብ ርእሲ እዚ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ “መንግስቲ ኣምላኽ” እትብሃል ሓንቲ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ሓቢሮም ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን እናኣስተማቐሩ ዚነብሩሉ እዋን ከም ዚመጽእ ኣተስፍዩ እዩ።—ሉቃስ 4:43።.

እዛ ዓለምለኻዊት መንግስቲ እዚኣ፡ ልዑላውነት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዚረጋገጽ ስለ እትገብር፡ እቲ “መንግስቲ ኣምላኽ” ዚብል መጸውዒ ግቡእ እዩ። (ራእይ 11:15) የሱስ ኣብታ ኣብነት እትኸውን ጸሎት፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ . . . መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ . . . ኣብ ምድሪ ይኹን” ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ኣነጺርዎ እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ግዝኣት እዛ መንግስቲ ንደቂ ሰብ እንታይ ኪገብረሎም እዩ፧ ነዚ ዚስዕብ እስከ ርአ፦

  • ውግእን ናዕብን ኪጠፍእ እዩ።መዝሙር 46:8-11

  • እከይ፡ ስስዐ፡ ብልሽውና፡ ከምኡ እውን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ ንሓዋሩ ኺጠፍእ እዩ።መዝሙር 37:10, 11

  • ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ትርጉም ዘለዎን ፍረ ዚርከቦን ዕዮ ኺህልዎም እዩ። ኢሳይያስ 65:21, 22

  • ምድሪ ኻብዚ ሕጂ ዘላቶ ሕማቕ ኵነታት ናጻ ኽትከውንን ኣኺሉ ዚተርፍ ምህርቲ ኸተፍርን እያ።መዝሙር 72:16፣ ኢሳይያስ 11:9

ገሊኦም ሰባት፡ ነዚ ተስፋታት እዚ ትምኒት ጥራይ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጻዕርታት ደቂ ሰብ ትውክልቲ ምግባርዶ ኸይኰነ ትምኒት ጥራይ ኰይኑ ዚተርፍ፧ ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ኣብ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ዜደንቕ ምዕባለታት እኳ እንተ ተራእየ፡ ሎሚ ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ድሕንነት ዘይስምዖምን ብዛዕባ ጽባሕ ዚፈርሁን እዮም። መዓልታዊ ድማ ቍጠባውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጸቕጢ ኸምኡ እውን ስስዐን ብልሽውናን ንርኢ ኢና። እወ፣ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ብሓቂ ፈሺሉ እዩ!—መክብብ 8:9

ስለዚ እምበኣር፡ የሱስ ብሓቂ ነይሩ እንተ ዀይኑ ምምርማር ኣገዳሲ እዩ። * ከመይሲ፡ ከምቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:19, 20 ተገሊጹ ዚርከብ፡ “ተስፋታት ኣምላኽ ዘበለስ ብእኡ [ብክርስቶስ] ‘እወ’ ዀይኑ እዩ።”

^ ሕ.ጽ. 23 ስም እቲ ብዓል ርባዕ ሽመት ወይ “ገዛኢ ኣውራጃ” ዝነበረ ሊሳንያስ ዝሓዘ ጽሑፍ ተረኺቡ እዩ። (ሉቃስ 3:1፡ እግረ ጽሑፍ) ኣብቲ ሉቃስ ዝጠቐሶ እዋን ድማ ኣብ ኣቢለኔ ይገዝእ ነበረ።

^ ሕ.ጽ. 25 ሓደ ኻብቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርትታት፡ እቲ መብዛሕትኡ እዋን ናይ ከረን ስብከት ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ኽሳዕ 7 ዚርከብ ትምህርቲ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 32 ብዛዕባ የሱስን ትምህርትታቱን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ www.pr418.com/ti ርአ።