ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዜደንቕ ባእታ

ዜደንቕ ባእታ

ኔቸርስ ብዩልዲንግ ብሎክስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ከም ካርቦን ገይሩ ንህይወት ዜድሊ ባእታ የለን” በለት። እቲ ፍሉይ ዝዀነ ጠባያት ካርቦን፡ ንሓድሕዱን ምስ ሓያሎ ኻልኦት ከሚካዊ ባእታታትን ኪላገብ ስለ ዜኽእሎ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ውሁዳት የቕውም። ብዙሓት ካብዚኣቶም ድማ ብቐጻሊ ይርከቡን ይቃመሙን ኣለዉ።

ኣብዚ ቐጺሉ ዚርከብ ኣብነታት ከም እንርእዮ፡ ኣቶማት ካርቦን ተወሃሂዶም ከም ሰንሰለታትን ሃረማትን ቀላብትን ቱቦታትን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ቕርጽታት የቝሙ እዮም። ብሓቂ እምበኣር፡ ካርቦን ዜደንቕ ባእታ እዩ።

ኣልማዝ

ኣቶማት ካርቦን፡ ቴትራሄድሮንስ ዚብሃሉ ሃረማት የቝሙ እዮም። እዚኣቶም ንቕርጺ ሓደ ነገር ኣዝዩ ተሪር ከም ዚኸውን እዮም ዚገብርዎ፣ ኣልማዝ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተረኽቡ ባህርያዊ ነገራት ኣዝዩ ዝተረረ ዝዀነ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። ሓደ ውጹእ ኣልማዝ ብንጽል ሞለክዩል ኣቶማት ካርቦን ዝቘመ እዩ።.

ግራፋይት

ከረው ኢሎም እተላገቡ ኣቶማት ካርቦን፡ ልክዕ ከም እተደርደረ ወረቓቕቲ፡ ተነጺሎም ኪፍለዩ ብዚኽእሉ ብዙሕ ዘይተጣበቑ ቐጸላታት እተሰርዑ እዮም። ብምኽንያት እዚ ጠባያት እዚ ኸኣ ግራፋይት ጽቡቕ መለስለስን ርሳስ ንምስራሕ ዚሕግዝ ቀንዲ ውሁድን እዩ።*

ግራፊን

እዚ ነቲ ሽዱሽተ ዅርናዕ ብዘለዎ መርበብ ዚመስል ቀዳዳት እተመዓራረየ፡ ንጽል ቀጸላ ኣቶማት ካርቦን የመልክት። ግራፊን ካብ ኣቻዮ ኣዝዩ እተዓጻጸፈ ድልዳለ ኣለዎ። ኣሰር ርሳስ፡ ኣብ ንጽል ወይ ድርብ ቀጸላታት፡ ሒደት ዓቐን ግራፊን ኪርከቦ ይኽእል እዩ።.

ፉለሪንስ

እዞም ባዶ ሞለክዩላት ካርቦን እተፈላለየ ቕርጺ ዘለዎም ኰይኖም፡ ናኖትዩብስ ዚብሃሉ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዚርኣዩ ዀዓሳሱን ቱቦታትን የጠቓልሉ። ብናኖሜተርስ ወይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ቢልዮን ናይ ሓደ ሜተር ድማ ይዕቀኑ።

ህያዋን ነፍሳት

እቶም ንኣትክልትን ንእንስሳታትን ንሰባትን ዜቝሙ ዋህዮታት፡ በቲ ኣብ ካርቦሃይድሬትን ስብሕን ኣሚኖ ኣሲድን ዚርከብ ካርቦን እዮም ተሃኒጾም።

“እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ [ባህርይ ኣምላኽ] . . . ብንጹር ይርአ እዩ።” —ሮሜ 1:20

ነታ ኣብ ናይ ሕዳር 2007 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ርሳስ ዘለዎዶ ኣሎ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።