ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብግዜ ጃምላዊ ቕትለት ናዚ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዩ ተገይሩ፧

ብግዜ ጃምላዊ ቕትለት ናዚ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዩ ተገይሩ፧

 ብግዜ ጃምላዊ ቕትለት ናዚ፡ ካብቶም ኣብ ጀርመንን ናዚ ኣብ ዚቈጻጸረን ሃገራትን ዚነብሩ ዝነበሩ 35,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣስታት 1,500 ሞይቶም እዮም። ጠንቂ ሞቶም ዚፍለጥ ናይ ኵሎም ኣይኰነን። እቲ ዚግበር ዘሎ ምርምር ቀጻሊ ስለ ዝዀነ፡ ኣሃዛትን ካልእ ዝርዝር ሓበሬታን በብግዜኡ ኺተዓራረ ይኽእል እዩ።

 ብኸመይ እዮም ሞይቶም፧

  • ናዚ ዚጥቀሙላ ዝነበሩ ጊለቲን እትብሃል መቐንጸሊት

      መቕጻዕቲ ሞት፦ ኣስታት 400 ዝዀኑ ኣብ ጀርመንን ናዚ ኣብ ዚቈጻጸረን ሃገራትን ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሞት ተቐጺዖም እዮም። መብዛሕትኦም ግዳያት ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም፡ ንሞት ተፈሪዶም፡ ድሕሪኡ ኸኣ ተቐንጺሎም እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብ ፍርዲ ኸይቀረቡ ተረሺኖም ወይ ተሓኒቖም እዮም።

  •   ጽንኩር ኵነታት ማእሰርቲ፦ ልዕሊ 1,000 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መዳጐኒ ደምበታትን ኣብያተ ማእሰርትን ናዚ ሞይቶም እዮም። ገሊኦም ክሳዕ ኣብ ሞት ዚበጽሑ ኸቢድ ዕዮ ኸም ዚዓይዩ ተገይሮም እዮም፣ ገሊኦም ድማ ብሰንኪ ስቅያት፡ ጥሜት፡ ቍሪ፡ ሕማም፡ ወይ ስእነት ሕክምናዊ ኽንክን ሞይቶም እዮም። ገሊኦም ብሰንኪ እቲ እተገብረሎም ሕሱም ኣተሓሕዛ፡ ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም ሓራ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሑ ሞይቶም እዮም።

  •   ካልእ ጠንቅታት፦ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጋዝ ተቐቲሎም እዮም፣ ገሊኦም ድማ ናይ ሕክምና መፈተኒ ብምዃኖም ሞይቶም፡ ወይ ብመርፍእ ተቐቲሎም እዮም።

 መስጐጕቲ ዝወረዶም ስለምንታይ እዩ፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓቦም እዩ መስጐጕቲ ወሪድዎም። መንግስቲ ናዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኽልክሎ ኺገብርዎ ምስ ኣዘዞም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣበዩ። ‘ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኪእዘዙ’ እዮም መሪጾም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ከምኡ ኺገብሩ ዝመረጹሉ ኽልተ መዳያት እስከ ንርአ።

  1.   ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ ንምዃን። ልክዕ ከምቶም ሎሚ ዘለዉ ኣብ ኵለን ሃገራት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናዚ ዚነብሩ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት እዮም ነይሮም። (ዮሃንስ 18:36) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነዚ ዚስዕብ ምግባር ኣብዮም እዮም፦

  2.   እምነቶም ሓልዮም ንምምልላስ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃይማኖታዊ ንጥፈታቶም ከይገብሩ እኳ እንተ ተኸልከሉ፡ ነዚ ዚስዕብ ምግባር ግና ቀጺሎም እዮም፦

 ፕሮፌሰር ሮበርት ገርዋርት ከም ዝገለጾ፡ “ኣብ ግዜ ሳልሳይ ራይኽ [ስርዓት ናዚ]፡ ብመሰረት ሃይማኖታዊ እምነቶም ጥራይ መስጐጕቲ ዝወረዶም እንኮ ጕጅለ፡” ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። a እቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ዝነበሩ ኻልኦት እሱራት ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ስለቲ ዝሓዝዎ ጽኑዕ መትከል የድንቕዎም ነይሮም እዮም። ሓደ ኦስትርያዊ እሱር ትዕዝብቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣይዋግኡን እዮም። ንሰብ ካብ ምቕታል፡ እንተ ተቐትሉ እዮም ዚመርጹ” በለ።

 ኣበይ እዮም ሞይቶም፧

  •   መዳጐኒ ደምበታት፦ መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መዳጐኒ ደምበታት እዮም ሞይቶም። ኣብ ከም ኦሽዊትዝ፡ ቡኸንዋልድ፡ ዳካው፡ ፍሎሰንበርግ፡ ማውትሃውዘን፡ ኖይንጋም፡ ኒደርሃገን፡ ራቨንስብሩክ፡ ከምኡ እውን ዛክሰንሃውዘን ዝኣመሰለ መዳጐኒ ደምበታት ተኣሲሮም ነይሮም እዮም። ኣብ ዛክሰንሃውዘን ጥራይ፡ ኣስታት 200 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ እዩ።

  •   ኣብያተ ማእሰርቲ፦ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተሰቅዮም ሞይቶም እዮም። ገሊኦም ከኣ መርመራ ኺግበረሎም ከሎ ብዝወረዶም መጕዳእቲ ሞይቶም እዮም።

  •   ቦታታት መቕጻዕቲ ሞት፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቐንዱ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ በርሊን-ፕሎትዘንሲ፡ ብራንደንበርግ፡ ሄል/ሳሊ ብሞት ተቐጺዖም እዮም። ብዘይካዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሞት እተቐጽዑሉ 70 ዚኸውን ካልእ ቦታታት ተሰኒዱ ኣሎ።

 ገለ ኻብቶም እተቐትሉ

  •  ስም፦ ሃላና ጐትሆልድ

     ቦታ መቕጻዕቲ ሞት፦ ፕሎትዘንሲ (በርሊን)

     ሰበይትን ኣደ ኽልተ ቘልዑን ዝዀነት ሃላና፡ ብዙሕ ግዜ እያ ተኣሲራ። ብ1937 መርመራ ኺግበረላ ኸሎ ኣዝዩ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ስለ እተገብረላ፡ ዘይተወልደ ዕሸል ሞታ። ኣብ 8 ታሕሳስ 1944 ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፕሎትዘንሲ (በርሊን) ብጊለቲን ተቐንጸለት።

  •  ስም፦ ገርሃርት ሊቦልድ

     ቦታ መቕጻዕቲ ሞት፦ ብራንደንበርግ

     እቲ ወዲ 20 ዓመት ዝነበረ ገርሃርት፡ ብ6 ግንቦት 1943 ኣብ ብራንደንበርግ ተቐንጸለ፣ ኣቦኡ እውን ክልተ ዓመት ኣቐዲሙ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ እቲኣ ተቐንጺሉ እዩ። ኣብታ ናብ ስድራ ቤቱን ናብ ሕጽይቱን ዝጸሓፋ ናይ ስንብታ ደብዳበ፡ “ጐይታ ሓይሊ እንተ ዘይህበኒ ነይሩ፡ በዛ መገዲ እዚኣ ክኸይድ ኣይምኸኣልኩን ነይረ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።

  •  ስም፦ ሩዶልፍ ኣውሽነር

     ቦታ መቕጻዕቲ ሞት፦ ሄል/ሳሊ

     ሩዶልፍ ብ22 መስከረም 1944 ኪቕንጸል ከሎ፡ ወዲ 17 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ። ኣብታ ናብ ኣዲኡ ዝጸሓፋ ናይ ስንብታ ደብዳበ፡ “ብዙሓት ኣሕዋት በዛ መገዲ እዚኣ ኸይዶም እዮም፣ ኣነ እውን ብእኣ ክኸይድ እየ” ኢሉ እዩ።

a ሂትለርስ ሃንግማን፦ ዘ ላይፍ ኦቭ ሃይድሪሽ፡ ገጽ 105።