ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ እዮም ዘይዋግኡ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ እዮም ዘይዋግኡ፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይዋግኡ በዚ ዚስዕብ ምኽንያታት እዩ፦

  1.   ንኣምላኽ ይእዘዙ እዮም። ህዝቢ ኣምላኽ፡ “ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት” ከም ዚገብርዎን ‘ደጊም ውግእ ከም ዘይምሃሩን’ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—ኢሳይያስ 2:4

  2.   ንየሱስ ይእዘዙ እዮም። የሱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ” በሎ። (ማቴዎስ 26:52) በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሱስ ሰዓብቱ ኣጽዋር ውግእ ከም ዘየልዕሉ ገለጸ።

     ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛታት ብምዃን፡ ነቲ ‘ኻብዛ ዓለም ከይኰኑ’ እተዋህቦም ትእዛዝ ይሕልውዎ እዮም። (ዮሃንስ 17:16) ንወተሃደራዊ ስጕምቲ ዀነ ወተሃደር ኪኸውን ንዚመርጽ ሰብ ግና ኣይቃወምዎምን እዮም።

  3.   ንኻልኦት የፍቅሩ እዮም። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ’ ኣዚዝዎም እዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35) በዚ ኸምዚ ዓለምለኻዊ ሕውነት ስለ ዝፈጠሩ፡ ዝዀነ ይኹን ኣባል ኣንጻር መንፈሳዊ ሓዉ ወይ ሓብቱ ኣይዋጋእን እዩ።—1 ዮሃንስ 3:10-12

  4.   ቀዳሞት ክርስትያናት ዝገደፍዎ ኣብነት ይስዕቡ እዮም። ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ኤንድ ዎር ከም ዚገልጾ፡ “ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ውግእን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ኣይካፈሉን እዮም ነይሮም።” ነዚ ተግባራት እዚ፡ “ምስቲ የሱስ ዝመሃሮ ስርዓት ፍቕርን ምስቲ ጸላኢኻ ኸተፍቅር ዚእዝዝ ትእዛዝን ኣይቃዶን እዩ።” ብተመሳሳሊ፡ ፒተር መይንሆልት ዚብሃል ጀርመናዊ ምሁር ስነ ሃይማኖት፡ ብዛዕባ ቐዳሞት ሰዓብቲ የሱስ፡ “ክርስትያንን ወተሃደርን ምዃን ዘይቃዶ ነገር ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ” በለ።

ኣብ ማሕበረሰብ እንገብሮ ኣበርክቶ

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማሕበረሰብ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎም፣ ንጸጥታ እተን ዚነብሩለን ሃገራት ዜስግኡ እውን ኣይኰኑን። ምስዚ ዚስዕብ ትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እንሰማማዕ፡ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ነኽብር፦

  •   “ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ይገዝኣዮም።”—ሮሜ 13:1

  •   “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ።”—ማቴዎስ 22:21

 ስለዚ፡ ሕጊ ንእዘዝ፡ ግብሪ ንኸፍል፡ ምስቲ መንግስቲ ንድሕንነት ህዝቢ ዚገብሮ ጻዕርታት ከኣ ንተሓባብር ኢና።