ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣይሁዳውያን ብጃምላ እተቐትሉ ስለምንታይ እዮም፧ ኣምላኽከ ነዚ ደው ዘየበሎ ስለምንታይ እዩ፧

ኣይሁዳውያን ብጃምላ እተቐትሉ ስለምንታይ እዮም፧ ኣምላኽከ ነዚ ደው ዘየበሎ ስለምንታይ እዩ፧

 በዚ እተጐድኡ ብዙሓት ሰባት ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ዚሓቱሉ ምኽንያት፡ ቅኑዕ መልሲ ንምርካብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መጸናንዒ ንምርካብ እውን እዩ። ካልኦት ሰባት ድማ እዚ ጃምላዊ ቕትለት እዚ፡ እከይ ደቂ ሰብ ኣብ ጥርዙ ኸም ዚበጽሓ ዜርኢ ምዃኑ ይኣምኑ፣ ስለዚ ኸኣ ብኣምላኽ ኪኣምኑ ይኸብዶም እዩ።

ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ጃምላዊ ቕትለት ኣይሁድን ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ‘ኣምላኽ እዚ ጃምላዊ ቕትለት እዚ ኺፍጸም ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ’ ኢልካ ምሕታት ጌጋ እዩ።

 ሓቂ፦ ዓባይ እምነት ዝነበረቶም ሰባት እውን ከይተረፈ፡ ኣምላኽ ክፍኣት ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ ከም ዝዀነ ሓቲቶም እዮም። ንኣብነት፡ ነብዪ ኣንባቆም ንኣምላኽ “ስለምንታይ እዩ ጥፍኣትን ዓመጻን ኣብ ቅድመይ ዘሎ፧ ስለምንታይከ እዩ ባእስን ግጭትን በዚሑ ዘሎ፧” ኢሉ ሓቲትዎ እዩ። (ኣንባቆም 1:3) ኣምላኽ ንኣንባቆም ኣይገንሖን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ሕቶታቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጸሓፍ ገይሩ እዩ።

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣምላኽ ብዛዕባ መከራ ደቂ ሰብ ኣይግደስን እዩ።

 ሓቂ፦ ኣምላኽ ንኽፍኣትን ነቲ ኽፍኣት ዜስዕቦ መከራን ይጸልኦ እዩ። (ምሳሌ 6:16-19) ብግዜ ኖህ ዓመጻ በዚሑ ስለ ዝነበረ፡ ኣምላኽ ‘ልቡ ጐሃየ’ (ዘፍጥረት 6:5, 6) እምላኽ በቲ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ልቡ ኣዝዩ ኸም ዝጐሃየ እምበኣር ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ሚልክያስ 3:6

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣምላኽ ንኣይሁድ ንምቕጻዕ ዝገበሮ እዩ።

 ሓቂ፦ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን፡ ኣምላኽ የሩሳሌም ብሮማውያን ክትጠፍእ ፈቒዱ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 23:37-24:2) ካብ ሽዑ ንደሓር ግና፡ ኣምላኽ ንዝዀነ ዓሌት ፈልዩ ስምረቱ ኣይሃበን ወይ ኣይቀጽዐን እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ግሪኻውን ፍልልይ የልቦን።”—ሮሜ 10:12

 ግጉይ ርድኢት፦ ፈቃርን ሓያልን ኣምላኽ እንተ ዝህሉ ነይሩ፡ ነቲ ጃምላዊ ቕትለት ምዓገቶ ነይሩ።

 ሓቂ፦ ኣምላኽ ጠንቂ መከራ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ንግዜኡ መከራ ኺህሉ ይፈቅድ እዩ።—ያእቆብ 1:13፣ 5:11

ኣምላኽ፡ ኣይሁድ ብጃምላ ኪቕተሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

 ኣምላኽ ነዚ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ካብቲ መከራ ደቂ ሰብ ኪህሉ ዝፈቐደሉ ማለት፡ ካብቲ ነቲ ቕድሚ ነዊሕ እዋን እተላዕለ ንስነ ምግባር ዚምልከት ጕዳይ ምላሽ ንምሃብ እተዓገሰሉ ምኽንያት እተፈልየ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሕጂ ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ድያብሎስ ምዃኑ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (ሉቃስ 4:1, 2, 6፣ ዮሃንስ 12:31) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ክልተ መሰረታዊ ሓቂ፡ ኣምላኽ እዚ ጃምላዊ እዚ ቕትለት ኪፍጸም ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ ይገልጽ እዩ።

  1.   ኣምላኽ ንሰባት ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡ እዩ ፈጢርዎም። ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርያ ደቂ ሰብ ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ካብኦም እንታይ ከም ዚጽበ ነጊርዎም እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ኪእዘዝዎ ኣየገደዶምን። ንሳቶም ድማ ጽቡቕን ክፉእን እንታይ ምዃኑ ባዕሎም ኪውስኑ መረጹ። እቲ ንሳቶም ዝገበርዎን ካልኦት ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዝገበርዎን ክፉእ ምርጫ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ሕማቕ ሳዕቤን ኣምጺኡ እዩ። (ዘፍጥረት 2:17፣ 3:6፣ ሮሜ 5:12) ስተትመንት ኦቭ ፕሪንስፕልስ ኦቭ ኮንሰርቫቲቭ ጁዳይዝም ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ኢላ ኣላ፦ “መብዛሕትኡ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ ዜጋጥም፡ ነቲ እተዋህበና ናይ ምምራጽ ናጽነት ብግቡእ ስለ ዘይንጥቀመሉ እዩ።” ኣምላኽ ንናይ ምምራጽ ናጽነትና ኣየሐደገናን፣ የግዳስ፡ ንሰባት ገዛእ ርእሶም ኬመሓድሩ ግዜ ሂብዎም እዩ።

  2.   ኣምላኽ ንዅሉ እቲ በሰላ ጃምላዊ ቕትለት ኬሕውዮ እዩ። ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ሞይቶም ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ እንተላይ ንግዳያት ጃምላዊ ቕትለት ኬተንስኦም እዩ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ዜባህርር ተዘክሮታት ካብ ኣእምሮ እቶም ካብቲ ህልቂት ዘምለጡ ሰባት ኪሓክኮ እዩ። (ኢሳይያስ 65:17፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ፡ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጽም የረጋግጽ እዩ።—ዮሃንስ 3:16

 በቲ ጃምላዊ ቕትለት እተጐድኡን ካብኡ ዘምለጡን ብዙሓት ሰባት፡ እምነቶም ዓቒቦም እዮም፣ ኣምላኽ እከይ ኪህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያትን ነቲ ሳዕቤናቱ ብኸመይ ኬዐርዮ ኸም ዝዓለምን ስለ ዝፈለጡ ኸኣ ህይወትም ትርጉም ከም ዚህልዎ ገይሮም እዮም።