ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ዝዀኑ ብምኽንያት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሃይማኖታዊ እምነቶም እዩ። ንፖለቲከኛታት ክንጸሉ ኣይንፍትንን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫ ኣይንሳተፍን፡ መንግስታዊ ስልጣን ክንሕዝ ኣይንፍትንን፡ መንግስትታት ንምቕያር ኣብ ዚግበር ምንቅስቓሳት እውን ኣይንሳተፍን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መገዲ እዚ እንስዕበሉ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዚህብ ንኣምን ኢና።

  •   ኣብነት እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ምቕባል ዝኣበየ የሱስ ኢና እንስዕብ። (ዮሃንስ 6:15) ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ካብ ዓለም ከይኰኑ’ ምሂርዎምን ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ምስ ዝዀነ ኺውግኑ ኸም ዘይብሎም ኣነጺሩሎምን እዩ።—ዮሃንስ 17:14, 16፣ 18:36፣ ማርቆስ 12:13-17

  •   ነታ የሱስ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ . . . ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ኺብል ከሎ እተዛረበላ መንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ኢና። (ማቴዎስ 24:14) ብዛዕባ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅ እተመዘዝና ወኪላት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኵለን ሃገራት፡ እንተላይ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እታ እንነብረላ ሃገር ገለልተኛታት ኢና።—2 ቈረንቶስ 5:20፣ ኤፌሶን 6:20

  •   ገለልተኛታት ብምዃንና፡ እተፈላለየ ፖለቲካዊ መርገጽ ንዘለዎም ኵሎም ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከይተሰከፍና ኽንዛረቦም ንኽእል ኢና። ጸገማት እዛ ዓለም እዚኣ ኺፍታሕ ዚኽእል ብመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ኸም እንኣምን እውን ብዘረባናን ብተግባራትናን ከነርኢ ንጽዕር ኢና።—መዝሙር 56:11

  •   ካብ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ስለ እንርሕቕ፡ ዓለምለኻዊ ሕውነትን ሓድነትን ኣሎና። (ቈሎሴ 3:14፣ 1 ጴጥሮስ 2:17) ብኣንጻሩ ግና፡ እተን ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢደን ዜእትዋ ሃይማኖታት ንኣባላተን ይኸፋፍላኦም እየን።—1 ቈረንቶስ 1:10

 ንመንግስትታት ነኽብር። ኣብ ፖለቲካ ኢድና ዘይነእቱ እኳ እንተ ዀንና፡ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ እታ እንነብረላ ሃገር ነኽብር ኢና። እዚ ኸኣ ምስቲ፡ “ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ይገዝኣዮም” ዚብል ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ እዩ። (ሮሜ 13:1) ሕጊ ነኽብር፡ ግብሪ ንኸፍል፡ ምስቲ መንግስቲ ንድሕንነት ዜጋታቱ ዚገብሮ ጻዕርታት ድማ ንተሓባበር ኢና። ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዚግበር ዕልዋ ኣብ ክንዲ እንሳተፍ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ምእንቲ ነገስታትን ምእንቲ ዅሎም ሰበ ስልጣንን” ክንጽሊ ዚህበና ምኽሪ ኢና እንስዕብ፣ ነዚ ድማ ብፍላይ ንናይ ኣምልኾ ናጽነት ኪጸሉ ዚኽእል ውሳነ ኣብ ዚገብሩሉ ግዜ ንገብሮ ኢና።—1 ጢሞቴዎስ 2:1, 2

 ካልኦት ሰባት ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ ኺገብሩ ንዘለዎም መሰል እውን ነኽብረሎም ኢና። ንኣብነት፡ ንፖለቲካዊ ምርጫ ኣይንዘርግን ወይ ነቶም ኪመርጹ ዝወሰኑ ሰባት ኣይንዕንቅፎምን ኢና።

 ገለልትነትና፡ ንሕና ዘተኣታተናዮ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ድዩ፧ ኣይኰነን። ሃዋርያትን ካልኦት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ብዛዕባ መንግስታዊ ስልጣን ተመሳሳሊ መርገጽ እዩ ነይርዎም። ብዮንድ ጉድ ኢንተንሽንስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ናይ ምኽባር ግዴታ ኸም ዘለዎም ይኣምኑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ግና ኢዶም ኣየእትዉን እዮም ነይሮም” በለት። ብተመሳሳሊ፡ ኦን ዘ ሮድ ቱ ሲቪላይዜሽን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት “ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይሕዙን ነበሩ” በለት።

 ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ምዃንና ንጸጥታ ሃገር ዜስግእ ድዩ፧ ኣይፋልን። ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ዘይነስግእ ፈተውቲ ሰላም ዝዀኑ ዜጋታት ኢና። ሃገራዊ ኣካዳሚ ስነ ፍልጠት ዩክረይን ብ2001 ዘውጸኦ ጸብጻብ እሞ ርአ። እቲ ጸብጻብ፡ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ብዛዕባ ምዃንና ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ሎሚ፡ ገሊኦም ሰባት ነዚ መትከል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይፈትውዎን ይዀኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እውን ብምልካዊ ስርዓት ናዚን ኮምዩኒስትን እተኸስሱሉ ቐንዲ ምኽንያት እዚ እዩ ነይሩ።” ኰይኑ ግና፡ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ሶቭየት እውን ከይተረፈ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ሕጊ ዜኽብሩ ዜጋታት እዮም ነይሮም። ኣብ ሕርሻታትን ኢንዱስትሪያዊ ቦታታትን፡ ብቕንዕናን ብትግሃትን ሰሪሖም እዮም፣ ንስርዓት ኮምዩኒስት ዜስግኡ ድማ ኣይነበሩን።” ከምቲ እቲ ጸብጻብ ኣብ መደምደምታ ዝበሎ፡ ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ እምነታትን ተግባራትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ንጸጥታን ንሓድነትን ዝዀነት ትኹን ሃገር ዜዳኽም ኣይኰነን።”