1 ዮሃንስ 2:1-29

  • የሱስ፡ ዜተዓርቕ መስዋእቲ (1, 2)

  • ትእዛዛቱ ምሕላው (3-11)

    • ናይ ቀደምን ሓድሽን ትእዛዝ (7, 8)

  • እቲ ጽሑፍ እተጻሕፈሉ ምኽንያት (12-14)

  • ንዓለም ኣይትፍተዉዋ (15-17)

  • ብዛዕባ ጸረ ክርስቶስ እተዋህበ መጠንቀቕታ (18-29)

2  ደቀየ፡ ምእንቲ ኸይትሓጥኡ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ሓደ እኳ ዝሓጥአ እንተሎ፡ ኣብ ኣቦ ረዳኢ፡* ማለት የሱስ ክርስቶስ+ እቲ ጻድቕ ኣሎና።+  ንሱ ኸኣ ምእንቲ ሓጢኣትና+ ዜተዓርቕ መስዋእቲ እዩ፣+ ምእንቲ ሓጢኣት ብዘላ ዓለም እውን እምበር፡ ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።+  ብቐጻሊ ትእዛዛቱ ንሕሉ እንተ ዄንና ድማ፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ።  እቲ፡ “እፈልጦ እየ” ዚብል፡ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፡ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂ እውን ኣብኡ የላን።  እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ፍጽምቲ ትኸውን።+ ምስኡ ሓድነት ከም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።+  እቲ፡ “ምስኡ ብሓድነት እየ ዝነብር” ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመላለሶ ገይሩ ኺመላለስ ግዴታ ኣለዎ።+  ፍቑራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰንኩን ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ።+ እዚ ናይ ቀደም ትእዛዝ እዚ፡ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ።  ጸልማት ይሓልፍ፡ ብርሃን ሓቂ እውን ድሮ ይበርህ ኣሎ እሞ፡+ ከም ብሓድሽ ኣብኡን ኣባኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣለኹ።  እቲ፡ “ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዚብል፡ ንሓዉ ግና ዚጸልእ፡+ ገና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ።+ 10  እቲ ንሓዉ ዜፍቅር፡ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር፡+ ኣብኡ እውን መዐንቀፊ የልቦን። 11  እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና፡ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎን ዚመላለስን፣+ ጸልማት ንኣዒንቱ ስለ ዘዖሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።+ 12  ደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ስሙ ተሓዲጉልኩም እዩ እሞ፡+ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። 13  ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡+ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ቈልዑ፡ ንኣቦ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡+ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። 14  ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን+ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ስለ ዚነብርን+ ነቲ እኩይ ስለ ዝሰዓርኩምዎን፡+ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። 15  ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ።+ ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈትዩዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የላን፣+ 16  ምኽንያቱ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ትምኒት ስጋን+ ትምኒት ኣዒንትን+ መነባብሮኻ ርኣዩለይ ምባልን፡* ካብ ዓለም እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። 17  ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ፣+ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።+ 18  ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ፣ ከምቲ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ፡+ ሕጂ እውን ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ተንሲኦም ኣለዉ፣+ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 19  ካባና እዮም ወጺኦም፡ ግናኸ፡ ካባና ኣይነበሩን፣+ ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ፡ ካባና ዝነበሩ ዅላቶም ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሃድ እዮም ዝወጹ።+ 20  ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ቕዱስ፡ ቅብኣት ኣሎኩም፣+ ኵላትኩም እውን ፍልጠት ኣሎኩም። 21  ነታ ሓቂ ስለ ዘይትፈልጥዋ ዘይኰነስ፡+ ስለ እትፈልጥዋ፡ ሓሶት እውን ካብ ሓቂ ስለ ዘይኰነ እየ ዝጸሓፍኩልኩም።+ 22  እቲ ንየሱስ ብሓቂ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ ሓሳዊ፧+ እቲ ንኣቦን ንወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እቲ ጸረ ክርስቶስ እዩ።+ 23  እቲ ንወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዅሉ፡ ንዕኡ እቲ ኣቦ የብሉን።+ እቲ ንወዲ ዚእመነሉ፡+ ንዕኡ እቲ ኣቦ ኣለዎ።+ 24  ንዓኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር።+ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑ፡ ንስኻትኩም እውን ምስ ወድን ምስ ኣቦን ሓድነት ኣልዩኩም ክትነብሩ ኢኹም። 25  እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ።+ 26  ብዛዕባ እቶም ኬስሕቱኹም ዚፍትኑ እየ እዚ ዝጸሓፍኩልኩም። 27  ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት+ ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ፣ እቲ ኻብኡ ዝዀነ ቕብኣት ግና፡ ብዛዕባ ዅሉ ይምህረኩም ኣሎ፣+ ሓቂ እውን እዩ እምበር፡ ሓሶት ኣይኰነን። ከምቲ ዝመሃረኩም ድማ፡ ምስኡ ብሓድነት ንበሩ።+ 28  ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግሃድ ከሎ፡ ንምዝራብ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡+ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ከኣ ብሕፍረት ካብኡ ኸይንርሕቕሲ፡ ምስኡ ብሓድነት ንበሩ። 29  ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩም፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደ ትፈልጡ ኢኹም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጠበቓ።”
ወይ፡ “ብጥሪትካ ምጅሃርን።”