ማርቆስ 1:1-45

  • ዮሃንስ መጥምቕ ሰበኸ (1-8)

  • ጥምቀት የሱስ (9-11)

  • የሱስ ብሰይጣን ተፈተነ (12, 13)

  • የሱስ ኣብ ገሊላ ኺሰብኽ ጀመረ (14, 15)

  • ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ተጸውዑ (16-20)

  • ርኹስ መንፈስ ወጸ (21-28)

  • የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ብዙሓት ኣሕወየ (29-34)

  • ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ጸለየ (35-39)

  • ሓደ ድዉይ ሓወየ (40-45)

1  መጀመርታ ብስራት የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ፦  ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ተባሂሉ እተጻሕፈ፦ “(እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ* እልእኽ ኣለኹ።)+  ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ ‘መገዲ የሆዋ* ኣዳልዉ! ጽርግያታቱ ኣቕንዑ።’”+  ከምኡ ድማ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ በረኻ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ ይሰብኽ ነበረ።+  ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኵሎም ሰብ የሩሳሌምን ከኣ፡ ናብኡ ወጹ፣ ሓጢኣቶም እናተናዘዙ እውን፡ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብእኡ ተጠምቁ።*+  ዮሃንስ ድማ ካብ ጸጕሪ ገመል እተሰርሐ ኽዳን ይኽደን፡ ዕጣቕ ቈርበት ከኣ ኣብ ሕቘኡ ይዕጠቕ ነበረ፣+ ኣንበጣን መዓር በረኻን ድማ ይበልዕ ነበረ።+  ከምዚ ኢሉ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ፦ “ድሕረይ፡ ካባይ ዚብርትዕ ይመጽእ ኣሎ፣ ኣነ ደኒነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ኣይበቅዕን እየ።+  ኣነ ብማይ እየ ኣጥሚቐኩም፣ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ።”+  በተን መዓልትታት እቲአን፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ናብ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ።+ 10  ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈት፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኣብኡ ኺወርድ ከሎ ረኣየ።+ 11  ካብ ሰማያት ከኣ፡ “ዝሰመርኩኻ፡ ፍቑር ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዚብል ድምጺ መጸ።+ 12  ብኡብኡ ኸኣ፡ መንፈስ ናብ በረኻ ኺወጽእ ደረኾ። 13  ኣብቲ በረኻ ድማ፡ ብሰይጣን እናተፈተነ፡ 40 መዓልቲ ጸንሐ፣+ ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፣ መላእኽቲ እውን የገልግልዎ ነበሩ።+ 14  ዮሃንስ ምስ ተታሕዘ፡ የሱስ ብስራት ኣምላኽ እናሰበኸ+ ናብ ገሊላ ኸደ፣+ 15  “እቲ ምዱብ ግዜ ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀሪባ ኣላ። ተነስሑ፡+ ብብስራት እውን እመኑ” ድማ ይብል ነበረ። 16  ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኪኸይድ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስ+ ሓው ስምኦንን ገፈፍቲ ዓሳ+ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣየ።+ 17  የሱስ ድማ፡ “ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እሞ፡ ስዓቡኒ” በሎም።+ 18  ብኡብኡ፡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ።+ 19  ካብኡ ቝሩብ ምስ ሓለፈ እውን፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ሓዉ ዮሃንስን፡ ኣብ ጃልባኦም ኰይኖም መርበቦም ኬዐርዩ ኸለዉ ረኣየ፣+ 20  ቀልጢፉ ድማ ጸውዖም። ንሳቶም እውን ንኣቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ዕሱባቱ ኣብ ጃልባ ሓዲጎም፡ ሰዓብዎ። 21  ናብ ቅፍርናሆም ድማ ኣተዉ። ሰንበት ምስ ኰነ፡ ብኡብኡ ናብ ምኵራብ ኣትዩ ኺምህሮም ጀመረ።+ 22  ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ።+ 23  በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ኣብ ምኵራቦም ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ነበረ፣ ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ ጨደረ፦ 24  “ኣታ ናዝሬታዊ የሱስ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧+ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ መን ምዃንካ ብልክዕ ፈሊጠካ ኣለኹ፣ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ኢኻ!”+ 25  የሱስ ግና፡ “ስቕ በል፡ ካብኡ እውን ውጻእ!” ኢሉ ገንሖ። 26  እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ፡ ምስ ኣንፈርፈሮን ዓው ኢሉ ምስ ጨደረን ካብኡ ወጸ። 27  ኵላቶም ኣዝዮም ስለ እተገረሙ፡ “እዚ እንታይ እዩ፧ ሓድሽ ትምህርቲ! ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዝዎ” እናበሉ ተመያየጡ። 28  ወሪኡ ድማ፡ ቀልጢፉ ናብ ብዘሎ ዞባ ገሊላ ብዅሉ ኣንፈት ተዘርግሐ። 29  ሽዑ፡ ካብ ምኵራብ ወጺኦም ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተዉ።+ 30  ሓማት ስምኦን+ ድማ ረስኒ ስለ ዝነበራ፡ ደቂሳ ነበረት፣ ንሳቶም ከኣ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ። 31  ናብኣ ቐሪቡ ድማ፡ ብኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ እሞ፡ ረስና ሓደጋ። ንሳ እውን ኣገልገለቶም። 32  ጸሓይ ዓሪባ ምስ መሰየ፡ ዝሓመሙን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ዘበሉ ዅሎም ኣምጽኡሉ፣+ 33  ብምልእታ እታ ኸተማ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ተኣከበት። 34  እተፈላለየ ሕማም ንዘለዎም ብዙሓት ኣሕወየ፣+ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውጽአ፣ ግናኸ፡ ነቶም ኣጋንንቲ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ* ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። 35  ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ናብ ወጻኢ ወጸ፣ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ኸኣ፡ ኣብኡ ጸለየ።+ 36  ስምኦንን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ደልዮም 37  ረኸብዎ፣ “ኵላቶም ይደልዩኻ ኣለዉ” ድማ በልዎ። 38  ንሱ ግና፡ “ምእንቲ እዚ እየ መጺአ እሞ፡ ኣብኡ እውን ምእንቲ ኽሰብኽሲ፡ ናብ ካልእ፡ ኣብ ቀረባ ናብ ዘለዋ ዓድታት ንኺድ” በሎም።+ 39  ኣብ ምኵራባቶም እናሰበኸን ኣጋንንቲ እናኣውጽአን፡ ኣብ ብዘላ ገሊላ ዞረ።+ 40  ሓደ ድዉይ ከኣ ናብኡ መጸ፣ ተምበርኪኹ ድማ፡ “እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ለመኖ።+ 41  ንሱ ኸኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ እውን ተንከዮ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” ከኣ በሎ።+ 42  ብኡብኡ ድማ፡ ደዌኡ ጠፍአ፡ ነጽሀ ኸኣ። 43  ብጥብቂ ኣዚዙ እውን ሰደዶ፣ 44  “ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፣ ግናኸ ኺድ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፣ ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡+ ስለ ምንጻህካ፡ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኣቕርብ”+ እውን በሎ። 45  እቲ ሰብ እቲ ግና፡ ምስ ከደ ብዙሕ ኪነግርን ኬውርን ጀመረ፣ ስለዚ ኸኣ፡ የሱስ ኣብ ጽምዊ ቦታታት ደኣ ጸንሐ እምበር፡ ናብ ከተማ ብግህዶ ኺኣቱ ኣይከኣለን። ግናኸ፡ ካብ ኵሉ ሸነኽ ናብኡ ይመጹ ነበሩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ቀቅድሚ ገጽካ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ጠለቑ፣ ጠሓሉ።”
ወይ፡ “ንሱ መን ምዃኑ” ኪኸውን ይኽእል።